ኩሎም ሰባት ዝተፈለየ ትጽቢታትን ትምንቲታትን ኣለዎም ከምኡድማ ሕድሕድርክባት ኣፈላላያት ኣለዎም። ይኹን እምበር ኣብ ሕድሕድ ርክብ ዘለዉ ኩሎም መጻምድቲ ስምዒታቶም፣ ትምኒታቶምን ሓሳባቶምን ክገልጹ ምኽኣሎም ኣገዳሲ እዩ። ዋላኳ ኣብ ርክባቶም ጸገማት እንተሃለዉ ወይከኣ ኣብ ናይ ወሲብ ህይወቶም ጸገማት እንተሃለዉ፣ ክዘራረቡ ክፍትኑ ኣለዎም።
ንሓድሕድኩም እንታይ ትዘራረቡ
ንመጻምድትኺ እንታይ ከምዝስመዓኪ ምርኣይ ንሓድሕድኩም ምዝርራብ ክትጅምሩ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ምስ መጻምድትኹም ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት:
ንሓድሕድኩም ከመይ ትዘራረቡ
ምስ መጻምድትኺ ብዛዕባ ወሲብ ወይከኣ ርክብ ክትዛረቢ እንተደሊኺ:
- ክትዛረቢ እኹል ግዜ እትረኽብሉ ግዜ ምረጺ;
- ንሓድሕድኩም ንዘይምንቕቓፍ ፈትኑ;
- ዘይምርድዳእ ንምውጋድ ንጹር ሓሳብ ኣቕርቢ (ኣብ ዝርዝር ጠመተ ግበሪ);
- ንመጻምድትኺ ክብሪ ሃቢ;
- ብዛዕባ ናይ ባዕልኺ ስምዒታትን ትምኒታትን ከምኡድማ ንነገራት ዘለኪ ኣረዳድኣታትን ተዛረቢ።
ብዛዕባ ሚስጢራዊ ነገራት ምስ መሻርኽቲኻ ምዝራብ ከቢድ እዩ። ምስ መጻምድትኺ ምዝራብ ዝኸብደኪ እንተኾይኑ፣ ንካልእ እትኣምንዮ ሰብ ኣማኽሪ ወይከኣ ሞያዊ ደገፍ ሕተቲ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል
በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
Korrelatie
ብዛዕባ ውልቃዊ ኣርእስቲታት ማለት ብዛዕባ ርክባት፣ ስምዒታትካ ወይከኣ ወሲባውነት ክትዛረብ እንተደሊኻ፣ መንነትካ ሓቢእኻ ናብ Korrelatie ክትድውል፣ ብኦንላይን ክትገልጽ ወይድማ መልእኽቲ ክትልእኽ ትኽእል ኢኻ።