መብዛሕትኦም ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ብቐሊሉ ክሕከሙ ዝኽእሉ እዮም። ምርመራ እንተጌርካ ጥራይ ኢኻ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከምዘለካን ከምዘይብልካን ክትፈልጥ ትኽእል።

ብበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይከኣ ብኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) ክትምርመር ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ሓኪም ብናጽነት ክተዘራርቦ ትኽእል ኢኻ። ንሱ ንዓኻ ንምድጋፍ ዘኽእል ሙሉእ ሓበሬታ ኣለዎ። እቲ ሓኪም ናትካ ሓበሬታ ንዝኾነ ሰብ ኣሕሊፉ ክህብ ኣይኽእልን። ንሱ/ንሳ ስትረትካ ከኽብሩ ሕጋዊ ግቡእ ኣለዎም

ምስ ሓኪም እትዘራረብ ሰበይቲ።

ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምርመራ

ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምርመራ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ዝካድ:

  • እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ እንታይ ዓይነት ወሲብ ከምዝገበርካን ብዛዕባ ገለ ምልክታት ሕማምን ክሓተካ እዩ
  • እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ወሲባዊ ኣካላትካ፣ ኣፍካ፣ መሃንቱስ ምልክታት ሕማም ከይህልዉ ክፍትሽ እዩ
  • እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ መብዛሕትኡ ግዜ ደም ወይከኣ ሽንቲ ይወስደልካ። ብተወሳኺ እቲ ሓኪም ካብቲ ምናልባት ተጠቒዑ ክኸውን ዝኽእል ክፍሊ ሰውነት (ኣፍ/ጎሮሮ፣ ማሃንቱስ፣ ርሕሚ፣ መትረብ ሽቲ) ብመጽረጊ ሓሲሱ ክምርምር እዩ።
  • እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ እቶም ዝተወስዱ መርኣያታት ናብ ምርመራ ላቦራቶሪ ይወስዶም።
  • እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ናይቲ ምርመራ ውጽኢታት ኣስታት ድሕሪ 1 ሰሙን ይቕበል።
  • እቲ ሓኪም ወይ ነርስ እቶም ውጽኢታት ንዓኺ ይገልጸልኪ ከምኡድማ ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምቲታት የዘራርበኪ። ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ ነቲ/ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከድሕኑ ዝኽእሉ ኣፋውስ ንሱ/ንሳ ክህቡኺ እዮም ። መብዛሕትኦም ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክፍወሱ ይኽእሉ ወይድማ ናይ ሕማም ምልክታቶም ክሕከሙ ይኽእሉ።
እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ካብታ ሰበይቲ ንምርመራ ዝኸውን ደም እናወሰደ።
እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ካብታ ሰበይቲ ንምርመራ ዝኸውን ደም እናወሰደ።
እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ንምርመራ ዝኸውን ፈሳሲ ካብ ናይቲ ሰብኣይ ኣፍ እናወሰደ።
እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ንምርመራ ዝኸውን ፈሳሲ ካብ ናይቲ ሰብኣይ ኣፍ እናወሰደ።

ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምርመራ ወጻኢ

ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ምርመራ ብበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይከኣ ኣብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) ክግበረልካ ይኽእል እዩ። ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናይ ምትሓዝ ስግኣተ-ሓደጋኻ ልዑል ድዩ፧ ገለ ረቛሒታት ከተማልእ እንተኽኢልካ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) ክትምርመር ትኽእል ኢኻ። ዕድሚኦም ክሳዕ 25 ዓመት ዝገበሩ መንእሰያት፣ ሰራሕተኛታት ንግዲ ወሲብ፣ ምስ ሰብኡት ወሲብ ዝገብሩ ሰብኡት ከምኡድማ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ብስፍሓት ካብ ዝርከቡለን ሃገራት ዝመጹ ሰባት ናብ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) መሕተቲ ከእትዉ ይኽእሉ እዮም።

ብተወሳኺ ብበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እውን ክትምርመር ትኽእል ኢኻ። ምስ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እትገብሩዎ ዘተ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ ሓላሓሊፉ ከፊልኩም እትምርመሩሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ናይ ጥዕና መድሕንኩምን ካብ ናይ ጥዕና መድሕን ሽፋንኩም ንላዕሊ ዝኾነ ክፍሊትን (eigen risico) ዝተደረኸ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ናይ ጥዕና መድሕን ኣቕራቢኻ ተወከስ።

ኣብ ማእከል መዕቆቢ ሓተትቲ ዕቑባ እንተኾንካ ትነብር ካበቲ ኣብኡ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ናጻ ናይ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምርመራን ማዕዳን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ዋግኡ ክንደይ እዩ፧

De meeste soa’s zijn goed te behandelen. U weet pas of u een soa hebt als u bent getest.

U kunt zich laten testen door uw huisarts of de GGD

U kunt vrijuit praten met de dokter. Die heeft zoveel mogelijk informatie nodig om u te kunnen helpen. Een dokter mag geen informatie over u doorgeven aan anderen. Hij/zij is bij wet verplicht om uw privacy te respecteren

Vrouw praat met een dokter.

Soa-test

Een soa-test verloopt als volgt:

  • De zorgverlener vraagt welke seks u had en of u symptomen heeft. 
  • De zorgverlener zal mogelijk uw geslachtsdelen, mond en anus onderzoeken op symptomen
  • De zorgverlener zal meestal een bloedmonster nemen of om een urinemonster vragen. Hij kan ook een uitstrijk nemen van de plaatsen die mogelijk geïnfecteerd zijn (mond/keel, anus, vagina, urinebuis). 
  • De zorgverlener stuurt de stalen naar een laboratorium voor verder onderzoek.
  • Ongeveer 1 week later ontvangt de dokter de resultaten van dit onderzoek.
  • De arts of verpleegkundige geeft uitleg bij het resultaat en bespreekt de volgende stappen met u. Indien nodig, zal hij/zij u medicijnen geven om de soa te behandelen. De meeste soa’s kunnen genezen of de symptomen kunnen worden behandeld.
Dokter neemt een bloedmonster van een vrouw.
Dokter neemt een bloedmonster van een vrouw.
Dokter neemt een uitstrijk van de mond van een man.
Dokter neemt een uitstrijk van de mond van een man.

Prijs van een soa-test

U kunt bij de GGD of uw huisarts een soa-test doen. Loopt u een hoog risico op soa’s? Als u aan bepaalde voorwaarden voldoet kunt u zich gratis laten testen bij de GGD in uw buurt. Jongeren tot 25 jaar, sekswerkers, mannen die seks hebben met mannen en mensen afkomstig uit landen waar veel soa’s voorkomen kunnen een afspraak maken bij de GGD.

U kunt ook bij uw huisarts testen. Uw bezoek aan uw huisarts is gratis maar soms moet u betalen voor de test. Dit hangt af van uw zorgverzekering en eigen risico. Vraag meer informatie hierover aan uw zorgverzekeraar. 

Als u in een COA-opvanglocatie woont, kunt u voor een gratis soa-test en advies naar het Gezondheidscentrum op de locatie gaan.

Wat kost het?

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል

በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።
ብስጋዊ-ርክብ ብዝመሓላለፍ ረኽሲ ኤድስ ናይ ኔዘርላንድ(Soa Aids Nederland)
ብስጋዊ-ርክብ ብዝመሓላለፍ ረኽሲ ተጠቒዐ ኣለኹ ዝብል ጥርጣረ እንድሕር ኣለካ፣ ክትምርመር ኣለካ። ንኣገልግሎታት ምርመራን ክታበትን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ዝምልከቱ ኣድራሻታት።
Sense.info
ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሜኺ እንተኾንኪ፣ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፣ ወሲባዊነትን ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ሕቶታት ን Sense ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ብኢሜይል፣ ብተሌፎን፣ ብኦንላይን ወግዒ ወይከኣ ንናይ Sense ናይ ማዕዳ ሰዓታት ቆጸራ ብምሓዝን ከምኡ ክትገብሪ ትኽእሊ።
Jouw GGD - ናይ ምምሕዳር ከተማኹም ህዝባዊ ጥዕና ኣገልግሎት
ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሜኻ እንተኾንካሞ ብዛዕባ ጥዕና፣ ወሲባዊነት፣ ሰውነትካ፣ ስምዒታትካ፣ ኣልኮል ወይ ዕጸፋርስ ሕቶታት እንተለዉኻ ሕቶኻ ብኢሜይል ወይከኣ ብኦንላይን ቻት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ናይ ጥዕና በዓልሞያ ርኸብ