ወሲባዊን ናይ ምርባሕ መሰላትን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ክፋላት እዮም። ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕጊታትን ዓለምለኻዊ ውዕላትን ተጻሒፎም ዝርከቡ ክኾኑ እንከለዉ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም ፊርማአን ኣንቢረናሎም እዩ። ነዜራልንድስ እውን ፊርማኣ ኣንቢራትሎም እያ፣ ስለዚ ነዞም መሰላት እዚኦም ከተኽብር ኣለዋ።
ወሲባዊ መሰላት
ወሲባዊ መሰላትክኽበሩ እንከለዉ ፣ ሰባት ዘዕግብን ውሑስን ናይ ወሲብን ፍቕሪን ርክባትየስተማቕሩ።
እዚ ክኸውን እንከሎ እዞም ርክባት ካብ ኣስገዳድነት ወይከኣ መጥቃዕቲ ናጻ ዝኾኑን ብዘይ ናይ ረኽሲ ወይ ዘይተደልየ ጥንሲ ስግኣትዝግበሩን ይኾኑ።
ናይ ምርባሕ መሰላት
ናይ ምርባሕ ጥዕና ምስ ጥንሲ፣ ሕርሲ ከምኡድማ ቆልዓ ብዛዕባ ምውላድን መዓስ ክትወልድ ከምዘለካ ብዛዕባ ምውሳንን ዝተኣሳሰረ እዩ። ናይ ምርባሕ መሰላት እንድሕር ተኸቢሮም፣ ሰባት ብዛዕባ ምጥናስ ፣ ከምኡድማ ብዛዕባ ምጥቃም መከላኸሊ ጥንሲ፣ ወይድማ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ብናጽነት ይውስኑ።
እዞም መሰረታዊ ወሲባዊን ናይ ምርባሕን መሰላት እንታይ እዮም፧
ብህይወት ናይ ምንባር መሰል
ኣብ እዋን ጥንስን ሕርሲንካብቲ ህሉው ሕክምና እቲ ዝበለጸ ኣገልግሎት ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ኣለኪ። ናይ ክንክን ጥዕና ሞያውያን ናትኪን ናይ ናጽላኺን ጥዕናን ህይወትን ንምሕላው ዝኽእልዎ ኩሉ ክገብሩ እዮም። እትደልይዮ ዓይነት ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ኣለኪ።
ውልቃዊ ናጽነትን ድሕነትን ናይ ምርካብ መሰል።
ሰውነትካን ወሲባዊ ህይወትካን ናይ ምቁጽጻር መሰል ኣለካ። ወሲባዊነትካ ናይ ምስትምቓር መሰል ኣለካ ከምኡድማ ቆልዑ ንምውላድን ዘይምውላድን፣ መዓስ ክትወልድ ከምዘለካን ክንደይ ክትወልድ ከምዘለካን ናይ ምውሳን ናጽነት ኣለካ።
ብተወሳኺ ኣስገዳድነት፣ ወሲባዊ መዝማዚ ባህሪ ከምኡድማ ምዝመዛ ብሕጊ ክልኩላት እዮም ማለት እዩ።
ናይ ማዕርነት መሰል
ማዕረ ኣተኣላልያ ክትረክብን ብምኽንያት ዘርእኻ ወይከኣ ብሄራዊ መበቆልካ፣ ብምኽንያት ሃይማኖታዊ ወይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ፣ ናይ ጥዕና ኩነታትካ፣ ወሲባዊ ባህሪኻ፣ ሰበይቲ ወይ ሰብኣይ ብምዃንካ ወይከኣ ብኻልእ ምኽንያት ግዳይ ኣድልዎ ናይ ዘይምዃን መሰል ኣለካ። ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣነስትዮን ማዕረ መሰል ኣለዎም።
ናይ ስትረት መሰል
ብዛዕባ ወሲባዊነትካ ብዘይ ገለ ናይ ኣሉታዊ ምላሻትን መቕጻዕቲን ፍርሒ ብናጽነት ናይ ምውሳን መሰል ኣለካ። እዚ ማለት እቶም ኣብ ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ዝሰርሑ ሞያውያንን ስትረትካ ከኽብሩልካ ኣለዎም ማለት እዩ። ንሳቶም ሓበሬታኻ ብምስጢር ናይ ምሓዝ ሕጋዊ ግዴታ ኣለዎም። ብዘይ ፍቓድ እቲ ተመርማራይ፣ ውጽኢታት ናይ ኤችኣይቪ ምርመራ ንኻልኦት ሰባት ምንጋር/ክልኩል እዩ።
ናይ ሓሳብ ናጽነት መሰል
ብዛዕባ ወሲባዊነትን ወሲባዊ ጥዕናን ናይ ባዕልኻ ሓሳብ ናይ ምንጽብራቕ ከምኡድማ ብዛዕብኡ ናይ ምዝርራብ መሰል ኣለካ።
ናይ ሓበሬታን ናይ ትምህርቲን መሰል
ወሲባዊን ናይ ምርባሕን ጥዕናኻ ንምሕላው ዘድልየካ ኩሉ ሓበሬታን ትምህርቲን ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ንኣብነት: ሰውነትካ ከመይ ይሰርሕ ከምዘሎ፣ ንመከላኸሊ ጥንሲ፣ ብወሲብ ንዝመሓላለፉ ረኽስታት (ብስጋዊ-ርክብ ንዝመሓላለፉ ረኽስታት), ንመሰላትካ ዝምልከት ሓበሬታታት።
መርዓ ናይ ምግባርን ናይ ዘይምግባርን፣ ከምኡድማ ቤተሰብ ናይ ምጅምራን ምውጣንን መሰል
ዝኾነ ሰብ እዞም ውሳነታት ክትውስን ከገድደካ ወይከኣ ኣብ ክንዳኻ ክውስነልካ መሰል የብሉን።
ቆልዑት ናይ ምውላድን ዘይምውላድን መሰል
ከም መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና፣ IUD ወይከኣ ኮንዶም ዝኣመሰሉ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለኪ።
ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል
ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ሰብ ማለት ዋላ እቶም ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት፣ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።
ኣኼባ ናይ ምእካብን ኣብ ፖለቲካ ናይ ምስታፍን መሰል
ብዛዕባ ወሲባዊን ናይ ምርባሕን መሰላት ንምዝርራብ ምስ ካልኦት ሰባት ናይ ምእካብን እዞም መሰላት ይኽበሩ ምህላዎም ንምርግጋጽ ስጉምቲ ናይ ምውሳድን መሰል ኣለካ። ግንዛበ ክብ ንምባል ናይ ምስራሕ ወይከኣ ፖለቲከኛታት እዞም መሰላት ንምሕላው ውሳነታት ከሕልፉ ናይ ምሕታትን መሰል ኣለካ።
ካብ ስቅያትን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ናጻ ናይ ምዃን መሰል
ካብ ከም ወሲባዊ ውርደት፣indecent assault or rape, human trafficking, ምዝመዛ ህጻውንቲ ወይከኣ ምኽንሻብ ጓል-ኣነስተይቲዮ ዝኣመሰሉ ኩሎም ዓይነታት መጥቃዕቲ ናጻ ናይ ምዃን መሰል ኣለካ።
ንስኻ ብኤችኣይቪ ዝተትሓዝካሰብ እንተኾንካ፣ መንግስቲ ደች ሕክምና ናብ ዘይትረኽበሉ ሃገር ክሰደካ ኣይኽእልን።