ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ሒዙኒ ዝብል ጥርጣረ እንተሃልዩካ፣ ካብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይከኣ ካብ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) ደገፍ ሕተት። ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ኣብ ጥዕናኻ ዘስዕብዎ ኣሉታዊ ጉድኣት ንምውጋድ ምሕካም የድሊ። ግቡእ ሕክምና ንምርካብ ኣብቲ ማእከል ጥዕና ሓተትቲ ዕቑባ ንዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ/ ሕክምና ወይከኣ ናይ ጥዕና ሞያዊ ተዛረብ።
በቲ ሓኪም ዝነግረካ መሰረት ሕክምናኻ ተኸታተል። ዋላ እቶም ምልክታት ምስ ጠፍኡ እውን ሕክምናኻ ክትቅጽል ኣለካ።
እተፈላለዩ ዓይነታት ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ኣለዉ። እዚኦም ኩሉግዜ ምልክታት ኣይረኣዩዎምን። ማዕዳ ንምርካብ ነቲ ኣብ ማእከል ጥዕና ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይ እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ሕተቲ። ነፍሲ-ወከፍ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ብዝተፈላለየ መንገዲ እዩ ዝሕከም።
ብባክተርያ ናይ ዝመጹ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ሕክምና
ብባክተርያ ዝመጹ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ:
ብባክተርያ ዝመጹ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ብጸረ-ነፍሳት ክሕከሙ ይኽእሉ። ናይ ሓኪም ትእዛዝ የድልየካ እዩ። ሽዑ እቶም ኣፋውስ ካብ ቤት-መድሓኒት ትዕድጎም።
ኣብ እዋን ሕክምና፣ እቶም ምልክታት ክሳዕ ዘይጠፍኡ ስጋዊ-ርክብ ምግባር ኣቋርጽ ወይከኣ ኮንዶም ብምጥቃም እቲ ረኽሲ ናብ ካልእ ሰብ ከይሓልፍ ክትከላኸል ትኽእል።
ብቫይረስ ናይ ዝመጹ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ሕክምና
ብቫይረስ ዝመጹ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት:
- ኤችኣይቪ;
- ሄፓቲቲስ B;
- ሀርፐስ; ከምኡድማ
- ብልዕታዊ ጡብኣድጊታት።
ገለ ብቫይረስ ዝመጹ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክፍወሱ ኣይኽእሉን፣ ምልክታቶም ግን ክሕከሙ ይኽእሉ እዮም።
- ሄፓቲቲስ B: እኹል ምርመራ ግበር። ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ እቲ ሓኪም ኣፋውስ ክእዝዘልካ ይኽእል እዩ።
- ሀርፕስ: ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ እቲ ሓኪም ነቶም ሕበጣት መሕከሚ ዝኾኑ ኣፋውስ ክእዝዘልካ ይኽእል እዩ።
- ብልዕታዊ ጡብኣድጊታት: እቲ ሓኪም ናብቶም ጡብኣድጊታት ዝልከይ ክሬም ክዝዘልኪ ይኽእል እዩ። ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ እቲ ሓኪም ነቶም ጡብኣድጊታት ብምቑራጽ ወይከኣ ብምድስካል ከወግዶም ይኽእል።
ብጽግዕተኛ ነፍሳት ናይ ዝመጹ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ሕክምና
ብጽግዕተኛ ነፍሳት ዝመጹ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት:
- ሽሕር;
- ትራይኮሞንያሲስ; ከምኡድማ
- ናይ ጸጉሪ ብልዕቲ ቁማል።
ሽሕር:
- እቲ ሓኪም ኣብ ቆርበት ሰውነትኪ ዝልከ ክሬም ክእዝዘልኪ ይኽእል እዩ።
- ናይ ውሽጢ ክዳውንቲ፣ ፒጃማታት፣ ናይ ዓራት ኣንሶላን ሽጎማነን ኩሉመዓልቲ እንተወሓደ ብደረጃ ሙቐት 60°C ሕጸቢ።
ትራይኮሞንያሲስ:
- ብጸረ-ነፍሳት ክሕከም ይኽእል።
- ኣፋውስ ንምውሳድ ናይ ሓኪም ትእዛዝ የድልየካ።
ናይ ጸጉሪ ቁማል:
- እቲ ሓኪም ቁማል ኣብ ዘለዎ ቆርበት ሰውነትኪ ዝልከ ክሬም ክእዝዘልኪ ይኽእል እዩ።
- ናይ ውሽጢ ክዳውንቲ፣ ፒጃማታት፣ ናይ ዓራት ኣንሶላን ሽጎማነን ኩሉመዓልቲ እንተወሓደ ብደረጃ ሙቐት 60°C ሕጸቢ።
ምስ መጻምድትኻ ምዝርራብ
ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንድሕር ሃልዩኪ፣ ንመጻምድትኺ ንገሪ። ገለ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት እንድሕር ሃልዮምኺ፣ መጻምድትኺ እውን ክምርመርን ክሕካምን ኣለዎ።
ንመጻምድትኺ መጠንቀቕታ ብምሃብ ንገዛእ-ርእስኺ እውን ኢኺ ትከላኸሊ። እቲ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንድሕር ሓውዩ እሞ መጻምድትኹም ከይተሓከመ መሊስኩም ወሲብ እንተፈጺምኩም፣ እቲ መጻምድትኹም መሊሱ ከሕልፈልኹም ይኽእል እዩ።
ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ኣብ እትሕከሙሉ እዋን ወሲብ ኣይትግበሩ ወይከኣ ናብ መጻምድትኹ ናይ ምትሕልላፍ ስግኣተ-ሓደጋ ንምንካይ ኮንዶም ተጠቐሙ።
ነቲ ናይ ሕጂ መጻምድትኺ ጥራይ ዘይኮነስ ንናይ ቀደም መጻምድትኺን ምሳኺ ወሲባዊ ምትንኻፍ ዝነበሮም ሰባትን እውን ኣጠንቅቕዮም። ንሳቶም እውን እቲ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ክሕዞምን ከይፈለጡ ናብ መጻምድቶም (መጻምድቲታቶም) ከሕልፉን ይኽእሉ እዮም። ንናይ ወሲብ መጻምድቲታትኪ መጠንቀቕታ ብምሃብ፣ እቶም ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ዝበለጸ ከይስፋሕፍሑ ትከላኸሊ።
ክንደይ ዝኣክል ግዜ ንድሕሪት ተመሊስኪ ንናይ ወሲብ መጻምድቲታትኪ ከተጠንቅቒ ከምዘለኪ ንሓኪምኪ ወይ ንነርስኪ ኣማኽሪ። ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከምዘለኪ ነቶም ናይ ቀደም ወሲባዊ መጻምድቲታትኪ እንተደሊኺ መንነትኪ ሓቢእኪ ማለት ስምኪ ከይገለጽኪ እውን ክትነግርዮም ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ንምግባር፣ ነዚ መርበብ ሓበሬታ ክትውከሲ ትኽእሊ ኢኺ https://partnerwaarschuwing.nl/hoe-vertel-ik-het-mijn-ex-partner እዚ መርበብ ሓበሬታ ብቛንቋ ደች ጥራይ ዝተዳለወ እዩ።
ማዕዳ ንምርካብ ኣብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ምምሕዳር ከተማ (GGD) ንዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይከኣ ነርስ ኣዘራርብ።