እቶም ኣጡባት ኣብ ቅድሚት ሰውነት እታ ሰበይቲ ዝርከቡ 2 ዝተንጠልጠሉ ነገራት እዮም።
ሕድሕድ ጡብ እዞም ዝስዕቡ ዝሓዘት እያ:
ስብሒ፣ ጡባዊ ጽኪታትን ኣብቲ ውሽጢ ጡብ ዝርከቡ መትረባት ጸባን:
- ጡባዊ ጽኪታትን: ጸባ ጡብ ዘመንጭዉ ደቀቕቲ ኣካላት;
- መትረባት ጸባ: ጸባ ናብ መቑለመት ዘውሕዙ ደቀቕቲ ትቦታት;
እቲ መቑለመትን ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ጡብ ዝርከብ እግሪ መቑለመትን:
ናይ ኣጡባት ስራሕ
ኣጡባት 2 ስራሕ ኣለዎም:
- ሰበይቲ ንቆልዓኣ ጡብ ብምጥባው ጸባ ጡብ ክትምግቦ ትኽእል እያ።
- እተን መቑለመታት ኣዝየን ተኣፈፍቲ እየን። ነተን መቑለመታት ምትንካፍ ወይ ምድርራዝ ነታ ሰበይቲ ወሲባዊ ባህታ ክፈጥረላ ይኽእል እዩ። እታ ሰበይቲ እንድሕር ወቲሩዋ፣ እተን መቑለመታት ይጥንክራ። እተን መቑለመታት ብኻልእ ምኽንያታት እውን ክጥንክራ ይኽእላ እየን። ንኣብነት: እታ ሰበይቲ እንተቖሪሩዋ።
ዓይነታት ኣጡባት
ናይ ኩለን ኣንስቲ ኣጡባት ዝተፈላለየ እዩ። ኣጡባት ኣናእሽቱ ወይ ዓበይቲ፣ ከቢድ ወይ ውጥውጥ ዝበለ ክኾኑ ይኽእሉ። እንታይ ይመስሉ ንተግባሮም ኣገዳሲ ኣይኮነን።
ኣጡባት ኣብ እዋን ጥንሲ
ኣብ እዋን ጥንሲ እቶም ኣጡባት ጸባ ንምምንጫው ይዳለዉ። ሽዕኡ:
- ግዝፈቶም እናወሰኸ ይኸይድ;
- ዝበለጸ ተኣፈፍቲ ሓላሓሊፉ ከኣ መቐንዘውቲ እናኾኑ ይመጹ;
- ቁሩብ ጸባ ከውጽኡ ክጅምሩ ይኽእሉ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል
በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
Sense.info
ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሜኺ እንተኾንኪ፣ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፣ ወሲባዊነትን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ሕቶታት ን Sense ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ብኢሜይል፣ ብተሌፎን፣ ብኦንላይን ወግዒ ወይከኣ ንናይ Sense ናይ ማዕዳ ሰዓታት ቆጸራ ብምሓዝን ከምኡ ክትገብሪ ትኽእሊ።