ጥቕሚ ኮንዶም
ብመብዛሕትኦም ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናይ ምልካፍ ስግኣተ-ሓደጋኺ ክትንክዪ ትኽእሊ:
- ኣብ እዋን ናይ ርሕሚ ወሲብ ወይድማ ናይ ማሃንቱስ ወሲብኮንዶም ተጠቐም።
- ናይ ወሲብ ባምቡላታት ብሓባር ትጥቀሙ እንተኾንኩም ኮንዶም ክትጥቀሙ ኣለኩም። ንኣብነት: ዲልዶ፣ ቫይብሬተር።
- ናይ ኣፍ ወሲብ ኣብ እትገብርሉ እዋን ደም ወይከኣ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ናብ ኣፍኪ ኣይተእትዊ። እዚ ብኤችኣይቪ ናይ ምትሓዝ ስግኣተ-ሓደጋ ኣዝዩ ከምዝንኪ ይገብር። ኮንዶም ወይከኣ መከላኸሊ ስኒ ክትጥቀሚ እንከለኺ ንብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኺ እውን ይንኪ።
ንገዛእ-ርእስኻን ንመጻምድትኻን ካብ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ካብ ኤችኣይቪን ንምክልኻል ኮንዶም ተጠቐም። ኮንዶም ክትጥቀሚ እንድሕር ዘይደሊኺ፣ ብዛዕባ ምርመራ ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝሓላለፉ ረኽሲታት ከምኡድማ ብዛዕባ ምርመራ ኤችኣይቪ ምስ ናይ ጥዕና ክኢላ ተዘራረቢ።
ብተወሳኺ ንስኻን መጻምድትኻን (ጽኑዕ ርክብ እንተሃልዮኩም እሞ) ከልቴኹም ብስጋዊ-ርክብ ናይ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ምርመራ ጌርኩም ናጻ እንተተባሂልኩም፣ ድሕሪኡ ክልቴኹም ምስ ካልኦት ሰባት ስጋዊ-ርክብ እንተዘይፈጺምኩም፣ ብስጋዊ-ርክብ ንዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክትቃልዑ ኣይትኽእሉን። ንስኻ ወይ መጻምድትኻ ምስ ካልኦት ሰባት ስጋዊ-ርክብ ክትገብሩ እንከለኹም ኩሉግዜ ኮንዶም ተጠቐሙ።
ኮንዶም ዘይተደልየ ጥንሲ እውን ይከላኸል እዩ። ብተወሳኺ ካልኦት ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ እውን ኣለዉ።
ካልኦት ሜላታት መከላኸሊ
- ናይ ባዕልኺ መውግኢ ኣቕሓ ጥራይ ተጠቐሚ፣ ወይ ሓድሽ ተጠቐሚ።
- ጥንስቲ እንተኾንኪሞ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንድሕር ሃልዩኪ፣ ካብ በዓል ሓፈሻዊ ሕክምና ወይከኣ ካብ መሕረሲት ማዕዳ ሕተቲ።
- ናይ ባዕልኺ ናይ ስኒ ቡርሽ (ሄፓቲቲስ B)፣ ሽጎማነ ከምኡድማ ናይ ዓራት ኣንሶላ (ሽሕር ከምኡድማ ቁማል) ተጠቐሚ።
- ናይ ሄፓታይቲስ B ክታበት ውሰዲ። ኣብ ከባቢኺ ናብ ዝርከብ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) ኪድ።
ንመጻምድትኻን ንናይ ጥዕና ሞያዊን ምዝራብ
ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላፍ ረኽሲ እንድሕር ሃልዩካ ናብ ካልኦት ሰባት ከተሕልፍ ትሕእል ኢኻ። ንመጻምድቲኻ ንገር ሽዑ ክልቴኹም ናብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይከኣ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) ኪዱ። ንመጻምድትኺ መጠንቀቕታ ብምሃብ ንገዛእ-ርእስኺ እውን ኢኺ ትከላኸሊ። እቲ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንድሕር ሓውዩ እሞ መጻምድትኹም ከይተሓከመ መሊስኩም ወሲብ እንተፈጺምኩም፣ እቲ መጻምድትኹም መሊሱ ከሕልፈልኹም ይኽእል እዩ።
ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ኣብ እትሕከሙሉ እዋን ወሲብ ኣይትግበሩ ወይከኣ ናብ መጻምድትኹ ናይ ምትሕልላፍ ስግኣተ-ሓደጋ ንምንካይ ኮንዶም ተጠቐሙ። ነቲ ናይ ሕጂ መጻምድትኺ ጥራይ ዘይኮነስ ንናይ ቀደም መጻምድትኺን ምሳኺ ወሲባዊ ምትንኻፍ ዝነበሮም ሰባትን እውን ኣጠንቅቕዮም። ንሳቶም እውን እቲ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ክሕዞምን ከይፈለጡ ናብ መጻምድቶም (መጻምድቲታቶም) ከሕልፉን ይኽእሉ እዮም። ንናይ ወሲብ መጻምድቲታትኪ መጠንቀቕታ ብምሃብ፣ እቶም ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ዝበለጸ ከይስፋሕፍሑ ትከላኸሊ።
ክንደይ ዝኣክል ግዜ ንድሕሪት ተመሊስኪ ንናይ ወሲብ መጻምድቲታትኪ ከተጠንቅቒ ከምዘለኪ ንሓኪምኪ ወይ ንነርስኪ ኣማኽሪ። ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከምዘለኪ ነቶም ናይ ቀደም ወሲባዊ መጻምድቲታትኪ እንተደሊኺ መንነትኪ ሓቢእኪ ማለት ስምኪ ከይገለጽኪ (ብመርበብ ሓበሬታ) እውን ክትነግርዮም ትኽእሊ ኢኺ።