ናይ ዘይተሓከመ ኤችኣይቪ ምልክታት
ኤችኣይቪ ዝተታሕዘ ሰብ፣ እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ክህልዉዎ ይኽእሉ:
- ናይ ፈለማ ሰሙን: ን/ሰዓል፣ ዕንፍራር ወይከኣ ሕብጥ ዝበሉ ትኩዕትኳዓት ዝመስሉ ምልክታት።
- ድሕሪ ምልክታት ዘይብሉ ግዜ ይመጽእ።
ሽዑ ናይ ኤችኣይቪ ሕክምና እንተዘይጌሩ:
- ድሕሪ እተወሰነ ግዜ (እዚ ድሕሪ 2 ዓመት ክኸውን ይኽእል) ሓድሽ/ጸገማትን/እተፈላለዩ ሓደሽቲ ምልክታትን ክረኣዩዎ ይጅምሩ።
- ኤችኣይቪ ንስርዓት ምክልኻል ሕማማት ሰውነት የጥቅዕ። ብዘይ ሕክምና፣ እቲ ኤችኣይቪ ድሕሪ ብዙሕ ዓማውቲ ናብ ኤድስ ይቕየር። ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ሰውነት ስለዝዳኀም ንካልኦት ረኽሲታት ይቃላዕ። እዞም ረኽሲታት ሞት ከስዕቡ ይኽእሉ።
ሕክምና እናወሰድካ ምስ ኤችኣይቪ ምንባር
ቀልጢፍኪ ናይ ኤችኣይቪ ምርመራ ብዝገበርኪ ቁጽሪ፣ እቲ ኤችኣይቪ /ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦም ሳዕቤታን ክብደቶም እናነከየ ይመጽእ። ንቡር/ህይወት ክመርሕ ከምኡድማ ክንዲቲ ኤችኣይቪ ዘይብሎም ሰባት ዝነብሩዎ ዕድመ ክነብር ይኽእል እዩ።
ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ እንድሕር ተሓኪሙ፣ እቲ ቫይረስ ብዘይውሑስ ወሲባዊ ርክብ ናብ ካልኦት ሰባት ናይ ምትሕልላፍ ስግኣተ-ሓደጋዊ ትሑት እዩ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዕድል
ናይ ኤችኣይቪ ሕክምና ማእከላት
ኤችኣይቪ እንድሕር ኣለካ፣ ክትምርመር ኣለካ። ኣብ ኔዘርላንድስ ናይ ዝርከባ ማእከላት ሕክምና ኤችኣይቪ ዝርዝር።
በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና
ብዛዕባ ዝኾነ ብግልጺ ክትዛረቦ ዘሕፍካ ኣርእስቲ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንኾይኑ፣ እቲ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ናብ ፍሉይ ናይ ጥዕና በዓልሞያ ክሰደካ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ ዕቑባ ዝተውሃም ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና እዮም ዝመርጹ። ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ በዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም።