ኤችፒቪ
(human papilloma virus) ቫይረስ. ገለ ዓይነት HPV ጡብ ኣድጊ ኣብ መፍረ ኣካላት፡ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን (ደቀንስትዮ)፡ መንሽሮ መሃንቱስ ወይ ጾታውያን ሀዋሳት (ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን) ወይ ድማ መንሽሮ ኣፍ ወይ ጎሮሮ የኸትል። ኣብ ኔዘርላንድስ፣ ካብ 12-13 ዝዕድሚአን ኣዋልድ ናጻ ናይ ኤችፒቪ ክታበት (2 መውጋእቲ) ይረኽባ። እቲ ክታበት ንወሲብ ድሉዋት ቅድሚ ዝኾናሉ ዕድመ እንተዝወሃበን ይምረጽ። እዚ ካብቶም ልዕሊ 70% ናይ ማህጸን መንሽሮ ዘስዕቡ ክልተ ሓደገኛታት ዓይነታት ኤችፒቪ ይከላኸል።
ኤችፒቪ ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም (STI) እዩ።