ሽርሙጥና ማለት ወሲብ ሰልዲ ወይከኣ ካልእ ረብሓታት ምቕባል ማለት እዩ። ኣብ ሽርሙጥና ዝነጥፉ ሰባት ነጋዶ ወሲብ ወይከኣ ሸራሙጥ ይበሃሉ።
ነጋዲ ወሲብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣልግሎተን ንሰብኡት ዘቕርባ ኣንስቲ እየን። ሰብኡትን ድርብ-ጾታውያንን እውን ነጋዶ ወሲብ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፣ ዓማዊሎም ከኣ ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ክኾኑ ይኽእሉ።
ቅደሚ ስጋዊ-ርክብ ንሓድሕድካ ምዝርራብ
ስጋዊ-ርክብ ቅድሚ ምፍጻም፣ ነጋዶ ወሲብን ዓማዊልን እንታይ ዓይነት ወሲብ ከምዝደልዩን ዋግኡ ክንደይ ከምዝኾነን ክዘራረቡ ኣለዎም። ንኣብነት: ናይ ኣፍ ወሲብ ከምኡድማ/ወይድማ ሴጋ ከምኡድማ/ወይድማ መትሎኻ ምእታው ዝሓውስ ናይ ርሕሚ ወሲብ፣ ከምኡድማ/ወይድማ ናይ መሃንቱስ ወሲብ።
ኩሎም ዓይነታት ወሲብ ምስታ ናይ ወሲብ ነጋዲት ዝርርብ ክግበረሎም ይኽእል፣ ይኹን እምበር/ኩሉ ነገር ሕራይ ናይ ምባል ግቡእ የብላን። እንታይ/ክትገብረልካ ከም እትኽእልን ከምዘይትኽእልን ከምኡድማ ክንደይ ከምእተኽፍለካ ክትነግረካ እያ። ክልቲኦም ማለት እታ ነጋዲት ወሲብን እቲ ዓሚልንነናይ ባዕሎም ደረትን ነናይ ሓድሕዶም ደረትን ከኽብሩ ኣለዎም።
ውሑስ ወሲብን ጽሬት ሰውነትን
ውሑስ ወሲብ ምግባር ነታ ነጋዲት ወሲብን ነቲ ዓሚልን ጠቓሚ እዩ። ውሑስ ወሲብ ብምግባር፣ ንገዛእ-ርእስኻን ንኻልኦትን ካብ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ካብ ዘይተደለየ ጥንስን ትከላኸል:
- መትሎኻ ንውሽጢ ኣብ እተእትወሉ (ናይ ርሕሚ/ወይድማ ናይ መሃንቱስ ወሲብ) ስጋዊ-ርክብ ኮንዶም ተጠቐም። እቲ ናብ ውሽጢ ምእታው ንነዊሕ ደቛይቕ (ካብ ኣስታት 15 ደቛይቕ ዝነውሕ) ዝጸንሕ እንተኾይኑ እቲ ኮንዶም ብካልእ ቀይሮ። ኣብ ማይ-ዝተደረኸ መለሳለሲ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።
- ናይ ኣፍ ወሲብ (ምጥዋብ መትሎ) ክትገብር እንከለኻ እውን ኮንዶም ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ርሕሚ ክትልሕስ እንከለኻ፣ ነቲ ኮንዶም ቀዲድካ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕምቦ ኣንጽፎ ወይከኣ መከላኸሊ ስኒ ተጠቐም።
- ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ እንድሕር ጌርካ፣ ምስ ናይ ጥዕና ሞያዊ ተዘራረብሞ ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ኤችኣይቪን ምርመራ ግበር።
- ኣብ እዋን ስጋዊ-ርክብ ኣልኮልን ዕጸፋርስን ክትጥቀም እንከለኻ ጥንቃቐ ግበር። ስምዒትካ ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚኻ ይትሕት ከምኡድማ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ስግኣታት ናይ ምግንዛብ ክእለትካ ይንኪ።
ጽሬት ሰውነትካ ብግቡእ ሓሉ። ንኣብነት: ሰውነትካ ተሓጸብ፣ ጽሩይ ናይ ውሽጢ ክዳን ግበር፣ ኣስናንካ ኣጽሪ ወዘተ። ከምዚ ብምግባር ሰውነትካ ትከናኸን ከምኡድማ ነታ ነጋዲት ወሲብ ክብሪ ትህብ።
ማዕዳ ንነጋዶ ወሲብ
ከም ነጋዶ ወሲብ እዞም ዝስዕቡ እንተገበርክን ጽቡቕ እዩ:
- ክፍሊትክን ኣቐዲምክን ክትቅበላ;
- ንሕልናኽን እመና; ዘጠራጥሩ ዓማዊል ኣወግዳ;
- ደረታትክን ሓልዋ። ብዛዕባ እትደልዪዮን ዘይትደልዪዮን ነገራት ንዓሚልኪ ብግልጺ ንገርዮ። ዝኾነ ነገር ብዘይ ድሌትኪ ክትገብሪ ዘገድደኪ ኣካል የለን።
- ውሑስ ሃዋህው ፍጠሪ። ንኣብነት: ኣብ ሆቴል ስርሒ፣ ንኣዕሩኽትኺ ንገሪ፣ ስማትን ቁጽሪታት ተሌፎንን ጸሓፊ።
ገለ ዘይተመቸወኪ ነገር እንተሃልዩ እቲ ስጋዊ-ርክብ ኣብ ዝደለኽዮ ቅጽበት ከተቋርጽዮ መሰል ኣለኪ።
ናይ ወሲብ ነጋዲት እንተኾንኪሞ ሕቶታት እንተለዉኺ ወይከኣ ደገፍ እንድሕር ዘድልየኪ፣ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ፍሉያት ትካላት ከተዘራርቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ሽርሙጥናን ሕጊን
ሽርሙጥና ኣብ ከም ኔዘርላንድስ፣ ቤልጁምን ጀርመንን ዝኣመሰላ ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት ብሕጊ ፍቑድ እዩ። ኣብ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ሕጋዊ ኣይኮነን።
ኣስገዳድ ሽርሙጥናን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኤውሮጳ ብሕጊ ክልኩልእዩ።