ብዙሓት ሰባት፣ መናእሰይ ይኹኑ ዓበይቲ፣ ኣብ መዋእል ዕድሚኦም ወሲባዊ ጸገማት የጋጥሙዎም እዮም። እዚ ንቡር እዩ።
መብዛሕትኦም ወሲባዊ ጸገማት ድሕሪ ሓጺር ግዜ ባዓልቶም ይጠፍኡ። መብዛሕትኡ ግዜ በዞም ዝስዑቡ ምኽንያታት ይመጹ:
- ጭንቂ;
- ሕማም;
- ድኻም;
- ናይ ርክብ ጸገማት;
- ካብ ናይ ወሲብ ህይወቶም እተፈላለየ ትጽቢታት ዝገብሩ መጻምድቲ።
ልሙዳት ወሲባዊ ጸገማት
ልሙዳት ወሲባዊ ጸገማት እዞም ዝስዕቡ እዮም:
- ወሲባዊ ድሌት ዘይምህላው ወይከኣ ትሑት ወሲባዊ ድሌት;
- ሓደ ካብቶም መጻምድቲ ካብቲ ሓደ ዝበለጸ ወይከኣ ዝተሓተ ወሲባዊ ድሌት ይህልዎ;
- ንቑጽ ርሕሚ;
- ክወትረካ ዘይምኽኣል;
- ኣብ ርውየተ-ወሲብ ዘይምብጻሕ፣ ወይከኣ ኣዝዩ ቀልጢፉ ዝመጽእ ርውየተ-ወሲብ;
- ኣዝዩ ልዑል ምጭንናቕ ኣብቶም ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ;
- ቃንዛ ኣብ እዋን እትወት።
ናይ ፖርኖግራፊ ወልፊ
ገለ ሰባት ናይ ፖርኖግራፊ ወልፊ ይሕዞም። ፖርኖግራፊ ምርኣይ ጸገም የብሉን፣ ግን ኣዝዩ ብዙሕን እናሻቡን ምርኣይ ጸገም ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ክዉንነት ዘይተደረኸ ወሲባዊ ትጽቢት ክፈጥረልካ ይኽእል። ብተወሳኺ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትካ ጽዋ የሕድር ወይከኣ ኣብ ርክብካ ውጥረት ይፈጥር።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል
በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
በዓልሞያ ስነ-ወሲብ
ንወሲባዊ ጸገማት ዝምልከት ደገፍ ንምርካብ ናብ ናይ ወሲብ ሓኪም ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እዚ በቲ ስሩዕ ናይ ጥዕና መድሕን ፓኬጅ (basisverzekering) ኣይሽፈንን። ምናልባሽ ተወሳኺ መድሕን እንተሃልዩካ ክሽፈን ይኽእል።
Korrelatie
ብዛዕባ ውልቃዊ ኣርእስቲታት ማለት ብዛዕባ ርክባት፣ ስምዒታትካ ወይከኣ ወሲባውነት ክትዛረብ እንተደሊኻ፣ መንነትካ ሓቢእኻ ናብ Korrelatie ክትድውል፣ ብኦንላይን ክትገልጽ ወይድማ መልእኽቲ ክትልእኽ ትኽእል ኢኻ።