መንገዲታት ምክልኻል
- ኮንዶም ኤችኣይቪ ይከላኸል ከምኡድማ ብስጋዊ-ርክብ ንዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኻ የትሕቶ። ናይ ብልዕቲ ወይከኣ ናይ ማሃንቱስ ወሲብ ክትገብር እንከለኻ ኮንዶም ተጠቐም። ናይ ኣፍ ወሲብ ኣብ እትገብርሉ እዋን ደም ወይከኣ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ኣብ ኣፍኪ ከይፈስስ ተጠንቀቒ። ከይትውሕጥዮም። እዚ ዓይነት ወሲብ ኤችኣይቪ ናይ ምትሕልላፍ ስግኣተ-ሓደጋኡ ትሑት እዩ።
- ናይ ባዕልኺ መውግኢ ኣቕሓ ጥራይ ተጠቐሚ፣ ወይ ሓድሽ ተጠቐሚ።
- እተን ኣዴታት ኣብ እዋን ጥንሰን መድሓኒት ዝጥቀማ እንተኾይነን ልዕሊ 99% ካብ ኤችኣይቪ ዘለወን ኣዴታት ዝውለዱ ህጻናት ክብ ኤችኣይቪ ናጻ ኮይኖም ይውለዱ።
-
ገለ ሰባት ናይ ኤችኣይቪ መድሓኒት ብምውሳድ ናብ ካልኦት ሰባት ከይሓልፍ ይከላኸሉ። እዚ ሕክምና PrEP ይበሃል።
ኤችኣይቪ እንተሃልዩካሞ ሕክምና እንድሕር ዘይጌርካ፣ ዋላ ገና ምልክታት ሕማም ኣይሃልዉኻ፣ ብቐሊሉ ናብ ካልኦት ከተመሓላልፍ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት
ንኤችኣይቪ እንድሕር ተቓሊዕኪ፣ ‘PEP’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መድሓኒት ክትወስዲ ትኽእሊ። እቲ መድሓኒት ክንዲ ዝኸኣልካዮ ብቕልጡፍ ውሰዶ (ንስግኣተ-ሓደጋ ኤችኣይቪ ድሕሪ ምቅላዕኻ ዕለት ካብ 3 መዓልቲ ንላዕሊ ከይደንጎኻ)። ብቕልጡፍ እንድሕር ወሲድካዮ፣ ብኤችኣይቪ ናይ ዘይምልካፍ ዕድልካ ልዑል ይኸውን። ናይ ሓኪም ደገፍ ርኸብ።
ድሕሪ ሕጂ ናይ ረኽሲ ስግኣተ-ሓደጋ ኣኽቲሙ ኣሎ
ናይ ኤችኣይቪ ኣፋውስኪ መዓልታዊ ብግቡእ እንድሕር ትወስዲ ኴንኪ፣ ኣብ ደምኪ ዝርከብ በዝሒ ቫይረስ (ጻዕቂ ቫይረስ) ይንኪ። ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ፣ እቲ ቫይረስ ሕጂውን ኣብ ሰውነትካ ዋላኳ እንተሃለወ ኣሰሩ ክርከብ ኣይኽእልን። ሽዑ ንስኻ ናብ ካልእ ሰብ ኤችኣይቪ እተመሓላልፈሉ ስግኣተ-ሓደጋ ዳርጋ ሙሉእብሙሉእ የኽትም።
እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እንድሕር ከተማልኢ ክኢልኪ ኤችኣይቪ ምስ ዘይብሉ ቀዋሚ መጻምድቲኺ ብዘይ ኮንዶም ወሲብ (ቀዋሚ ዝምድና) ክትፍጽሚ ትኽእሊ ኢኺ፥
- ናይ ኤችኣይቪ ኣፋውስ መዓልታዊ ብግቡእ ትወስድ እንተኾንካ፣ ከምኡድማ
- ኣብተን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ ኣብ ደምካ ዘሎ መጠን ኤችኣይቪ ኣሰሩ ክርከብ ዘይኽእል እንተኾይኑ፣ ከምኡድማ
- ጻዕቂ ቫይረስካ ካብ ዝምርመር 6 ወርሒ ዘይገበርካ እንተኾንካ;
- ካልእ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንድሕር ዘይብልካ ከምኡድማ እቲ ኣብ ኣፍካ፣ ማሃንቱስካ፣ መትሎ ፣ ወይከኣ ርሕሚ ዝርከብ ዕንጓር መሰል ፈሳሲ እንድሕር ዘይተበላሽዩ።
ምስ መጻምድትኻ ብዘይኮንዶም ወሲብ ክትገብር እንተደሊኻ ሓኪም ኣማኽር።
ናይ ቅድመ-ምክልኻል ሕክምና ብኣፋውስ ኤችኣይቪ: PrEP
PrEP ናይ ኤችኣይቪ መልከፍቲ ዝከላኸል ናይ ኤችኣይቪ መድሓኒት እዮ። PrEP ንኮንዶም ክትክእ ኣይኽእልን፣ ምኽንያቱ PrEP ከኒና (Truvada) ኤችኣይቪ እምበር ካልኦት ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክከላኸል ኣይኽእልን። እዚ ብኤችኣይቪ ናይ ምልካፍ ስግኣተ-ሓደጋኦም ልዕሉ ንዝኾነ ሰባት ከም ተወሳኺ መከላኸሊ ተጌሩ ዝውሰድ እዩ።
PrEP ክትጥቀም እንከለኻ፣ 1 ከኒና ኣብ መዓልታዊ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ክትወስድ ኣለካ። ምስ ሰብኣይ ወሲብ ዝገብር ሰብኣይ PrEP ቅድሚን ድሕረን ወሲብ ጥራይ ክወስድ ክመርጽ ይኽእል እዩ:
• 2 ከኒናታት ካብ 2 ክሳዕ 24 ሰዓት ቅድሚ ናይ ማሃንቱስ ወሲብ ከምኡድማ
• 1 ከኒና እቶም ቀዳሞት ከኒናታት ምስወሰድኪ ድሕሪ 24 ሰዓታት፣ ከምኡድማ 1 ከኒና ድሕሪ 24 ሰዓታት።
PrEP ቅድሚ ምውሳድካ፣ ኤችኣይቪ ከምዘይብልካ ከተረጋግጽ ኣለካ። ናብ GGD ወይ ናብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እናኸድካ በቢ 3 ኣዋርሕ ክትምርመር ኣለካ።
PrEP ምዕዳግ
PrEP ብናይ ሓኪም ትእዛዝ ኣብቤት-መድሓኒት ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ። ብናይ ጥዕና መድሕንካ ዝሽን ኣይኮነን PrEP ድማ ክባር እዩ።
ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት
ንኤችኣይቪ እንድሕር ተቓሊዕኪ፣ ‘PEP’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መድሓኒት ክትወስዲ ትኽእሊ። እቲ መድሓኒት ክንዲ ዝኸኣልካዮ ብቕልጡፍ ውሰዶ (ንስግኣተ-ሓደጋ ኤችኣይቪ ድሕሪ ምቅላዕኻ ዕለት ካብ 3 መዓልቲ ንላዕሊ ከይደንጎኻ)። ብቕልጡፍ እንድሕር ወሲድካዮ፣ ብኤችኣይቪ ናይ ዘይምልካፍ ዕድልካ ልዑል እናኾነ ይመጽእ። ሓገዝ ንምርካብ ን GGD ወይከኣ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ኣዘራርቢ ።
ናይ ረኽሲ ስግኣተ-ሓደጋ ኣኽቲሙ ኣሎ
ናይ ኤችኣይቪ ኣፋውስኪ መዓልታዊ ብግቡእ እንድሕር ትወስዲ ኴንኪ፣ ኣብ ደምኪ ዝርከብ በዝሒ ቫይረስ (ጻዕቂ ቫይረስ) ይንኪ። ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ፣ እቲ ቫይረስ ሕጂውን ኣብ ሰውነትካ ዋላኳ እንተሃለወ ኣሰሩ ክርከብ ኣይኽእልን። ሽዕኡ ኤችኣይቪ ናብ ካልእ ሰብ ከተሕልፍ ኣይትኽእልን።
እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እንድሕር ከተማልኢ ክኢልኪ፣ ኤችኣይቪ ምስ ዘይብሉ ቀዋሚ መጻምድቲኺ ብዘይ ኮንዶም (ቀዋሚ ዝምድና) ርክብ ወሲብ ክትፍጽሚ ትኽእሊ ኢኺ፥
· ብግቡእ ናይ ኤችኣይቪ ኣፋውስኪ መዓልታዊ እንድሕር ትወስዲ ኮንኪ፣ ከምኡድማ
· ኣብተን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ ኣብ ደምካ ዘሎ መጠን ኤችኣይቪ ኣሰሩ ክርከብ ዘይኽእል እንተኾይኑ፣ ከምኡድማ
· ጻዕቂ ቫይረስካ ካብ ዝምርመር 6 ወርሒ ዘይገበርካ እንተኾንካ;
· ካልእ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንድሕር ዘይብልካ ከምኡድማ እቲ ኣብ ኣፍካ፣ ማሃንቱስካ፣ መትሎ ፣ ወይከኣ ርሕሚ ዝርከብ ዕንጓር መሰል ፈሳሲ እንድሕር ዘይተበላሽዩ።
ምስ መጻምድትኻ ብዘይኮንዶም ወሲብ ክትገብር እንተደሊኻ ሓኪም ኣማኽር።