ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ንፈለማ እዋን ጾታዊ-ርክብ መዓስ ክትገብሪ ኣለኪ

ንፈለማ እዋን ጾታዊ­ርክብ ንምግባር ጽቡቕ ወይ ከኣ ሕማቕ ዝበሃል ግዜ የለን። ንፈለማ እዋን ጾታዊ-ርክብ መዓስ ክትገብሩ ከምዘለኩም ናይ ምውሳን መሰል ኣለኩም።

ንፈለማ እዋን ጾታዊ-ርክብ ክትገብሩ ክትሓስቡ እንከለኹም ቁሩብ ጭንቀትን ዘይውሑስነትን ክስመዓኩም ንቡር እዩ። ኩሎም ሰባት እዞም ስምዒታት ኣለዉዎም እዞም ስምዒታት ኣዝዮም ብርቱዓት እንተ ኮይኖም፡ ንጾታዊ-ርክብ ዘይተዳለኹም ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ምናልባሽ ቁሩብ ክትጸንሑ የድልየኩም ይኸውን።

ናትኩም ምርጫምርጫካብ ዝተፈላለዩ ምርጫታት፡ ኣየናይ እዩ እቲ ዝበለጸ ወስኑ። ንኣብነት፡ ሰባት ውላድ ክህልዎምን ከይህልዎምን…ብዙሕ ምንባብ እዩ

ጾታዊ-ርክብ ንምግባር ድሌትኩም ምግላጽ ኣገዳሲ እዩ። ብሕጊ ዝተቐመጠ ሰባት ናይ ባዕሎም ፍቓድ ክህቡ ዝኽእሉሉ ዝተሓተ ደረት ዕድመ ኣሎ

ንፈለማ እዋን ጾታዊ-ርክብ መዓስ ክትገብሪ ከምዘለኪ እውን ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ። ንኣብነት: ቅድሚ ወይ ድሕሪ መርዓ። ብሓቂ እንታይ ከምትደልዪ ብጥንቃቐ ሕሰቢ። እዚ ናይ ባዕልኹም ውሳነ እዩ።
ዝኾነ ሰብ ክደፋፍኣኩም ኣይተፍቅዲ። ክልቴኹም ድሉዋት ክትኮኑ እንከለኹም ጥራይ ኢኹም ንጾታዊ-ርክብ ብሓጎስ ከተስተማቕርዎ ትኽእሉ። መጻምድኹም ነቲ ናታትኩም ምርጫ ከኽብሮ ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ እትደልይዮን ዝስማዓኪን ዘበለ ነገር ምስ መጻምድትኺ ተዘራረብሉ

ንፈለማ እዋን ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ግዜ ጾታዊ-ርክብ ክትገብሩ እንከለኹም ፍቓድኪ ክትህብን ድልውነት ክስምዓኪን ኣለኪ።

መጻምዲ እናተዘራረቡ