ድሌት
መጀመርያ ድሌተ-ሩካቤ ይሓድረካ። ወሲብ ምግባር ቃሕ ይብለካ።
ወሲባዊ ውትራን
ሰውትካ ምስተረሳሰነ፣ ካብኡ ውትራን ይስመዐካ:
- እቲ መትሎ ይተርር፣ ይገዝፍን ጠጠው ይብልን: እዚ ውትራን (ሰብኣይ)እዩ;
- እታ ርሕሚ ትርሕስ (ሰበይቲ);
- ሸንፈፍ ርሕሚ ከምኡድማ ጭንቅራ ይሕምቡ (ሰበይቲ);
- እተን መቑለመት ይተራ;
- ህርመት ልቢ ይውስኽ።
ዝበለጸ እናተረሳሰንካ ክትከይድ እንከለኻ፣ ውትራን ሰውነትካ እናወሰኸ ይመጽእ።
ወሲባዊ ውትራን ኣብ ሰውነትካ ኣብ ዘጋጥም ነገራት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝስመዓካን እትሓስቦን ነገራት እውን ዝተደረኸ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊመጻምድትኻ ርህራሀ ክስመዓካ ከምኡድማ ብሓሳብካ ኣብ ወሲባዊ ሕልሚ ክትጥሕል ትኽእል።
ርውየተ-ወሲብ
ርውየተ ወሲብ ሰውነትካ ወሲባዊ ሓይሊ ክፍኑ እንከሎ ዝፍጠር ክስተት እዩ:
- እቶም ናይ ግድግዳ ጎሎ ጭዋዳታት ይጨባበጡ;
- ሰብኡት ኣብ ርውየተ-ወሲብ ክበጽሑ እንከለዉ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ይፍንዉ። መትሎ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ይነጽግ ወይከኣ ይዝርብብ።
- ገለ ደቂ-ኣነስትዮ ኣብ ደረጃ ርውየተ-ወሲብ ምስበጽሓ ካብ ፈሳሲ ወዲ-ተባዕታይ ዝውሕድ ቀጢን ብልዕታዊ ፈሳሲ ይፍንዋ።
ሰብኣይን ሰበይቲን ኩሉግዜ ኣብ ርውየተ-ወሲብ ዘይክበጽሑ ይኽእሉ እዮም።
ርግኣት
ድሕሪ ርውየተ-ወሲብ፣ እቲ ውትራን ቀስ ብቐስ እናዘሓለ ይመጽእሞ ሰውነትካ ይረግእ/ይዝሕል።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል
በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
በዓልሞያ ስነ-ወሲብ
ንወሲባዊ ጸገማት ዝምልከት ደገፍ ንምርካብ ናብ ናይ ወሲብ ሓኪም ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እዚ በቲ ስሩዕ ናይ ጥዕና መድሕን ፓኬጅ (basisverzekering) ኣይሽፈንን። ምናልባሽ ተወሳኺ መድሕን እንተሃልዩካ ክሽፈን ይኽእል።