ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ኣስገዳድ ምንዝርናን ንግዲ ደቂ-ኣዳምን

ምንዝርና ወይ ሰራሕተኛ ፋይቶት ማለት ከም መተካእታ ናይ’ቲ ዝሃቡኻ ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ገንዘብ ወይ ካልእ ረብሓታት ምቕባል ማለት እዩ።
ሰባት፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ካልእ ሃገር ዝሓሸ ሂወት ኣሎ ብዝብል ናይ ሓሶት መብጽዓታት ናብ ምንዝርና ምስ ዝኣትዉ፡ ንግዲ ደቂ-ኣዳም ይበሃል።

ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ስራሕተኛ ፋይቶት ዕድሜኦም ልዕሊ 18 ዓመት ምስ ዝዀኑ ወለንታዊ ምንዝርን ክዀኑ ሕጋዊ እዩ። ኣብ ገለ ምምሕዳር ከተማታት፡ እቲ ዝተሓተ ዕድመ 21 ዓመት ፍቕዱ እዩ። ብዘይ ስምምዕ ኣብ ምንዝርና ምእታው፡ ብሕጊ ክልኩልን ብኸቢድ ዘቕጽዕን እዩ። እዚ ሰባት ናብ ምንርና ክኣትዉ ብኻልኦት ሰባት ዝተገደዳሉ ኩሉ ኩነታት የጠቓልል።

ሰራሕተኛ ፋይትቶ ወይ ዓሚል ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ወይ 21 ዓመት እንተኾይኑ ሕጋዊ ኣይኰነን።

ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ንግዲ ደቂ-ኣዳም እውን ብሕጊ ክልኩል እዩ።

ናይ ንግዲ ደቂ-ኣዳም ወይ ናይ ኣስገዳድ ምንዝርና ግዳይግዳይሓደ ሰብ ብሰንኪ ናቱ ዘይኰነ ጉድለት፡ ብሓደ ጉዳይ ክሳቐ ከሎ እዩ።ብዙሕ ምንባብ እንተኾንኩም፡ ንፍሉይ ትካል ከተዘራርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ኣሰራርሓ ደገፍ ክገብሩልኩም ይኽእሉ እዮም፡ ስትረትኪ ምስጢርኩ እውን ከኽብሩልኩም እዮም።

ብተወሳኺ ናብ ፖሊስ ብምኻድ ኩነታትኩም ከተፍልጡን ሓለዋ ክግበረልኩምን ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ግዳይ ኣስገዳድ ምንዝርና ዝኾነ ሰብ እንድሕር ትፈልጡ ኰይንኩም፡ ናብ ፖሊስ ክትሕብሩ ወይ ብ 0900-8844 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።