ኮንዶም ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። ኮንዶም ረቂቕ ካብ ጎማ ዝተሰርሐ ካልሲ መትሎ እዩ። እቲ ሰብኣይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ክፍኑእንከሎ ነቲ ዘርኢ ተባዕታይ የዕቑሮ።
ኮንደማት ከከም ርጉደትን መትሎታት ብዝተፈላለየ ዓቐን ይዳለዉ። እቲ ኮንዶም ኣዝዩ ክሰጥም ወሐይከኣ ክልሕልሕ የብሉን።
ኣተኣታትዋ ኮንዶም
መትሎኻ ከየጥለቕካዮ ኮንዶም ግበረሉ። ከምዚ ዝስዕብ ግበር:
- ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ሕጂውን ከምዘይሓለፈ ኣረጋግጺ። ኣብ ሽፋኖም ናይ CE ጽፈት ዝተጠቀዐሎም ኮንደማት ጥራይ ተጠቐም።
- ነቲ ከረጢት በቲ ሕርሓር መሰረት ቀዲድኪ ክፈትዮ። ብመቐስ፣ ካራ ወይከኣ ስንኻ ኣይትኽፈቶ ከምኡድማ ብኣጽፋርካ ከይተንኩሎ ተጠንቀቕ። እቲ ኮንዶም ክቕደድ ይኽእል እዩ።
- መትሎኻ ዘይተኸንሸበ እንተኾይኑ ቆቢዕ መትሎኻ ንድሕሪት ክበሶ። ናይቲ ኮንዶም ጫፍ መትሓዚ ናይ ዘርኢ ፈሳሲኻ ዝኸውን ቦታ መታን ክህልዎ ጸቒጥካ ሓዞ’ሞ ካብኡ ናብ ርእሲ መትሎ ኣጸግዓዮ። እቲ መትሎ ክወትር ኣለዎ (ብጥንካረ ጠጠው ዝበለ)።
- እቲ ዝተጠቕለለ ጥርዚ ናይቲ ኮንዶም ብላዕሊ ከምዘሎ ኣረጋግጽ። ሽዑ እቲ ኮንዶም መታን ከይሸቱኽ እቲ ጥቕላል ናይቲ ኮንዶም ክሳዕ እግሪ መትሎኻ እናሸርሸርካ ኣእትዎ።
- ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ምስ ኣፍሰስካ እቲ ኮንዶም ካብ መትሎኻ ኣውጽኣዮ። መትሎኻ ብውቱሩ እናሃለወ ኢኻ ከምዚ ትገብር።
- ነቲ ኮንዶም በቲ ብኸፈፉ ሓዞ ከምኡድማ ናይ ዘርኢ ፈሳሲኻ ካብቲ ኮንዶም ከይልሑኽ ተጠንቀቕ።
- ነቲ ኮንዶም ኣብ ጥቓ ኣፉ ለቁሞ። እዚ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ከይልሑኽ ይከላኸል። እቲ ዝተጠቐምካሉ ኮንዶም ናብ መደርበዪ ጉሓፍ ሰንኬሎ ጓሓፎ።
እቲ ኮንዶም ሓደ ሻብ ጥራይ ተጠቐመሉ።
ብሓደ ግዜ 2 ኮንዶም ኣይትጠቐም። እቶም ኮንዶማት ክቕደዱ ይኽእሉ እዮም።
ነቲ ኮንዶም ኣብ ማይ-ዝተደረኹ መለሳለስቲጥራይ ተጠቐም።
ብግቡእ እንድሕር ዘይተጠቒምክሉ ኣድማዕነቱ ይንኪ
ምክልኻል ኤችኣይቪን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን
ኮንዶም ኤችኣይቪ ከምኡድማ ብርክብ ግብረ-ስጋ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ንምክልኻል እውን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል።
ናይ ሰብኦት ኮንዶምን ናይ ደቂ-ኣነስትዮ ኮንዶምን ነዚኦም ክከላኸሉልካ ዝኽእሎ እንኮ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ እዮም።
ሓበራዊ ሓላፊነት
ክልቲኦም መጻምድቲ ኮንዶም ናይ ምጥቃም ሓላፊነት ኣለዎም። ብዛዕባኡ ምስ መጻምድትኺ ተዘራረቢ።
ኮንዶም ምዕዳግ
ኮንዶም ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መድሓኒት፣ ካብ እንዳ ቐማሚ ወይከኣ ካብ ማእከል ዕዳጋ ክትዕድግ/ጊ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ። ኣብ ገለ እዋናት ከኣ ኣብ ባራትን ለይታዊ ትልሂታትን ወይ ኣብ መሸጢ ማሽን ክትረክብ ትኽእል። ኮንዶም ካብ ኢንተርኔት እውን ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም።
ናይ ኮንዶም ዋጋ ካብ 0,20 ክሳዕ 0,90 ዩሮ ይበጽሕ። ንኣብነት ፍሉይ መዓዛ ዘለዎም ፍሉያት ኮንዶማት፣ ዋጋኦም ክብር ዝበለ እዩ።
ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ካብቲ ማእከል ጥዕና ኮንዶም ብናጻ ክወስዱ ይኽእለ።
STI Aids Netherlands ብዛዕባ ኮንዶምን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ሓበሬታ ዝሓዘ በራሪ ወረቐት ብእተፈላለዩ ቋንቋታት ኣዳልዮ ኣሎ። እቲ በራሪ ወረቐት ካብ መርበብ ሓበሬታኦም ምውራድ/ዳውንሎድ ምግባር ይከኣል እዩ።