ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር

ኣብ ልዕሊ መጻምድቲመጻምድቲምሳኻ ኣብ ዝምድና ዘሎ ሰብ።ብዙሕ ምንባብ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር፡ ኣብ መንጎ ስምዒታዊ ወይ ጾታዊ ዝምድናዝምድና2 ሰባት ኣብ ዝምድና ምስ ዝህልዉ፡ ንሳቶም ኣብ ንሓድሕዶም ምትእስሳር ኣለዎም። ንሳቶም መጻምዲ…ብዙሕ ምንባብ ዘለዎም 2 ሰባት ዝፍጠር ዓይነት ጎነጽ እዩ። ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባርኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባርእዚ፡ ሓደ ሰብ ንመጻምዱ/ዳ ክጎድእ፡ ከዋርድ ወይ ሸለል ክብል ከሎ/ላ፡ ወይ ንእኡ/ንእኣ ንጾታዊ…ብዙሕ ምንባብ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ መንጎ እቶም መጻምዲ ማዕርነትማዕርነትእዚ፡ ኵሎም ሰባት ማዕረ ኰይኖም፡ ብኸምኡ ድማ ክትሓዙ እንከለዉ እዩ። እዚ ማለት ንስኻትኩም ደቂ-ተባዕትዮ…ብዙሕ ምንባብ ዘይምህላዉ እዩ ዘርእየና።

ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር ብሕጊ ክልኩል እዩ።

ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር፡ ኣብ ኩሎም ደረጃታትን ባህሊታትን ሕብረተሰባት ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም።

ዓይነታት ጎነጻዊ ተግባር ናይ መጻምዲ

ኣርባዕተ ዓይነታት ጎነጻዊ ተግባር ናይ መጻምዲ ኣለዉ:

  • ስነ-ኣእምሮኣዊ መጥቃዕቲ፡ ንኣብነት፡ ንመጻምድኹም ምጽራፍ፡ ምውራድ፡ ምፍርራሕ ወይ ድማ ዕሽሽ ምባል፡
  • ኣካላዊ መጥቃዕቲ፡ ንኣብነት፡ ምውቃዕ፡ ምጽፋዕ፡ ብሕማቕ ምሓዝ፡ መጻምድኹም ሓደ ነገር ጎዳኢ ነገራት ክገብሩ ወይ ክፍጽሙ (ንኣብነት፡ ኣዝዩ ኣብ ዝወዓየ ማይ ነብሱ ክሕጸብ ምግባር)፡
  • ጾታዊ ጎነጻዊ ተግባር፡ ንኣብነት፡ መጻምድኹም ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ክገብር ምግዳድ (ምዕማጽ) ወይ ስእለ-ጽዩፍ ክዕዘቡ ምስግዳድ፡
  • ቊጠባዊ ጎነጻዊ ተግባር፡ ንኣብነት፡ ብገዘብኩምን ብገንዘብ መጻምድኹም፡ ኣንጻር ድሌትኩም ውሳነ ምውሳድ፡ ኣንጻር ፍቓድኩም ምውሳን፡ ንኣስቤዛ ዝኸውን እኹል ገንዘብ ዘይምቕራብ፡ ኣገደስቲ ኣቕሑ ከይትዕ ምኽልካል።

ጎነጻዊ ተግባር ናይ መጻምዲ ምፍታሕ

ዝርርብኩም ናብ ጎንጺ ዘምርሕ እንተመሲሉ፡ ዋላ ንሓጺር ግዜ ናብ ውሑስ ቦታ ኪዱ። ኣብ ውሑስ ቦታ ምስ ኣዕረፍኩም፡ እንታይ ክትገብሩ ከምእትደልዩን ከምዘለኩምን ክትሓስቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ባዕልኻ መፍትሒ ክትገብሉ ከቢድ እዩ። ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ናይ ምድግጋም ተኽእሎ ኣለዎ። ምስ ከም ሓፈሻዊ ሓኪምሓኪምንሕሙማት ሰባት ከፍውስ ዝሰልጠነ ሰብ። ሓኪም መድሃኒታትክእዝዘ ይኽእል እዩ። ሓኪም ወዲ-ተባዕታይ ወይ ድማ…ብዙሕ ምንባብ፡ ምስ ፖሊስ ወይ ምስ መዕቆቢ ኩነታት ቅልውላው ዝኣመሰሉ ሞያዊ ኣገልግሎታት ተራኸቡ። እንተደሊኹም፡ ንሓደ እትኣምንዎ ሰብ ከፋንወኩም ወይ ከሰንየኩም ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ጎነጻዊ ተግባር ናይ መጻምዲ ዝምልከት፡ ናብ ሓገዝ ዝህብ መስመር ቴለፎን ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።

እቶም ሞያውያን፡ ንዓኻትኩም ከይፈረዱ፡ ጽን ኢሎም ክሰምዕኹም እዮም። ብተወሳኺ፡ ስምጢርነትኩም እውን ከኽብሩልኩም እዮም።

ካብቲ ጎነጻዊ ተግባር ንምርሓቕ፡ ዝምድናኹም ክትበትኩ ወይ ምስ መጻምድኹን ክትፈላለዩ ናይ ግድን ኣይኮነን። ዝኾነ ዓይነት ውሳነ ክትውስኑ እንከለኹም፡ ብዛዕባ ናይ ባዕልኹም (ከምኡ’ውን ናይ ቈልዑኹም) ውሑስነትን ድሕነትን ክትሓስቡ ኣለኩም።

ሕማቕ ዝገበርኩም ኮይኑ እንተተሰሚዑኩም፡ እንተሓፊኩም፡ ወይ ርእሰ-ምትእምማንኩም እንተነክዩ፡ ንገዛእ-ርእስኹም ኣይትውቀሱ። እዞም ስምዒታት እዚኣቶም፡ ልሙዳት ውጽኢት ጎነጻዊ ተግባር ናይ መጻምዲ እዮም።

መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ንስኻትኩም እንተ ኮይኩም፡ ኣብ ቀጻሊ ጎነጻዊ ተግባር ናይ መጻምዲ ካብ ምፍጻም ንኽትቁጠቡ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሞያዊ ደገፍ ንምርካብ ሕተቱ።