ህጹጽ ምላሽ ዝጠልብ ኩነታት

ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ እንተጌርኪ፣ ንዘይሓሰብክዮ ጥንሲ ናይምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋ ይህልወኪ።
ኣብቲ ናይ ጽግያት ግዜኺ ስጋዊ-ርክብ እንተጌርኪሞ መከላኸሊ ጥንሲ እንድሕር ዘይተጠቒምኪ፣ ወይከኣ እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ገለ ጸገም እንተጋጢሙዎ ናይ ምጥናስ ስግኣተ-ሓደጋ ይህልወኪ።

እንታይ ክትገብሪ ኣለኪ፧

ክትጠንሲ እንድሕር ደሊኺ: ዋላሓንቲ ኣይትግበሪ።

ክትጠንሲ እንተዘይደሊኺ ድማ፣ 2 ምርጫታት ኣለዉኺ:

  1. እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ውሰዲ።
  2. ናብ ሓኪም ኬድኪ ነሓስ IUD ግበሪ

እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና

ከከም ዝመረጽክዮ ዓይነት፣ እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና 1 ወይ 2 ከኒናታት ዝሓዘ እዩ። እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና “morning-after pill” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።

እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ድሕሪ ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ ዘጋጥም ናይ ምጥናስ ስግኣተ-ሓደጋ ይንኪ። እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ጽፍዮ-እንቋቑሖ የቋርጽ ወይከኣ የደንጒ። ኣቐዲምኪ ኣብ ጽፍዮ-እንቋቑሖ በጺሕኪ እንተጸኒሕኪ ግን ክትጠንሲ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ድሕሪ ወሲብ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ውሰድዮ። ብቕልጡፍ እንድሕር ወሲድክዮ፣ ናይ ዘይምጥናስ ዕድልኪ ክብ ዝበለ ይኸውን።

2 ዓይነት ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣለዉ:

  • ክሳዕ 3 መዓልቲ ድሕሪ ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ ክውሰድ ዝኽእል ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና። እተፈላለዩ ብራንድታት ኣለዉ። እቲ ከኒና ብዘተኻእ መጠን ብቕልጡፍ ውሰድዮ። ድሕሪ ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት እንተዝውሰድ ይምረጽ።
  • እቲ EllaOne ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና። እዚ ከኒና ድሕሪ ወሲብ ክሳዕ 5 መዓልቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ክትወስድዮ ይከኣል።
እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና

እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ምንጻል ጥንሲ ማለት ኣይኮነን። እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ጽፍዮ-እንቋቑሖ የቋርጽ ወይከኣ የደንጒ። ምንጻል ጥንሲ ከኣ ብጭቡጥ ዝተፈጥረ ጥንሲ እዩ ዘበርዕን።

እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ካብ እንዳ ቀማሚ ክውሰድ ይከኣል እዩ።

መከላኸሊ ጥንሲ

ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ድሕሪ ምውሳድኪ ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ እንተጌርኪ፣ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ። ክሳዕ ቀጻሊ ወርሓዊ ጽግያትኪ ኮንዶም ተጠቐሚ። ብተወሳኺ ካልእ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ እንተጀሚርኪ እውን ኮንዶም ክትጥቀሚ ኣለኪ።

EllaOne ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ድሕሪ ምውሳድኪ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናርሕማዊ ዓንኬል ወይከኣ ናብ ቆርበት ዝጠብቕ መከላኸሊ ጥንሲ ቅድሚ ምውሳድኪ 5 መዓልቲ ተጸበዪ። EllaOne ምስዞም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ እንድሕር ተወሲዱ ብግቡእ ኣይሰርሕን።

እዚ ማለት እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ካልኦት ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ዝተሓተ ኣድማዒነት እዮ ዘለዎ ማለት እዩ። ብተደጋጋሚ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ክትወስዲ እንተደሊኺ፣ ንዓኺ ዝበለጸ ዝስማዕመዐኪ ካልእ መከላኸሊ ጥንሲ ከይህሉ ፈትሺ

ነሓስ IUD

ብተወሳኺ ብዛዕባ ነሓስ IUD ንምዝርራብ ናብ ሓኪምኪ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ነሓስ IUD ተኸላ ጽጉይ ዋህዮ እንቋቑሖ ይከላኸል። እዚ ኣብ ህጹጽ ኩነታት እውን ዝሰርሕ ስሩዕ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። እዚ እንድሕር ተጠቒምኪ፣ እንተወሓደ ን 5 ዓመታት ካብ ጥንሲ ናጻ ትኾኒ።

ነሓስ IUD

ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከምዘለኪን ከምዘይብልኪን ምፍላጥ

ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ እንተጌርኪ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ናይ ምትሓዝ ስግኣተ-ሓደጋ ይህልወኪ። ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት መብዛሕትኡ ግዜ ንጹር ምልክታት የብሎምን። ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ሒዙኒ ዝብል ጥርጣረ እንድሕር ኣለኪ ምርመራ ግበሪ።

ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ምዕዳግ

እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣስታት € 10 - € 20 ይውድእ። እቲ EllaOne ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ዋግኡ € 25 ይውድእ። ኣብ ኔዘርላንድስ፣ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መድሓኒት ወይከኣ ካብ እንዳ ቐማሚ ክትዕድጊ ትኽእሊ።

እቲ ሓኪም ነሓስ IUD ንኽገብረልኪ ኣስታት ካብ€ 47 ክሳዕ € 120 የኽፍለኪ። ከከም ብራንዱ፣ ሓድሽ ነሓስ IUD ንምግባር ድሕሪ 5 ክሳዕ 10 ዓመት ናብ ሓኪም ክትምለሲ ኣለኪ።

ዋግኡ ክንደይ እዩ፧

ዕድሜኺ 21 ዓመት ክሳዕ ትገብሪ፣ መብዛሕትኦም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብናይ ጥዕና መድሕንኪ ዝሽፈኑ እዮም። ይኹን እምበር፣ መጀመርያ ካብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ፖሊሲኺ ክኸፍለልኪ ዝኽእል መጠን ንላዕሊ (eigen risico) ዝኾነ ወይ ሕልፊ ክፍሊት መጀመርያ ክትከፍልዮ ኣለኪ። ክንደይ ዝኣክል ሽፋን ከምእትረኽቢ ንምፍላጥ ናብ ናይ ጥዕና መድሕን ኣቕራቢኺ ብምኻድ ኣረጋግጺ። ካብ 21 ዓመት ዕድመ ንዳሓር፣ ተወሳኺ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ መድሕን እንድሕር ሃልዩኪ ጥራይ እዩ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ሽፋን ክትረኽቢ ትኽእሊ።

ናይ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ክፍሊት ኣይምለሱን እዮም።

Noodsituatie

Bij onbeschermde seks loopt u het risico zwanger te worden wanneer u dit niet heeft gepland. 
U loopt een risico wanneer u geslachtsgemeenschap heeft gehad tijdens uw vruchtbare dagen en u geen anticonceptie heeft gebruikt of er is iets misgegaan met de anticonceptie. 

Wat doen?

Als u graag zwanger wil worden, hoeft u niets te doen. 

Als u liever niet zwanger wil worden heeft u 2 opties:

  1. De noodpil nemen.
  2. Een koperspiraal laten plaatsen door een dokter.

Noodpil

Afhankelijk van het merk dat u kiest, bestaat de noodpil uit 1 of 2 pilletjes. De noodpil wordt ook de morning-afterpil genoemd. 

De noodpil verkleint het risico op een zwangerschap na onbeschermde seks. De noodpil verstoort de eisprong of stelt ze uit. U kunt toch zwanger worden als u al een eisprong heeft gehad. Neem de noodpil zo snel mogelijk na de seks. Hoe sneller u de pil neemt, hoe kleiner de kans dat u zwanger wordt.

Er zijn 2 soorten noodpil: 

  • De noodpil die u tot 3 dagen na de onbeschermde seks kunt slikken. Er bestaan verschillende merken.
    Slik de pil zo snel mogelijk. Het liefst binnen 24 uur na de onbeschermde seks. 
  • De Ella One noodpil. U kunt deze pil tot 5 dagen na de seks slikken.
Noodpil

De noodpil is geen abortus. De noodpil verstoort de eisprong of stelt ze uit. Een abortus eindigt een werkelijke zwangerschap. 

De noodpil is zonder recept te verkrijgen bij de drogist. 

Anticonceptie

Als u onbeschermde seks heeft nadat u de noodpil heeft genomen, kunt u zwanger worden. Gebruik een condoom tot aan uw volgende menstruatie. Gebruik ook een condoom wanneer u al met een ander anticonceptiemiddel bent gestart. 

Wacht 5 dagen na inname van de Ella One noodpil om te starten met de anticonceptiepil, vaginale ring of anticonceptiepleister. Door deze anticonceptiemiddelen werkt Ella One niet goed meer. 

De noodpil is minder betrouwbaar dan gewone anticonceptiemiddelen. Als u de noodpil al vaker nodig heeft gehad, overweeg dan andere anticonceptie die beter bij u past.

Koperspiraal

U kunt ook naar de dokter gaan voor een koperspiraal. Het koperspiraal voorkomt de innesteling van een bevruchte eicel. Dit is een gewoon anticonceptiemiddel dat ook werkt in noodsituaties. Zo bent u 5 jaar beschermd tegen zwangerschap.

Koperspiraal

Weten of u een soa heeft

Bij onbeschermde seks loopt u een risico op een soa. Soa’s hebben dikwijls geen duidelijke symptomen. Laat u testen als u denkt dat u een soa heeft. 

Noodanticonceptie kopen

De noodpil kost ongeveer € 10 - €20. In Nederland kunt u de noodpil zonder recept in de apotheek of drogist kopen.

Een dokter kan een koperspiraal plaatsen voor ongeveer € 47 tot € 129. Na 5 tot 10 jaar, afhankelijk van het merk, moet u naar de dokter teruggaan voor een nieuw koperspiraal.

Tot 21 jaar  wordt de meeste anticonceptie vergoed. U moet dan wel uw eigen risico hebben opgemaakt. Check uw vergoeding bij uw zorgverzekeraar. Vanaf 21 jaar wordt anticonceptie alleen vergoed als u een aanvullende verzekering voor anticonceptie heeft.

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል

በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
ካብ ናይ ስራሕ ሰዓት ወጻኢ ዝወሃብ ናይ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ኣገልግሎት
ናብቶም ካብ ናይ ስራሕ ሰዓት ወጻኢ ዝወሃብ ናይ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ኣገልግሎት (huisartsenpost) ምሸት ወይከኣ ቀዳመሰንበት ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ህጹጽ ሕክምና እንድሕር ዘድልየካ ድማ ብኣካል ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። “ህጹጽ” ክበሃል ዝኽእል እቲ ናይ ጥዕና ጸገምካ ክሳዕ እቲ ቀጻሊ ናይ ሓፈሻዊ ሕክምና በዓልሞያኻ ናይ ስራሕ መዓልቲ ክጸንሕ ዘይኽእል እንተኾይኑ እዩ። ምስ ደወልካ፣ ናብቶም ካብ ናይ ስራሕ ሰዓት ወጻኢ ዝወሃብ ናይ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ኣገልግሎት ክተከይድ ይግበኣካዶ ኣይግበኣካን ውሳነ ይግበር።
Sense.info
ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሜኺ እንተኾንኪ፣ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፣ ወሲባዊነትን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ሕቶታት ን Sense ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ብኢሜይል፣ ብተሌፎን፣ ብኦንላይን ወግዒ ወይከኣ ንናይ Sense ናይ ማዕዳ ሰዓታት ቆጸራ ብምሓዝን ከምኡ ክትገብሪ ትኽእሊ።
መሕረሲት
ጥንስቲ ምዃንኪ ምስፈለጥኪ ብቕልጡፍ ኣብ ከባቢኺ ናብ ዝርከብ/እትርከብ መሕረሲት ክትከዲ ኣለኪ። መሕረሲ/መሕረሲት ኣብ እዋን ጥንስኺ፣ ክትሓርሲ እንከለኺ ከምኡድማ ሕርስ ምሰበልኪ ኣብ ዘሎ ግዜ ደገፍን ማዕዳን ትህበኪ።
ናይ ማህጸን ሓኪም
ጥንስቲ እንኾንኪ’ሞ ሪፈር እንድሕር ተባሂልኪ፣ ናብ ናይ ማህጸን ሓኪም ትኸዲ። እታ መሕረሲት ወይከኣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና መወከሲ ወይ ሪፈራል ይህቡኺ።
አተኣላልያ ምንጻል ጥንሲ - Siriz
ንኣተኣላልያ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሳዕቤናት ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ሓበሬታን ደገፍን። ናይ Siriz ስራሕ ዘይተወልደ ፍጥረት ዑደት ዕቤቱ ክቕጽልን ክውለድን መሰል ኣለዎ ኣብ ዝብል እምነት ዝተደረኸ እዩ።
ናይ ጥዕና በዓልሞያ ርኸብ