ደቂ-ኣነስትዮ ድሕሪ ፈላማይ ጽፍዮ-እንቋቑሖአን ቀዳማይ (ዑደትምስተርኣየን) ክጠንሳ ይኽእላ እየን። እዚ ማለት እታ ሰበይቲንጥንሲ ድልውቲ ስለዝኾነት ቅድሚ ፈላማይ ወርሓዊ ጽግያታክትጠንስ ትኽእል እያ ማለት እዩ።

ድሕሪ ፈላማይ ጽፍዮ እንቋቑሖኣ፣ እታ ሰበይቲኣብ ሕድሕድ ወርሒ ንኣስታት 6 መዓልቲ ጸጋይት እያ። ኣብተን ጸጋይት ዝኾነትለን መዓልቲታት ስጋዊ-ርክብ ዝገበረት ሰበይቲ ክትጠንስ ትኽእል እያ። ዋላ ኣብታ ንፈለማ እዋን ወሲብ ዝገበረትላ ሰዓት።

ሰብኣይ ድማ ካብታ ንጀመርያ ግዜ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዘፍሰሰላ ሰዓት ኣትሒዙ ጸጋዪ እዩ። ኣብ እዋን ጉብዝንኡ ንፈለማ እዋን ናይ ዘርኢ ፈሳሲ የመንጩ። ሰብኣይ ንሰበይቲ ከጥንሳ ይኽእል እዩ። ዋላ ኣብታ ንፈለማ እዋን ወሲብ ዝፈጸመላ መዓልቲ።

ቆልዑት ክትወልዱ እንተዘይደሊኹም መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐሙ

Een vrouw kan zwanger worden, nadat ze de eerste keer een eisprong heeft gehad (eerste cyclus). Ze is dus vruchtbaar en kan zwanger worden voor haar eerste menstruatie

Na de eerste eisprong is een vrouw ongeveer 6 dagen per maand vruchtbaar. Een vrouw die geslachtsgemeenschap heeft in haar vruchtbare dagen kan zwanger worden. Ook als ze voor het eerst seks heeft. 

Een man is vruchtbaar wanneer hij voor het eerst een zaadlozing heeft. Hij produceert sperma voor de eerste keer in zijn puberteit. Een man kan een vrouw zwanger maken. Ook als hij voor het eerst seks heeft.

Gebruik anticonceptie als u geen kinderwens heeft. 

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል

በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
በጽሒን ጥንስቲን
ጥንስቲ እንተኾንኪ ወይከኣ ሓራስ እንተኾንኪሞ ዕድሜኺ ከኣ ትሕቲ 23 ዓመት እንኾይኑ፣ ናብዚ ብምኻድ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ።
መሕረሲት
ጥንስቲ ምዃንኪ ምስፈለጥኪ ብቕልጡፍ ኣብ ከባቢኺ ናብ ዝርከብ/እትርከብ መሕረሲት ክትከዲ ኣለኪ። መሕረሲ/መሕረሲት ኣብ እዋን ጥንስኺ፣ ክትሓርሲ እንከለኺ ከምኡድማ ሕርስ ምሰበልኪ ኣብ ዘሎ ግዜ ደገፍን ማዕዳን ትህበኪ።
ናይ ማህጸን ሓኪም
ጥንስቲ እንኾንኪ’ሞ ሪፈር እንድሕር ተባሂልኪ፣ ናብ ናይ ማህጸን ሓኪም ትኸዲ። እታ መሕረሲት ወይከኣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና መወከሲ ወይ ሪፈራል ይህቡኺ።
Sense.info
ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሜኺ እንተኾንኪ፣ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፣ ወሲባዊነትን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ሕቶታት ን Sense ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ብኢሜይል፣ ብተሌፎን፣ ብኦንላይን ወግዒ ወይከኣ ንናይ Sense ናይ ማዕዳ ሰዓታት ቆጸራ ብምሓዝን ከምኡ ክትገብሪ ትኽእሊ።
Fiom
ናይ ዘይተሓሰበን ዘይተደለየን ጥንሲ ደገፍን ማዕዳን: ንናይ ኦንላይን ሓበሬታ፣ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ተወከስ ወይከኣ ናብ Fiom ደውል።
088 126 49 00
አተኣላልያ ምንጻል ጥንሲ - Fiom
ንኣተኣላልያ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሳዕቤናት ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ሓበሬታን ደገፍን። መዘኻኸሪ: እዚ መርበብ ሓበሬታ ብቛንቋ ደች ጥራይ እዩ ዝሰርሕ።
Siriz
መደብ ዘይተትሓዘሉ፣ ዘይተሓሰበሉን ዘይተደለየን ጥንሲ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ዘድሊ ደገፍን ምርጫታትን። ናይ Siriz ስራሕ ዘይተወልደ ፍጥረት ዑደት ዕቤቱ ክቕጽልን ክውለድን መሰል ኣለዎ ኣብ ዝብል እምነት ዝተደረኸ እዩ።
አተኣላልያ ምንጻል ጥንሲ - Siriz
ንኣተኣላልያ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሳዕቤናት ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ሓበሬታን ደገፍን። ናይ Siriz ስራሕ ዘይተወልደ ፍጥረት ዑደት ዕቤቱ ክቕጽልን ክውለድን መሰል ኣለዎ ኣብ ዝብል እምነት ዝተደረኸ እዩ።
ናይ ጥዕና በዓልሞያ ርኸብ