ናይ ዘርኢ ፈሳሲ በዚ ዝስዕብ መንገዲ ይምንጩ።
- እቶም ፍርንጭታት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ የመንጭዉ ።
- እቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ይበስሉሞ ኣብቲ ኢፒዲሚዲስ ይኽዘኑ።
- ሓደ ሰብኣይ ከፍስስ እንከሎ፣ እቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ናብ ሻንቡቆታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ይድፍኡ።
- እቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ናብ ፕሮስቴት ከምኡድማ ናብ ሰሚናል ቨዘልስይግዕዙ። ፈሳሲ ናብቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ይውሰኽ። እቲ ፈሳሲን እቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢን ተደሚሮም ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ይፈጥሩ።
- እቲ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ብትቦ ሽንቲ ኣቢሉ ካብ መትሎ ይወጽእ።
መዓስ እዩ ወዲ-ተባዕታይ ንምውላድ ድሉው ዝኸውን፧
ወዲ-ተባዕታይ ጉብዝና ክጅምር እንከሎ እዩ ንመጀመርያ ግዜ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዘመንጩ። ብሓፈሻ፣ ወዲ-ተባዕታይ ካብ 12 ክሳዕ 15 ዓመት ኣብ ዘሎ ዕድመ ንምውላድ ድሉው ይኸውን። ሽዑ ቆልዑት ክወልድ ይኽእል። ዋላ ንመጀመርያ ግዜ ስጋዊ-ርክብ ክገብር እንከሎ።
ሰብኣይ ኣብ ሙሉእ ዕድመኡ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ እናመንጨወ ይነብር። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሙሉእ ዕድሜኡ ክወልድ ይኽእል እዩ።
መከላኸሊ ጥንሲ: ኣውጺእኻ ምፍሳስን ምምካትን
ጓል-ኣነስተይቲ ንምጥናስ ድልውቲ ኣብ እትኾነሉ እዋን ናይ ዘርኢ ፈሳሲብምጥራ ጌሩ ናብ ማህጸና እንተኣትዩጥራይ እያ ትጠንስ።
እቲ ሰብኣይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ቅድሚ ምፍናዉ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝሓዘ ቁሩብ ፈሳሲ ጸረር ከብል ይኽእል እዩ። መትሎ ቅድሚ ምንጻጉ ካብ ርሕሚ ምውጻእውሑስ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ኣይኮነን።
ዝተመከተ ሰብኣይ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ዘይብሉ ፈሳሲ የመንጩ። ስጋዊ-ርክብ በቲ ልሙድ ኣገባብ ከካይድ ይኽእል እዩ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል
በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።