መብዛሕትኦም ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ብቐሊሉ ክሕከሙ ዝኽእሉ እዮም። ምርመራ እንተጌርካ ጥራይ ኢኻ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከምዘለካን ከምዘይብልካን ክትፈልጥ ትኽእል።
ብበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይከኣ ብኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) ክትምርመር ትኽእል ኢኻ።
ነቲ ሓኪም ብናጽነት ክተዘራርቦ ትኽእል ኢኻ። ንሱ ንዓኻ ንምድጋፍ ዘኽእል ሙሉእ ሓበሬታ ኣለዎ። እቲ ሓኪም ናትካ ሓበሬታ ንዝኾነ ሰብ ኣሕሊፉ ክህብ ኣይኽእልን። ንሱ/ንሳ ስትረትካ ከኽብሩ ሕጋዊ ግቡእ ኣለዎም።
ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምርመራ
ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምርመራ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ዝካድ:
- እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ እንታይ ዓይነት ወሲብ ከምዝገበርካን ብዛዕባ ገለ ምልክታት ሕማምን ክሓተካ እዩ።
- እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ወሲባዊ ኣካላትካ፣ ኣፍካ፣ መሃንቱስ ምልክታት ሕማም ከይህልዉ ክፍትሽ እዩ።
- እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ መብዛሕትኡ ግዜ ደም ወይከኣ ሽንቲ ይወስደልካ። ብተወሳኺ እቲ ሓኪም ካብቲ ምናልባት ተጠቒዑ ክኸውን ዝኽእል ክፍሊ ሰውነት (ኣፍ/ጎሮሮ፣ ማሃንቱስ፣ ርሕሚ፣ መትረብ ሽቲ) ብመጽረጊ ሓሲሱ ክምርምር እዩ።
- እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ እቶም ዝተወስዱ መርኣያታት ናብ ምርመራ ላቦራቶሪ ይወስዶም።
- እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ናይቲ ምርመራ ውጽኢታት ኣስታት ድሕሪ 1 ሰሙን ይቕበል።
- እቲ ሓኪም ወይ ነርስ እቶም ውጽኢታት ንዓኺ ይገልጸልኪ ከምኡድማ ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምቲታት የዘራርበኪ። ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ ነቲ/ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከድሕኑ ዝኽእሉ ኣፋውስ ንሱ/ንሳ ክህቡኺ እዮም ። መብዛሕትኦም ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክፍወሱ ይኽእሉ ወይድማ ናይ ሕማም ምልክታቶም ክሕከሙ ይኽእሉ።
ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምርመራ ወጻኢ
ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ምርመራ ብበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይከኣ ኣብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) ክግበረልካ ይኽእል እዩ። ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናይ ምትሓዝ ስግኣተ-ሓደጋኻ ልዑል ድዩ፧ ገለ ረቛሒታት ከተማልእ እንተኽኢልካ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) ክትምርመር ትኽእል ኢኻ። ዕድሚኦም ክሳዕ 25 ዓመት ዝገበሩ መንእሰያት፣ ሰራሕተኛታት ንግዲ ወሲብ፣ ምስ ሰብኡት ወሲብ ዝገብሩ ሰብኡት ከምኡድማ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ብስፍሓት ካብ ዝርከቡለን ሃገራት ዝመጹ ሰባት ናብ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) መሕተቲ ከእትዉ ይኽእሉ እዮም።
ብተወሳኺ ብበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እውን ክትምርመር ትኽእል ኢኻ። ምስ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እትገብሩዎ ዘተ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ ሓላሓሊፉ ከፊልኩም እትምርመሩሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ናይ ጥዕና መድሕንኩምን ካብ ናይ ጥዕና መድሕን ሽፋንኩም ንላዕሊ ዝኾነ ክፍሊትን (eigen risico) ዝተደረኸ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ናይ ጥዕና መድሕን ኣቕራቢኻ ተወከስ።
ኣብ ማእከል መዕቆቢ ሓተትቲ ዕቑባ እንተኾንካ ትነብር ካበቲ ኣብኡ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ናጻ ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምርመራን ማዕዳን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።