ንፈለማ እዋን ዝግበር ወሲብ ንኹሎም ሰባት ዝተፈላለየ ስምዒት እዩ ዝፈጥር።
ንስኻን መጻምድትኻን ብሓባር እትደልዩዎ ነገር ትመርጹ። ስጋዊ-ርክብ ምግባር ኣየድልየኩምን። እንድሕር ድሉዋት ዘይኮንኩም ክትገብሩዎ የብልኩምን። ወሲብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትፍጽም ትኽእል ኢኻ:
ክትቀስኒ ፈትኒ። እኹል ግዜ ምውሳድ እውን ሓጋዚ ክኸውን ይእል እዩ።
ዋላሓደ ክርብሸኩም ዝኽእል ኣካል ዘይምህላዉ ኣረጋግጹ። ዝበለጸ ክትቀስኑ ኢኹም።
ክልቴኹም ኣብ እኹል ውትራን ከምዘለኹም ኣረጋግጹ። ንሓድሕድኩም ተረሳሰኑ፣ ንኣብነት ናይ ሓድሕድኩም ሰውነት ብምድርራዝ።
ብዛዕባ እትፈትዉዎምን ዘይትፎትውዎምን ነገራት ተዘራረቡ።
ቁሩብ ዘሕምም እንተኾይኑ
ንፈለማ እዋን ስጋዊ-ርክብ ክትገብሩ እንከለኹም ቁሩብ ከሕምመኩም ይኽእል እዩ። ነዚ ብዙሓት ምኽንያታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም:
- እታ ሰበይቲ እንድሕር ፈሪሓ ውትራና ክንኪ ይኽእል። ምጥራ ኣዝዩ ደረቕ ኮይኑ ይቕጽል ከምኡድማ ናይ ግድግዳ ጎሎ ጭዋዳታታ ይጨባበጥ። ስለዚ ምጥራ ኣዝዩ ይጸብብሞ መትሎ ንምእታው ከቢድ ወይከኣ ዘይከኣል ይኸውን። ክትቀስኒ ፈትኒ።
- እቲ ቆቢዕ መሸኒት ናይቲ ሰብኣይ ኣዝዩ ጸቢብ ክኸውን ይእል፣ ከም ውጽቱ ከኣ ኣብቲ ኣንፊ ሽሖ ጽቡቕ ሸተት ዘይክብል ይኽእል። እዚ ንምምሕያሽ እቲ ቆቢዕ መትሎ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣንፊ መትሎ እናጎተትካ ከተለማምዶ ኣለካ። እቲ ቃንዛ ክሓድገካ እንተዘይክኢሉ፣ ናብ ሓኪምክትከይድ ኣለካ። ዝተገረዘ ሰብኣይ ቆቢዕ መሸኒት የብሉን።
ርውየተ-ወሲብ
ክልቴኹም እንታይ ከምእትፈትዉን መዓስ ኣብ ርውየተ-ወሲብ ክትበጽሑ ከምእትኽእሉን ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ጥራይ ኢኹም ክትፈልጡ ትኽእሉ። ኩሉ ግዜ ኣብ ርውየተ-ወሲብ ክትበጽሒ ናይ ግድን ኣይኮነን። ንሓድሕድኩም ዝለጸ እናተፋለጥኩም ኪዱ ከምኡድማ ልምዲ እናኻዕበትኩም ምጹ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል
በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
Sense.info
ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሜኺ እንተኾንኪ፣ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፣ ወሲባዊነትን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ሕቶታት ን Sense ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ብኢሜይል፣ ብተሌፎን፣ ብኦንላይን ወግዒ ወይከኣ ንናይ Sense ናይ ማዕዳ ሰዓታት ቆጸራ ብምሓዝን ከምኡ ክትገብሪ ትኽእሊ።
Jouw GGD - ናይ ምምሕዳር ከተማኹም ህዝባዊ ጥዕና ኣገልግሎት
ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሜኻ እንተኾንካሞ ብዛዕባ ጥዕና፣ ወሲባዊነት፣ ሰውነትካ፣ ስምዒታትካ፣ ኣልኮል ወይ ዕጸፋርስ ሕቶታት እንተለዉኻ ሕቶኻ ብኢሜይል ወይከኣ ብኦንላይን ቻት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።