ምጣነ ስድራ
መከላኸሊ ጥንሲ ኣንስቲ ካብ ምጥናስ የድሕነን።
ንስኺን መጻምድቲኽን ቆልዑት ክትወልዱ የድልየኩምዶ፣ መዓስ ክትወልዱዎም ኣለኩምን ክንደይ ክትወልዱ ኣለኩምን ክትውስኑ ትኽእሉ። እዚ ምጣነ ስድራ ይበሃል። ስጋዊ-ርክብ እምበር ምውላድ ቆልዑት እንድሕር ዘይትደልዩ፣ መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።
መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ጓል-ኣነስተይቲ ናይ ጽግያትዓቕሚ ኣይንክይን። መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ዘቋረጸትሉ እዋን ክትጠንስ ትኽእል እያ።
ምክልኻል ኤችኣይቪን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን
እተፈላለዩ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ
እተፈላለዩ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ኣለዉ። ንዓኻን ንመጻምድትኻን ብሉጽ እትብሉዎ ሜላ ክትመርጹ ትኽእሉ። እቶም ሜላታት ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም፣ ንኣብነት:
- ናይ ዋጋ ኣፈላላይ;
- ተረካብነት;
- ሜላ ኣጠቓቕማኦም።
መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ጥዕና ዘሕድሮ ጸገም የለን። መከላኸሊ ጥንሲ ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ምስ ናይ ገለ ሰባት መነባብሮ፣ ዕድመን ኣካላዊ ኩነታትን ካብ ካልኦት ዝበለጸ ይሳነዩ።
መከላኸሊ ጥንሲ ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምኩምሉ እዩ ጽቡቕ ዝሰርሕ። ስለዚ፣ ዝለጸ ምሳኹም ክሳነ ዝኽእል ሜላ ምምራጽ ኣድላዪ እዩ። ሓገ ሜላ እንድሕር ዘይስማዕመዐኩም ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።
ካብ ናይ ጥዕና ሞያዊ ማዕዳ ሕተቱ። ናይ ጥዕና ሞያውያን ናትኩም ሓበሬታ ንኻልእ ሰብ ኣሕሊፎም ክህቡ ኣይኽእሉን። ንሱ/ንሳ ስትረትካ ከኽብሩ ሕጋዊ ግቡእ ኣለዎም። ብተወሳኺ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ምስ መጻምድትኺ ክትዘራረቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ምዕዳግ መከላኸሊ ጥንሲ
ናይ ሰብኣይ ኮንዶምን ናይ ጓል-ኣነስተይቲ ኮንዶምን ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መድሓኒት፣ ካብ እንዳ ቐማሚ ወይከኣ ካብ ማእከል ዕዳጋ ክትዕድግ/ጊ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ። ብተወሳኺ ኮንዶም ካብ ኢንተርኔት እውን ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ንኣብነት https://www.condoomsenzo.nl/።
ኣብ ኔዘርላንድስ፣ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ (morning after pill) እውን ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መድሓኒት ወይ ካብ እንዳ ቐማሚ ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። መብዛሕትኦም ካልኦት ዓይነታት መከላኸሊ ጥንሲ ብመሰረት ናይ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ጥዕና ትእዛዝ ኢኹም ካብካብ ቤት-መድሓኒት ወይ ካብ እንዳ ቐማሚ ክትዕድጉ እትኽእሉ።