ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና
መከላኸሊ ከይተጠቕመት ጾታዊ ርክብ እንተፈጺማ'ሞ ክትጠንስ እንተዘይደልያ ብሓንቲ ጓለንስተይቲ ዝውሰድ ከኒና። ከምኡ'ውን ናይታ ትቕጽል-ንግሆ ከኒና ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ከኒና ናይ ምጥናስ ስግኣት ከምዝንኪ ይገብር 100% ዘተኣማምን ግን ኣይኮነን። እታ ጓለነስተይቲ ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ብዝተኻእለ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ቀልጢፋ ክትወስዶ የድልያ፡ እንተነውሐ ድሕሪ 3 መዓልታት። ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ሓደ ካብ ኣገባብ መከላኸሊ ጥንሲ ኣይኮነን።