ንዓኺን ንደረጃ ህይወትኪን ዝበለጸ ዝሰማመዓኪ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ትመርጺ። እትጥቀምዮ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ከይዲ መዋእልኪ ክቀያየር ይኽእል እዩ። ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትመርጺ እንከለኺ እንታይ ዓይነታት ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ከምዘለዉ ነንገዛእ-ርእስኺ እንታይ ዓይነት ሕቶታት ክትሓቲ ከምዘለኪን ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። እቲ ምርጫ ናትኪ እዩ። ሓኪምኪ እውን ከማርጸኪ ይኽእል እዩ።
እቲ ዝበለጸ ምሳኺ ዝሳነይ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ንምምራጽ፣ ንገዛእ-ርእስኺ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ሕተቲ:
- ዕድመይ ክንደይ እዩ፧
መንእሰያት ኣዋልድ ኣዝየን ጸገይቲ እየን። ኣድማዒ ሜላ ምምራጽ ኣገዳሲ እዩ። - ረሳዒት ድየ፧
ስሩዕ መደብ ሰዓት ዘለዎ ስራሕ ኣለኒ ድዩ፧
ሃርኮትኮት ዝበዝሖ ናብራ ድየ ዝመርሕ ዘለኹ፧
ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ እንከለኺ ብተደጋጋሚ ምዝካር የድልየኪ። - መጻምድቲ ቀቀልጢፈ ይቐያይር ድየ፧
መጻምድቲ ቀቀልጢፍኪ ትቐያይሪ እንተኾንኪ ንብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኺ ይውስኽ። ኽገዛእ-ርእስኺ ካብ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ተኸላኸሊ። - ሓለሓሊፈ ድየ ስጋዊ-ርክብ ዝፍጽም፧
You use a ኮንዶም, ናይ ደቂ-ኣነስትዮ ኮንዶም or diaphragm only at the moment you want to have ስጋዊ-ርክብ. ብተወሳኺ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና (morning after pill) ኣብ ገዛኺ ምቕማጥኪ ኣረጋግጺ። - የትክኽ ድየ፧ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ኣለኒ፧
ሆርሞናት ዝሓዙ ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲሽጋራ እናትከኽኪ ወይከኣ ልዕሊ ዓቐን ክብደት እናሃለወኪ ክጥቀምሎም እንከለኺ ኣብ ጥዕናኺ ጸገም ናይ ምፍጣር ዕድሎም ክብ ይብል። - ገንዘባዊ ኩነታተይ ኣጸጋሚ ድዩ፧
ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ካልኦት ብዝሓሰረ ዋጋ ይዕደጉ። - ሃይማኖተይ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ዝብሎ ገለ ነገር ኣሎዶ፣ እሞኸ እዚ ንዓይ ኣገዳሲ ድዩ፧
- ብዛዕባ ዝጥቀሞ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ንመጻምድተይ ወይ ቤተ-ሰበይ ከፍልጥዶ ይደሊ፧
ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብዓይኒ ኣይረኣዩን። - ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜታተይ (መድመይቲ) ክቕጽሉ ይደሊ ድየ፧ ስሩዕ ዑደት ክህልወኒዶ ክፎቱ ይኽእል፧
ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ዑደትኪ ስሩዕ ክኸውን ይሕግዙ። ካልኦት ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኣ፣ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜኺ ከዛብዑልኪ ቀጽብቐስ ከኣ ከቋርጹ ይኽእሉ። - እቲ ሓኪም መከላኸሊ ጥንሲ መድሓኒተይ ወይከኣ መሳርሒዬ ክወግኣኒ ወይ ክስኮዓለይ እንከሎ ስኽፍ ይብለኒ ድዩ፧
ኣብ ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ሓኪም ደገፍ የድልየኪ፣ ኣብ ገሌኦም ድማ ኣየድልየክን።
ካብ ናይ ጥዕና ሞያዊ ማዕዳ ሕተቱ። ብተወሳኺ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ምስ መጻምድትኺ ተዛተዪ። ኣብ መከላኸሊ ጥንሲ ክልቲኦም መጻምድቲ ሓላፊነት ኣለዎም። ብሓባር ናብ ናይ ጥዕና ሞያዊ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።
ገለ ሜላ ንዓኺ እንተዘይሰሪሑልኪ፣ ክልእ ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ። ንኣብነት: ሰውነትኪ ጽቡቕ ይስመዓኪ እንተዘይሃልዩ፣ ጎድናዊ ሳዕቤናት እንተሃልዮምዎ፣ መጻምድትኺ እንድሕር ዘይተስማዕሚዑሉ፣ ወይከኣ ኣዝዩ ክባር እንተኾይኑ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል
በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
Sense.info
ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሜኺ እንተኾንኪ፣ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፣ ወሲባዊነትን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ሕቶታት ን Sense ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ብኢሜይል፣ ብተሌፎን፣ ብኦንላይን ወግዒ ወይከኣ ንናይ Sense ናይ ማዕዳ ሰዓታት ቆጸራ ብምሓዝን ከምኡ ክትገብሪ ትኽእሊ።
መሕረሲት
ጥንስቲ ምዃንኪ ምስፈለጥኪ ብቕልጡፍ ኣብ ከባቢኺ ናብ ዝርከብ/እትርከብ መሕረሲት ክትከዲ ኣለኪ። መሕረሲ/መሕረሲት ኣብ እዋን ጥንስኺ፣ ክትሓርሲ እንከለኺ ከምኡድማ ሕርስ ምሰበልኪ ኣብ ዘሎ ግዜ ደገፍን ማዕዳን ትህበኪ።
ናይ ማህጸን ሓኪም
ጥንስቲ እንኾንኪ’ሞ ሪፈር እንድሕር ተባሂልኪ፣ ናብ ናይ ማህጸን ሓኪም ትኸዲ። እታ መሕረሲት ወይከኣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና መወከሲ ወይ ሪፈራል ይህቡኺ።