ዕርክነት ኩሉግዜ ኣብ መንጎ ክልተ (ወይከኣ ኣብ ገለ እዋናት ካብ ክልተ ሰባት ንላዕሊ) ሰባት ዝህሉ ምትእስሳርን ምቅርራብን እዩ ዝገልጽ። ምቅርራብ ኣብ ሕድሕድ ርክባት ዝተፈክየ ትርጉም ኣለዎ።
ጽቡቕ ርክብ ሓደ ሓፈሻዊ ትርጉም ወይ መግለጺ የብሉን።
ሰባት ዝተፈላለየ ዓይነት ዕርክነታትን ኣነባብራታትን ክህልዉዎም ይኽእሉ። ንኣብነት:
- ጽኑዕ ዕርክነት;
- መርዓ;
- ብሓባር ምንባር ወይከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ኮንካ ብሓባር ምንባር;
- ንበይንኻ ምንባር;
- ምስ ተቓራኒ ጾታ ዝግበር ወሲባዊ ዕርክነት ወይከኣ ግብረሰዶማዊ ዕርክነት;
- ዝምድና ምስ ብዙሓት መጻምድቲ (ብሓደ ግዜ ብዙሓት መጻምድቲ ምሓዝ)፣
- ወዝቢ ዘጋጥሙ ወሲባዊ ርክባት…
ርክብ/ዕርክነት ናይዞም ዝተጠቕሱ ዓይነታት ርክባትን ኣነባብራታትን ውሁድ ክኸውንን ካብ ሓደ ርክብ ናብቲ ካልእ ክምዕብልን ይኽእል እዩ።
ንዓኻ ኣየናይ ዓይነት ርክብ ከምዘዋጸአካ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ዕርክነት ወይ ርክብ እንድሕርጀሚርኩም ንስኻን መጻምድትኻን ብዛዕባ ስምዒታትኩምን ትጽቢታትኩምን ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብሓባር ኮንኩም ንኽልቴኹም ዝሰማመዓኩም ነገር ኣናድዩ።
ፍቕርን ወሲብን ኣብ ርክባት/ዕርክነት
ገለ ርክባት ኣብ መንጎ ክልቲኦም መጻምድቲ ብዘሎ ፍቕሪ ዝተመስረቱ ክኾኑ እንከለዉ ካልኦት ርክባት ከኣ እብ ፍቕሪ ዝተደረኹ ኣይኮኑን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ከኣ ርክብ ምስተጀመረ ፍቕሪ ይፍጠር። ብተወሳኺ ናይ ፍቕሪ ስምዒት ኣብ ከይዲ ግዜ ክቀያየር ይኽእል እዩ።
ርክብ ወሲባዊ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ይኹን እምበር ከምኡ ክኸውን ኣይግብኦን። ንስኻን መጻምድትኻ ወሲብ ምግባር ዘድልየኩም እንተኾይኑ ከምኡድማ መዓስን ከመይን ክትገብሩ ከምዘለኩም ትውስኑ። ኣብ ርክብ መጻምድትኻ ኣገዲድካ ወሲብ ክፍጽም ምግባር መጥቃዕቲ መጻምድቲይበሃል። ብሕጊ ክልኩል እዩ።
ምስ ብዙሓት መጻምድቲ ዘይውሑስ ወሲብ እንድሕር ትፍጽም ኴንካ፣ ብስጋዊ-ርክብ ብዝመሓላለፉ ሕማማት ናይ ምትሓዝ ስግኣትካክብ ዝበለ ይኸውን። ንገዛእ-ርእስኻን መጻምድቲኻን ንምክልኻል ኮንዶም ተጠቐም።
ጽቡቕ ርክብ ምምስራት
ርክባት ኣብ ከይዲ ግዜ ክቀያየሩ ይኽእሉ እዮም። ንሓድሕድካ ምዝርራብ ኣብ ርክብ ኣገዳሲ እዩ። ብተወሳኺ ርክብካ እናጠንከረ መታን ክኸይድ ግዜኻን ጉልበትካን ከተጥፈኣሉ ይግባእ።
ተመሳሰልቲ ባህሪታትካ ወይ ሓደ ዝገብሩኻ ነገራት ምፍታሽ እውን ተጻመድቲ ብዛዕባ ርክቦም ኣወንታዊ ስምዒት ክህልዎም ይገብር።
ሰባት ኣብ ርክቦም ጽንኩር ኩነታትን ጸገማትን እውን ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ብሓባር ኮንካ ጸገም ምፍታሕ ንሓድሕድኩም ዝበለጸ ክትቀራረቡ የኽእለኩም። ብሓባር ክትፈትሕዎ እንድሕር ዘይትኽእሉ ሞያዊ ደገፍ ሕተቱ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እቶም ጸገማት ከይተፈትሑ ይተርፉ እሞ፣ እቲ ርክብ ይፈርስ።