ደረታትካ ኣብ ዕርክነት ወይከኣ ካብ ዕርክነት ወጻኢ ምስዘሎ ሰብ ኣብ ዝህልወካ ርክባት ንዓኻ ቅቡላት ዝኾኑ ነገራት ይነግረካ። ደረታትካ ዝጥሕስ ሰብ ክብሪ ዘይብሉ እዩ። ቅንዕናኻ ክህሰ ይኽእል እዩ።
እቲ ሃዋህው ብዛዕባ ኣብ ዕርክነትካ ዘጋጥሙ ብዙሓት እተፈላለዩ ጉዳያት ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት:
- ክትጽረፍ ኣይትደሊን;
- ስጋዊ-ርክብ ክትገብር ኣይትደሊን (ክሳዕ ሕጂ);
- ገለ ዓይነታት ወሲብ ክትገብር ኣይትደሊን;
- መጥቃዕቲ ክፍጸመካ ኣይትደሊን።
ሓደ ሰብ እቲ ዝተገብረ ነገር ከምኡ ድማ ዝተገብረሉ ኣገባብ/ዘይቕበሎ እንተኾይኑ ደረቱ ተጣሒሱ ኣሎ ማለት እዩ።
ደረታት ንምኽባር፣ ክልቲኦም መጻምድቲ:
- ብዛዕባ ዝገብርዎ ነገር ክሰማምዑ ኣለዎም;
- ጸቕጢ ክገብሩ ወይከኣ ክስምዖም የብሉን;
- ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተዕርክነት ክህልዎም ይግባእ (እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ሓይሊ ክጥቀም የብሉን)።
“ኣይፋል” ምባል
ደረታትካ ዝጠሓሱ ዘለዉ ኮይኑ እንድሕር ተሰሚዑካ፣ “ኣይፋል” በል። መጻምድትኺ ናትኪ ምርጫ ከኽብር ኣለዎ። ብዛዕባ እትደልዮን ዝስመዓካን ነገር ምስ መጻምድትኻ ተዘራረብ:
- ኣዚኻ ግልጺ ኹን።
- ቀጥ ኢልካ ጠጠው በል ወይከኣ ኮፍ በል’ሞ ናብ ኣዒንቲ መጻምድቲኻ ረኣይ።
- ስለምንታይ “ኣይፋል” ከምዝበልካ ግለጽ።
- ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ መልእኽትኻ ድገሞ።
- ሕማቕ ዝገበርካ ኮይኑ ክስመዓካ የብሉን።
- ክትፍጽሞም ዘይትኽእል መጽብዓታት ኣይትእቶ።
“ኣይፋል” ምባል ከቢድ እዩ፣ ይኹን እምበር ንመጻምድትኺ ደረታትኪ ኣበይ ከምዝኾነ እትነግርሉ መንገዲ እዩ። ደረታትኪ ንመጻምድትኺ ብግልጺ ክትነግርዮ ኣለኪ። “አይፋል” ብመጻምድትኺ ተቐባልነት ክረክብ እንተዘይክኢሉ፣ ሞያዊ ደገፍ ድለዪ ወይከኣ ንመቕርብኪ ኣማኽሪ።
መጻምድትኺ ከይፍለየኪ ክትፈርሒ ትኽእሊ። መጻምድትኺ ንስኺ ዘይትደልዪዮም ነገራት ክትገብሪ እናገደደኪዝቕጽል/እንተኾይኑ፣ እዚ መጻምድቲ ንዓኺ ዝኸውን ድዩ ኣይኮነን ወስኒ።
ወሲባዊ መዝማዚ ባህሪ
ብሓይሊ ወይ ብምፍርራሕ ገለ ነገር ክትገብሪ እንድሕር ተገዲድኪ፣ እዚ ኣስገዳድነት ይበሃል። ኣስገዳድነት ክህሉ እንከሎ፣ ደረታትኪ ኣይተኸብሩን ማለት እዩ። ገለ ዓይነታት ወሲብ (ንኣብነት: ስጋዊ-ርክብ፣ ምስዕዓም፣ ምትንኻፍ፣ ወሲባዊ ርእይቶታት፣ ሽርሙጥና)ክትገብሪ ብሓይሊ እንድሕር ተገዲድኪ፣ እዚ ወሲባዊ መዝማዚ ባህሪ ወይ ወሲባዊ ምዝመዛ ይበሃል።
ናይ ሓድሕድኩም ደረታት ምኽባር ኣገዳሲ እዩ። ምዝመዛ ስነ-ኣእምሮኣዊን ናይ ጥዕናን ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፣ ወሲባዊ መዝማዚ ባህሪን ካልኦት ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታትን ብሕጊ ክልኩላት እዮም።
መጻምድትኺ ወሲብ ንኽትገብሩ ከተእምንዮ ዝኸብደኪ እንተኾይኑ፣ ብዛዕባ እዚ ክልቴኹም ብሓባር ክትዛተዩሉ ፈትኑ። ወሲብ ካብ ስጋዊ-ርክብ ንላዕሊ እዩ። ኣብ መንጎኹም ኣካላዊ ምቅርራብ ምህላዉ እውን ንዕርክነትኩም ማዕረ ኣገዳስነት ኣለዎ።
ወሲባዊ ምዝመዛ ካብ ዕርክነት ወጻኢ እውን ከጋጥም ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ኣብ መንጎ ኣዝማድ፣ እትፋለጦ ሰብ ከምኡድማ ናይ ቀደም-መጻምድቲታት።
ሓገዝ ምድላይ
ወሲባዊ መዝማዚ ባህሪ ወይከኣ ካልእ ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ እንድሕር ኣጋጢሙኪ፣ ሓገዝ ድለዪ:
- ንእትኣምኖ ሰብ ኣማኽሪ።
- ንናይ ጥዕና ሞያዊ ኣማኽሪ። ሕማቕ ዝበርኪ ኮይኑ ኣይሰማዕኺ ከምኡድማ ኣይትሕፈሪ። ኣብ ብዙሓት ሰባት ዘጋጥም ነገር እዩ።
ወሲባዊ መዝማዚ ባህሪ ወይከኣ ካልእ ዓይነት ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ዘብጸሐልኪ ሰብ ከተቃልዒ እንተደሊኺ ንፖሊስ ኣፍልጢ።