ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ውሽጣዊ ብልዕቲ
ኣብ ውሽጢ ኣካላት ወዲ-ተባዕታይ (ውሽጣዊ ብልዕቲ) ዝርከቡ ብልዕቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
- ፍረነብሲ፡
- ኢፒዲሚዲስ፡
- ሻንብቆታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ፡
- ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ፡
- ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝዓቘረ ከረጢትናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝዓቘረ ከረጢት2 ንኣሽቱ ህዋሳት ኣብ ኣካላት 'ወዲ ተባዕታይ። ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝዓቘረ ከረጢት ብድሕሪ…ብዙሕ ምንባብ።
ሓደ ወዲ-ተባዕታይ፡ ኣብ ታሕታዋይ ወገን ከብዱ፡ ጭዋዳታት ጎሎ ኣለዉዎ። እዚኣቶም ወሲባዊ ኣካላት ኣይኮኑን ይኹን እምበር ንናይ ሰብኣይ ወሲባዊ ጥዕናን ወሲባዊ ርውየትን ኣገደስቲ እዮም።


ደው ዝበለ ወዲ-ተባዕታይ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ጾታዊ ናውቲ ኣካላት እዩ።

ብዓይኒ ዝረኣዩ ናይ ወዲ-ተባዕታይ ብልዕቲ እዚኦም ዝስዕቡ እዮም፡- 1. ፍረነብሲ፡ 2. ኢፒዲሚዲስ፡ 3. ሻንቡቆታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ፡ 4. ጽኪ፡ 5. ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝዓቘረ ከረጢት።
ፍረነብሲ
ሓደ ወዲ-ተባዕታይ 2 ፍረነብሲ ኣለዉዎ፦ ሓደ ካብቶም ፍረነብሲ፡ ካብ’ቲ ካልእ ዝንኣሰ ክኸውን ይኽእል ወይ ትሕት ኢሉ ክንጥልጥል ይኽእል።
እቶም ፍረነብሲ፡ ኣብ ኣስኪትይቕመጡ።
ብሚልየናት ዝቑጸሩ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ የመንጭዉ።
ኢፒዲሚዲስ
ሓደ ወዲ-ተባዕታይ 2 ኢፒዲሚዲስ ኣለዉዎ።
ነፍሲ-ወከፍ ምስ ሓደ ፍረነብሲ ዝተራኸበ እዩ።
እቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ኣብ ፍረነብሲ ዝተቐመጡ እዮም። ኣብኡ ኰይኖም ድማ፡ መሊሶም ክዓብዩ ይኽእሉ።
ሻንቡቆታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ
ሓደ ወዲ-ተባዕታይ 2 ሻንቡቆታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ኣለዉዎ።
ነፍሲ-ወከፍ ምስ ሓደ ኢፒዲሚስኢፒዲሚስወሃዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝኽዘነሉ ህዋስ። ሓደ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍረ…ብዙሕ ምንባብ ዝተራኸበ እዩ።
ነቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ናብ ጽኪ የጓዓዕዙዎም።
ብሕታዊነትብሕታዊነትንሓደ ሰብ ዝሃብካዮ ሓበሬታ እቲ ሰብ ነዚ ሓበሬታ ናብ ካልእ ሰብ ከየመሓላልፎ ዘለካ…ብዙሕ ምንባብ
እቲ ጽኪ ኣብ ትሕቲ ፍሕኛ ይርከብ። ዓቐኑ ክንዲ ፍረ ስትራውበሪ እዩ ዝኸውን።
ናብ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ፡ ተወሳኺ ፈሳሲ ዝውሰኽ ኣብ ጽኪ እዩ። እቲ ፈሳሲን እቶም ዋህዮታት ናይ ዘርኢን ተደሚሮም ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ይፈጥሩ። ኣብ እዋን ምፍሳስ ናይ ዘርኢ ፈሳሲምፍሳስ ናይ ዘርኢ ፈሳሲሓደ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ልዑል ጾታዊ ተምሳጥ ምስ ዝኣቱ፡ ካብ መትሎኡ ዘርኢ ብሓይሊ…ብዙሕ ምንባብ፡ እቲ ጽኪ ይጨባበጥን ነቲ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ንደገ ንኽወጽእ ይደፍኦን። መእተዊ ናይ ፍሕኛ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ይጨባበጥ እዩ። እዚ፡ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ናብ ጽኪ ከይኣቱ ይከላኸልን ሽንቲሽንቲሰባት ናብ ሽቓቕ ብምኻድ ኣብ ኣካላቶም ዝርከብ ርስሓት ብመንገዲ መትረብ ሽንቲ ጌሮም ዘውጽእዎ…ብዙሕ ምንባብ ናብ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ከይልሑኽ ይዓግትን።
ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝዓቘረ ከረጢት
ሓደ ወዲ-ተባዕታይ 2 ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝዓቘረ ከረጢት ኣለዉዎ። እዚኣቶም ጥቓ ጽኪ ይርከቡ። ናብ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ እውን ተወሳኺ ፈሳሲ የእትዉ።