ምጣነ ስድራ

መከላኸሊ ጥንሲ ኣንስቲ ካብ ምጥናስ የድሕነን።

ንስኺን መጻምድቲኽን ቆልዑት ክትወልዱ የድልየኩምዶ፣ መዓስ ክትወልዱዎም ኣለኩምን ክንደይ ክትወልዱ ኣለኩምን ክትውስኑ ትኽእሉ። እዚ ምጣነ ስድራ ይበሃል። ስጋዊ-ርክብ እምበር ምውላድ ቆልዑት እንድሕር ዘይትደልዩ፣ መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም

መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ጓል-ኣነስተይቲ ናይ ጽግያትዓቕሚ ኣይንክይን። መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ዘቋረጸትሉ እዋን ክትጠንስ ትኽእል እያ።

ምክልኻል ኤችኣይቪን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን

ኮንዶም ከም መከላኸሊ ጥንሲን ኤችኣይቪን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትንክጠቅም ዝኽእል እንኮ ሜላ እዩ

ኮንዶም

እተፈላለዩ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ

እተፈላለዩ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ኣለዉ። ንዓኻን ንመጻምድትኻን ብሉጽ እትብሉዎ ሜላ ክትመርጹ ትኽእሉ። እቶም ሜላታት ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም፣ ንኣብነት:

  • ናይ ዋጋ ኣፈላላይ;
  • ተረካብነት;
  • ሜላ ኣጠቓቕማኦም።

መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ጥዕና ዘሕድሮ ጸገም የለን። መከላኸሊ ጥንሲ ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ምስ ናይ ገለ ሰባት መነባብሮ፣ ዕድመን ኣካላዊ ኩነታትን ካብ ካልኦት ዝበለጸ ይሳነዩ።

መከላኸሊ ጥንሲ ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምኩምሉ እዩ ጽቡቕ ዝሰርሕ። ስለዚ፣ ዝለጸ ምሳኹም ክሳነ ዝኽእል ሜላ ምምራጽ ኣድላዪ እዩ። ሓገ ሜላ እንድሕር ዘይስማዕመዐኩም ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።

ካብ ናይ ጥዕና ሞያዊ ማዕዳ ሕተቱ። ናይ ጥዕና ሞያውያን ናትኩም ሓበሬታ ንኻልእ ሰብ ኣሕሊፎም ክህቡ ኣይኽእሉን። ንሱ/ንሳ ስትረትካ ከኽብሩ ሕጋዊ ግቡእ ኣለዎም። ብተወሳኺ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ምስ መጻምድትኺ ክትዘራረቢ ትኽእሊ ኢኺ

ምዕዳግ መከላኸሊ ጥንሲ

ናይ ሰብኣይ ኮንዶምን ናይ ጓል-ኣነስተይቲ ኮንዶምን ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መድሓኒት፣ ካብ እንዳ ቐማሚ ወይከኣ ካብ ማእከል ዕዳጋ ክትዕድግ/ጊ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ። ብተወሳኺ ኮንዶም ካብ ኢንተርኔት እውን ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ንኣብነት https://www.condoomsenzo.nl/
ኣብ ኔዘርላንድስ፣ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ (morning after pill) እውን ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መድሓኒት ወይ ካብ እንዳ ቐማሚ ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። መብዛሕትኦም ካልኦት ዓይነታት መከላኸሊ ጥንሲ ብመሰረት ናይ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ጥዕና ትእዛዝ ኢኹም ካብካብ ቤት-መድሓኒት ወይ ካብ እንዳ ቐማሚ ክትዕድጉ እትኽእሉ።

Gezinsplanning

Anticonceptie kan ervoor zorgen dat een vrouw niet zwanger wordt.  

U en uw partner kunnen zelf bepalen of, wanneer en hoeveel kinderen jullie willen hebben. Dit heet gezinsplanning. Wanneer u geslachtsgemeenschap wil hebben maar (nog) geen kinderen wil, kunt u een zwangerschap vermijden met anticonceptie

Anticonceptie maakt een vrouw niet minder vruchtbaar. Wanneer ze stopt met anticonceptie te gebruiken, kan ze opnieuw kinderen krijgen. 

Bescherming tegen hiv en soa's

Het condoom is een anticonceptiemiddel dat u ook beschermt tegen hiv en het risico op besmetting met een soa vermindert. 

Condoom

Verschillende anticonceptiemiddelen

Er zijn verschillende anticonceptiemiddelen. U kunt kiezen welk anticonceptiemiddel het best is voor u en uw partner. De middelen verschillen in bijvoorbeeld veel in: 

  • prijs
  • beschikbaarheid; 
  • de manier waarop ze worden gebruikt.

Anticonceptie is niet slecht voor uw gezondheid. Sommige anticonceptiemiddelen passen beter bij iemands leefstijl, leeftijd en lichamelijke gezondheid dan andere.  

Anticonceptie werkt goed als u het correct gebruikt. Daarom is het belangrijk een anticonceptiemiddel te kiezen dat goed bij u past. Wanneer een middel toch niet geschikt blijkt voor u, kunt u een ander anticonceptiemiddel proberen.  

Vraag een zorgverlener advies. Hij/zij mag geen informatie over u aan anderen doorgeven. Hij/zij is bij wet verplicht uw privacy te respecteren. U kunt anticonceptie ook met uw partner bespreken.

Anticonceptie kopen

U kunt mannen- en vrouwencondooms zonder recept in de apotheek, drogist of supermarkt kopen. In Nederland kunt u ook de noodpil (morning after pil) zonder recept in de apotheek kopen. U kunt de meeste andere anticonceptiemiddelen in de apotheek kopen met een recept van een huisarts. 

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል

በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
ናይ ጥዕና በዓልሞያ ርኸብ