ህጹጽ ምላሽ ዝጠልብ ኩነታት
ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ እንተጌርኪ፣ ንዘይሓሰብክዮ ጥንሲ ናይምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋ ይህልወኪ።
ኣብቲ ናይ ጽግያት ግዜኺ ስጋዊ-ርክብ እንተጌርኪሞ መከላኸሊ ጥንሲ እንድሕር ዘይተጠቒምኪ፣ ወይከኣ እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ገለ ጸገም እንተጋጢሙዎ ናይ ምጥናስ ስግኣተ-ሓደጋ ይህልወኪ።
እንታይ ክትገብሪ ኣለኪ፧
ክትጠንሲ እንድሕር ደሊኺ: ዋላሓንቲ ኣይትግበሪ።
ክትጠንሲ እንተዘይደሊኺ ድማ፣ 2 ምርጫታት ኣለዉኺ:
- እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ውሰዲ።
- ናብ ሓኪም ኬድኪ ነሓስ IUD ግበሪ።
እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና
ከከም ዝመረጽክዮ ዓይነት፣ እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና 1 ወይ 2 ከኒናታት ዝሓዘ እዩ። እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና “morning-after pill” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ድሕሪ ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ ዘጋጥም ናይ ምጥናስ ስግኣተ-ሓደጋ ይንኪ። እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ጽፍዮ-እንቋቑሖ የቋርጽ ወይከኣ የደንጒ። ኣቐዲምኪ ኣብ ጽፍዮ-እንቋቑሖ በጺሕኪ እንተጸኒሕኪ ግን ክትጠንሲ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ድሕሪ ወሲብ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ውሰድዮ። ብቕልጡፍ እንድሕር ወሲድክዮ፣ ናይ ዘይምጥናስ ዕድልኪ ክብ ዝበለ ይኸውን።
2 ዓይነት ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣለዉ:
- ክሳዕ 3 መዓልቲ ድሕሪ ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ ክውሰድ ዝኽእል ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና። እተፈላለዩ ብራንድታት ኣለዉ። እቲ ከኒና ብዘተኻእ መጠን ብቕልጡፍ ውሰድዮ። ድሕሪ ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት እንተዝውሰድ ይምረጽ።
- እቲ EllaOne ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና። እዚ ከኒና ድሕሪ ወሲብ ክሳዕ 5 መዓልቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ክትወስድዮ ይከኣል።
እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ምንጻል ጥንሲ ማለት ኣይኮነን። እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ጽፍዮ-እንቋቑሖ የቋርጽ ወይከኣ የደንጒ። ምንጻል ጥንሲ ከኣ ብጭቡጥ ዝተፈጥረ ጥንሲ እዩ ዘበርዕን።
እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ካብ እንዳ ቀማሚ ክውሰድ ይከኣል እዩ።
መከላኸሊ ጥንሲ
ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ድሕሪ ምውሳድኪ ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ እንተጌርኪ፣ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ። ክሳዕ ቀጻሊ ወርሓዊ ጽግያትኪ ኮንዶም ተጠቐሚ። ብተወሳኺ ካልእ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ እንተጀሚርኪ እውን ኮንዶም ክትጥቀሚ ኣለኪ።
EllaOne ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ድሕሪ ምውሳድኪ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና፣ ርሕማዊ ዓንኬል ወይከኣ ናብ ቆርበት ዝጠብቕ መከላኸሊ ጥንሲ ቅድሚ ምውሳድኪ 5 መዓልቲ ተጸበዪ። EllaOne ምስዞም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ እንድሕር ተወሲዱ ብግቡእ ኣይሰርሕን።
እዚ ማለት እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ካልኦት ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ዝተሓተ ኣድማዒነት እዮ ዘለዎ ማለት እዩ። ብተደጋጋሚ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ክትወስዲ እንተደሊኺ፣ ንዓኺ ዝበለጸ ዝስማዕመዐኪ ካልእ መከላኸሊ ጥንሲ ከይህሉ ፈትሺ።
ነሓስ IUD
ብተወሳኺ ብዛዕባ ነሓስ IUD ንምዝርራብ ናብ ሓኪምኪ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ነሓስ IUD ተኸላ ጽጉይ ዋህዮ እንቋቑሖ ይከላኸል። እዚ ኣብ ህጹጽ ኩነታት እውን ዝሰርሕ ስሩዕ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። እዚ እንድሕር ተጠቒምኪ፣ እንተወሓደ ን 5 ዓመታት ካብ ጥንሲ ናጻ ትኾኒ።
ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከምዘለኪን ከምዘይብልኪን ምፍላጥ
ዘይውሑስ ስጋዊ-ርክብ እንተጌርኪ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ናይ ምትሓዝ ስግኣተ-ሓደጋ ይህልወኪ። ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት መብዛሕትኡ ግዜ ንጹር ምልክታት የብሎምን። ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ሒዙኒ ዝብል ጥርጣረ እንድሕር ኣለኪ ምርመራ ግበሪ።
ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ምዕዳግ
ዕድሜኺ 21 ዓመት ክሳዕ ትገብሪ፣ መብዛሕትኦም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብናይ ጥዕና መድሕንኪ ዝሽፈኑ እዮም። ይኹን እምበር፣ መጀመርያ ካብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ፖሊሲኺ ክኸፍለልኪ ዝኽእል መጠን ንላዕሊ (eigen risico) ዝኾነ ወይ ሕልፊ ክፍሊት መጀመርያ ክትከፍልዮ ኣለኪ። ክንደይ ዝኣክል ሽፋን ከምእትረኽቢ ንምፍላጥ ናብ ናይ ጥዕና መድሕን ኣቕራቢኺ ብምኻድ ኣረጋግጺ። ካብ 21 ዓመት ዕድመ ንዳሓር፣ ተወሳኺ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ መድሕን እንድሕር ሃልዩኪ ጥራይ እዩ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ሽፋን ክትረኽቢ ትኽእሊ።
ናይ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ክፍሊት ኣይምለሱን እዮም።