ኣዝያ ጸጋይት

ሓንቲ ሰበይቲ በጽሒ እንተኾይናሞ ንመጀመርያ ግዜጽፍዮ-እንቋቑሖ እንተተራእዩዋ ጸጋይት ትኸውን (ፈላማይ ዑደት)። ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርያ ጽፍዮ-እንቋቑሖ፣ ኣንስቲ ኣብ ሕድሕድ ወርሒ 6 መዓልቲ ትጸጊ

ሓንቲ ሰበይቲ ዋላ ኣብታ ንፈለማ እዋን ወሲብ ዝገበረትላ ግዜ ክትጠንስ ትኽእል እያ

ዝለዓለ ስግኣተ-ሓደጋ ነታ ኣደን ነቲ ዕሸልን

ዕድሜኣ ትሕቲ 20 ዓመት እንከሎ ዝጠነሰት ሰበይቲ፣ ሕርሳ ከቢድ ናይ ምዃኑ ስግኣተ-ሓደጋ ክብ ይብል።

እቲ ዕሸል ነዞም ዝስዕቡ ስግኣተ-ሓደጋታት ይቃላዕ:

  • ኣብ ዘይመዓልቱ ምውላድ;
  • ትሑት ክብደት ኮይኑ ምውላድ (ልዑል ናይ ሕማም ስግኣተ-ሓደጋ)።

ቆልዓ ምስ ወለድካ ዝፍጠር ናይ መነባብሮ ለውጢ

ንእሽይ እናሃለኺ ክትወልዲ ትሓስቢ እንተሃሊኺ፣ እዞም ዝስዕቡ ኣብ ግምት ከተእትዊ ኣለኪ:

  • ንትምህርቲ፣ ስራሕን መዛነዪን እትህብዮ ግዜ ይውሕድ;
  • ቆልዓ ምዕባይ ኣዝዩ ክባር እዩ።
  • ምስ መጻምድቲ፣ ወለዲን ኣዕርኽቲኺን ዘለኪ ርክብ ክቕየር እዩ። ቀዳምነት ንቆልዓኺ ኢኺ ትህብ።
  • መንበሪ ቦታ ክትቅይሪ ትኽእሊ።

መከላኸሊ ጥንሲ

ክንደይ ቆልዑት ክትወልዱ ከምዘለኩምን መዓስ ክትወልዱ ከምዘለኩምን ምስ መጻምድትኺ ተማኺርኩም ትውስኑ። እዚ ምጣነ ስድራ ይበሃል። እዚ ንምግባር መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ ትኽእሊ ኢኺ።

ዘይተደልየ ጥንሲ

ክትጠንሲ ከይሓሰብኪ እንተጠኒስኪ፣ እተፈላለየ ምርጫታት ኣለኪ። ካብ ወለድኺ፣ ቤተሰብኪን ኣዕሩኽቲኺን ደገፍ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ክትሓፍሪ የብልኪን። ዝኾነ ሰብ ከምኡ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ሞያዊ ደገፍን ማዕዳን ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ።

Zeer vruchtbaar

Een vrouw is zeer vruchtbaar als ze jong is en haar eerste eisprong heeft gehad (eerste cyclus). Na de eerste eisprong is een vrouw elke maand ongeveer 6 dagen vruchtbaar.

Een vrouw kan zwanger worden als ze voor de eerste keer seks heeft.

Meer risico's voor moeder en baby

Als een vrouw voor haar 20ste zwanger wordt, loopt ze een groter risico op een moeilijke bevalling.

De baby heeft meer risico op:

  • Een vroegtijdige geboorte;
  • Een lager geboortegewicht; (groter risico op ziekte).

Veranderingen wanneer u een baby heeft

Als u nog jong bent en aan kinderen denkt, besef dan dat:

  • U minder tijd heeft voor school, werk en hobby’s;
  • Een kind erg duur is;
  • Uw relaties met uw partner, ouders en vrienden veranderen. Uw baby komt op de eerste plaats;
  • U misschien op zoek moet naar een nieuwe woning. 

Anticonceptie

U en uw partner kunnen zelf beslissen wanneer en hoeveel kinderen jullie willen. Dit heet gezinsplanning. U kunt dit doen met anticonceptie

Ongeplande zwangerschap

Als u ongepland zwanger bent, dan heeft u verschillende keuzes. U kunt uw ouders, familie en vrienden om hulp vragen. Schaam u niet. Dit kan iedereen overkomen. U kunt ook hulp en advies vragen aan professionele hulpverleners

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል

በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
በጽሒን ጥንስቲን
ጥንስቲ እንተኾንኪ ወይከኣ ሓራስ እንተኾንኪሞ ዕድሜኺ ከኣ ትሕቲ 23 ዓመት እንኾይኑ፣ ናብዚ ብምኻድ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ።
መሕረሲት
ጥንስቲ ምዃንኪ ምስፈለጥኪ ብቕልጡፍ ኣብ ከባቢኺ ናብ ዝርከብ/እትርከብ መሕረሲት ክትከዲ ኣለኪ። መሕረሲ/መሕረሲት ኣብ እዋን ጥንስኺ፣ ክትሓርሲ እንከለኺ ከምኡድማ ሕርስ ምሰበልኪ ኣብ ዘሎ ግዜ ደገፍን ማዕዳን ትህበኪ።
ናይ ማህጸን ሓኪም
ጥንስቲ እንኾንኪ’ሞ ሪፈር እንድሕር ተባሂልኪ፣ ናብ ናይ ማህጸን ሓኪም ትኸዲ። እታ መሕረሲት ወይከኣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና መወከሲ ወይ ሪፈራል ይህቡኺ።
Sense.info
ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሜኺ እንተኾንኪ፣ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፣ ወሲባዊነትን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ሕቶታት ን Sense ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ብኢሜይል፣ ብተሌፎን፣ ብኦንላይን ወግዒ ወይከኣ ንናይ Sense ናይ ማዕዳ ሰዓታት ቆጸራ ብምሓዝን ከምኡ ክትገብሪ ትኽእሊ።
አተኣላልያ ምንጻል ጥንሲ - Siriz
ንኣተኣላልያ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሳዕቤናት ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ሓበሬታን ደገፍን። ናይ Siriz ስራሕ ዘይተወልደ ፍጥረት ዑደት ዕቤቱ ክቕጽልን ክውለድን መሰል ኣለዎ ኣብ ዝብል እምነት ዝተደረኸ እዩ።
ናይ ጥዕና በዓልሞያ ርኸብ