ሽርሙጥና ማለት ወሲብ ሰልዲ ወይከኣ ካልእ ረብሓታት ምቕባል ማለት እዩ። ኣብ ሽርሙጥና ዝነጥፉ ሰባት ነጋዶ ወሲብ ወይከኣ ሸራሙጥ ይበሃሉ።

ነጋዲ ወሲብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣልግሎተን ንሰብኡት ዘቕርባ ኣንስቲ እየን። ሰብኡትን ድርብ-ጾታውያንን እውን ነጋዶ ወሲብ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፣ ዓማዊሎም ከኣ ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ክኾኑ ይኽእሉ።

ቅደሚ ስጋዊ-ርክብ ንሓድሕድካ ምዝርራብ

ስጋዊ-ርክብ ቅድሚ ምፍጻም፣ ነጋዶ ወሲብን ዓማዊልን እንታይ ዓይነት ወሲብ ከምዝደልዩን ዋግኡ ክንደይ ከምዝኾነን ክዘራረቡ ኣለዎም። ንኣብነት: ናይ ኣፍ ወሲብ ከምኡድማ/ወይድማ ሴጋ ከምኡድማ/ወይድማ መትሎኻ ምእታው ዝሓውስ ናይ ርሕሚ ወሲብ፣ ከምኡድማ/ወይድማ ናይ መሃንቱስ ወሲብ

ኩሎም ዓይነታት ወሲብ ምስታ ናይ ወሲብ ነጋዲት ዝርርብ ክግበረሎም ይኽእል፣ ይኹን እምበር/ኩሉ ነገር ሕራይ ናይ ምባል ግቡእ የብላን። እንታይ/ክትገብረልካ ከም እትኽእልን ከምዘይትኽእልን ከምኡድማ ክንደይ ከምእተኽፍለካ ክትነግረካ እያ። ክልቲኦም ማለት እታ ነጋዲት ወሲብን እቲ ዓሚልንነናይ ባዕሎም ደረትን ነናይ ሓድሕዶም ደረትን ከኽብሩ ኣለዎም።

ነጋዲት ወሲብን ዓሚልን ኣብ ኣፍደገ እንዳ ሸራሙጥ ይዘራረቡ

ውሑስ ወሲብን ጽሬት ሰውነትን

ውሑስ ወሲብ ምግባር ነታ ነጋዲት ወሲብን ነቲ ዓሚልን ጠቓሚ እዩ። ውሑስ ወሲብ ብምግባር፣ ንገዛእ-ርእስኻን ንኻልኦትን ካብ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ካብ ዘይተደለየ ጥንስን ትከላኸል:

ስጋዊ-ርክብ ክትገብር እንከለኻ ኮንዶም ተጠቐም።

ጽሬት ሰውነትካ ብግቡእ ሓሉ። ንኣብነት: ሰውነትካ ተሓጸብ፣ ጽሩይ ናይ ውሽጢ ክዳን ግበር፣ ኣስናንካ ኣጽሪ ወዘተ። ከምዚ ብምግባር ሰውነትካ ትከናኸን ከምኡድማ ነታ ነጋዲት ወሲብ ክብሪ ትህብ።

ማዕዳ ንነጋዶ ወሲብ

ከም ነጋዶ ወሲብ እዞም ዝስዕቡ እንተገበርክን ጽቡቕ እዩ:

  • ክፍሊትክን ኣቐዲምክን ክትቅበላ;
  • ንሕልናኽን እመና; ዘጠራጥሩ ዓማዊል ኣወግዳ;
  • ደረታትክን ሓልዋ። ብዛዕባ እትደልዪዮን ዘይትደልዪዮን ነገራት ንዓሚልኪ ብግልጺ ንገርዮ። ዝኾነ ነገር ብዘይ ድሌትኪ ክትገብሪ ዘገድደኪ ኣካል የለን።
  • ውሑስ ሃዋህው ፍጠሪ። ንኣብነት: ኣብ ሆቴል ስርሒ፣ ንኣዕሩኽትኺ ንገሪ፣ ስማትን ቁጽሪታት ተሌፎንን ጸሓፊ።

ገለ ዘይተመቸወኪ ነገር እንተሃልዩ እቲ ስጋዊ-ርክብ ኣብ ዝደለኽዮ ቅጽበት ከተቋርጽዮ መሰል ኣለኪ።

ናይ ወሲብ ነጋዲት እንተኾንኪሞ ሕቶታት እንተለዉኺ ወይከኣ ደገፍ እንድሕር ዘድልየኪ፣ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ፍሉያት ትካላት ከተዘራርቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ሽርሙጥናን ሕጊን

ሽርሙጥና ኣብ ከም ኔዘርላንድስ፣ ቤልጁምን ጀርመንን ዝኣመሰላ ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት ብሕጊ ፍቑድ እዩ። ኣብ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ሕጋዊ ኣይኮነን።

ኣስገዳድ ሽርሙጥናን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኤውሮጳ ብሕጊ ክልኩልእዩ።

Prostitutie betekent seks aanbieden in ruil voor geld of andere voordelen. Mensen die in de prostitutie werken, worden sekswerkers of prostituees genoemd.

Sekswerkers zijn vaak vrouwen die hun diensten aan mannen aanbieden. Mannen en transgenders kunnen echter ook sekswerkers zijn en hun klanten kunnen mannen of vrouwen zijn.

Praten met elkaar voor de seks

Voor de seks kunnen de sekswerker en de klant het best bespreken welke soorten seks ze zullen hebben en voor welke prijs. Bijvoorbeeld: orale seks en/of masturbatie en/of vaginale seks met penetratie en/of anale seks ...

Alle soorten seks kunnen worden besproken met de sekswerker, maar zij/hij hoeft niet alles te accepteren. Zij/hij zal zeggen wat al dan niet mogelijk is en voor welke prijs. De sekswerker en de klant moeten allebei hun grenzen beschermen en die van de ander respecteren.

Een sekswerker en een klant praten aan de ingang van een bordeel.

Veilige seks en hygiëne

Veilige seks is belangrijk bij seks met een sekswerker, en dit zowel voor de sekswerker als voor de klant. Met veilige seks beschermt u zichzelf en anderen tegen soa's en ongeplande zwangerschap:

Gebruik een condoom als u geslachtsgemeenschap heeft.

Zorg voor goede persoonlijke hygiëne. Bijvoorbeeld: douchen, schoon ondergoed dragen, tanden poetsen enz. Zo draagt u zorg voor uw eigen lichaam en toont u respect voor de sekswerker.

Tips voor sekswerkers

Voor een sekswerker is het ook belangrijk:

  • de klant vooraf te laten betalen;
  • uw intuïtie te volgen. Weiger verdachte klanten;
  • uw grenzen te beschermen. Laat de klant duidelijk weten wat u wel en niet wilt doen. Niemand mag u dwingen om iets tegen uw wil te doen;
  • een veilige omgeving te creëren. Werk bijvoorbeeld in een hotel, licht vrienden in, schrijf namen en telefoonnummers op ...

U heeft altijd het recht om het seksueel contact te stoppen wanneer u denkt dat iets niet oké is.

Als u een sekswerker bent en u vragen heeft of hulp nodig heeft, kunt u contact opnemen met de gespecialiseerde organisaties die hieronder worden vermeld.

Prostitutie en de wet

Prostitutie is onder bepaalde voorwaarden legaal in sommige Europese landen zoals Nederland, België en Duitsland. In andere Europese landen is het verboden.

Gedwongen prostitutie en mensenhandel zijn overal in Europa strafbaar.

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል

በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
ወልፊ
ናይ ኣልኮል፣ ዕጸፋርስ ወይከኣ ወሲብ ወልፊ እንድሕር ሃልዩካ፣ ናይ ወልፊ ሕክምና ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ሕክምና ወልፊ ኣብዚ ሓበሬታ፣ ደገፍን ኣድራሻታትን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
Jellinek - ንወልፊ
ናይ ኣልኮል፣ ዕጸፋርስ ወይከኣ ወሲብ ወልፊ እንድሕር ሃልዩካ፣ ናይ ወልፊ ሕክምና ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ሕክምና ወልፊ ኣብዚ ሓበሬታ፣ ደገፍን ኣድራሻታትን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ፖሊስ
ንህይወት ኣብ ዘስግእ ኩነታት ደገፍ ምሕታት
101
Veilig Thuis ("ውሑስ ኣብ ገዛ")
Veilig Thuis (ውሑስ ኣብ ገዛ) ኣብ ገለ ዝምድና ወይከኣ ቤተሰብ ንዘጋጥም መጥቃዕቲ ዝምልከት ናጻ ሓበሬታን ማዕዳን ይህብ።
Wij zijn proud
ሞያዊ ማሕበር ሸራሙጥ።
ብስጋዊ-ርክብ ብዝመሓላለፍ ረኽሲ ኤድስ ናይ ኔዘርላንድ(Soa Aids Nederland)
ብስጋዊ-ርክብ ብዝመሓላለፍ ረኽሲ ተጠቒዐ ኣለኹ ዝብል ጥርጣረ እንድሕር ኣለካ፣ ክትምርመር ኣለካ። ንኣገልግሎታት ምርመራን ክታበትን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ዝምልከቱ ኣድራሻታት።
ናይ ጸረ-ኣድልዎ ቢሮታት
ኣድልዎ ዝተፈጸመካ ኮይኑ እንድሕር ተሰሚዑካ፣ ናብ ቤት-ጽሕፈት ጸረ-ኣድልዎ ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ጥዕና በዓልሞያ ርኸብ