ክንክን ቆልዓ ድሕሪ ሕርሲ
ውልድ ምስ በለ
ኣብታ ናይ መጀመርያ ሰዓት፡ ቆልዓኺ ኣብ ጎንኺ ተጋዲሙ ጡብኪ ክጠቡ ክጅምር ይኽእል እዩ። ድሕሪ ሓደ ሰዓት፡ ቆልዓኺ ይምርመርን ይምዘንን።
- እታ መሕረሲትመሕረሲትንጥንስቲ ሰበይቲ ቅድሚ፡ ኣብ ግዜን፡ ድሕርን ሕርሲ እትሕግዛ ስልጠና ዝወሰደት ሰብ። መሕረስቲ መድሃኒት…ብዙሕ ምንባብ ናይቶ ቆልዓ ስርዓተ-ምስትንፋስ፡ ሕብሪ ቆርበት፡ ናይ ጭዋዳ ውጥረት፡ ህርመት ልቢን ንምትንኻፋት ዝህቦ ምላሽን ትምርምር። ነቲ ቆልዓ ቪታሚን ከይ እውን ትህቦ።
- እቲ ቆልዓ ክዳን ይኽደን ወይ ከኣ ብኮበርታ ይጥቕለል።
- ሽዕኡ ንስኺ ወይ መጻምድትኺ ነቲ ቆልዓ እንደገና ክትሕዝዎ ትኽእሉ። ድሕሪ እቲ ብመጥባሕቲ ዝግበር ሕርሲሕርሲመስርሕ ሕርሲ ወይ ምውላድ ዕሸል።ብዙሕ ምንባብ (መጥባሕታዊ ወሊድ) እቲ ቆልዓ ምስ መጻምድትኺ ይጸንሕ።
- ንስኺ ገለ ነገር ክትበልዒን ክትሰትዪን ኣለኪ። ኩሉ መርመራታት ውጽኢቱ ጽቡቕ እንተኾይኑ፡ ኣካላትኪ ክትሕጸቢ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ሆስፒታል እንድሕር ሓሪስኪሞ ዋላ ሓንቲ ሕክምናዊ ምኽንያታት እንድሕር ዘየለዉ፡ ምስ ሓረስኪ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ንገዛኺ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።
-
ብመጥባሕቲ እንድሕር ሓሪስኪ፡ ንገለ መዓልቲታት ኣብቲ ሆስፒታል ትጸንሒ፡ ሽዑ ኣብኡ ምስ ቆልዓኺ ሕክምናዊ ክንክን ክትረኽቢ ኢኺ። ኣብ ብዙሓት ሆስፒታላት፡ መጻምድትኺ እውን ለይቲ ምሳኺ ክሓድር ይኽእል እዩ።
ንቈልዓኣ ጡብ እተጥቡ ጓለንስተይቲ።
1. ኣብተን ዝስዕባ ሰሙናት
ኣብ ገዛኺ እንተሃሊኺ፡ እታ ናይ ኣደነት ተሓጋጋዚት ኣብታ ቀዳመይቲ ሰሙን መዓልታዊ ንገዛኺ እናመጸት ትርእየኪ። ቆልዓኺ ኣብ ምክንኻን ትሕግዘኪ ከምኡ ድማ ጥዕናኺ ትፍትሽ። እታ መሕረሲት ከመይ ከምዘለኺ ንምርኣይ ካልእ መዓልቲ ብቐጻሊ እናመጸት ትርእየኪ።
- ድሕሪ ወሊድ ኣብ ዘሎ ክሳዕ 5 መዓልቲ፡ ቆልዓኺ ክብደቱ ክንኪ ይኽእል እዩ። እዚ ንቡር እዩ።
- ኣብታ ቀዳመይቲ ሰሙን እቲ ቆልዓ ናይ ምስማዕ ዓቕሙ ይምርመር ከምኡ ድማ ምስ ምሕቓቕ መግቢ ዝተኣሳሩ ሕማማት ከይህልዉዎ እውን ይምርመር። እታ ናይ ህጻናት ነርስነርስንሕሙማት ሰባት ኣብ ምክንኻን ከም ስርሓ ስልጠና ዝወሰደት ሰብ። ነስር መድሃኒት ክትእዝዘልካ ኣይትኽእል…ብዙሕ ምንባብ ናይ ምስማዕ ዓቕሙ ንምፍላጥ ምርመራ ትገብረሉ ከምኡ ድማ ቁሩብ ደምደምቀይሕ ፈሳሲ ኣገዳሲ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ኣካላትና ዘለዎ፡ ንኣብነት ናብ መላእ ኣካልት ኦክስጅን…ብዙሕ ምንባብ ትወስደሉ።
ክንክን ነታ ኣደ
- ድሕሪ 8-10 መዓልቲታት እታ ናይ ኣደነት ተሓጋጋዚትን እታ መሕረሲትን ናብ ገዛኺ ምምጻእ ይሓድጋኦ።
- ኣብተን ናይ መጀመርያ 6 ሰሙናት፡ እታ መሕረሲት ናይታ ኣደ ብዝምልከት ሓላፊነት ትሽከም። ኣብዘን 6 ሰሙናት፡ እታ መሕረሲት ደገፍ ትገብረልኪ።
- ምስ ወለድኪ ድሕሪ ኣስታት 6 ሰሙን ናይ መወዳእታ ምርመራ ንምግባር ናብ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ናብ ናይ ማህጸንማህጸንኣብ ውሽጢ ማህጸን ናይ ጓለንተይቲ 'እቲ ዕሸል ክዓብየሉ ዝኽእል ቦታ እዩ።ብዙሕ ምንባብ ሓኪምኪ ትኸዲ።
- ድሕሪ 6 ሰሙን እቲ ናይ ምክንኻን ሓላፊነት ናብ በዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ይሰግር። ሕቶታት እንሃልዮምኺ ወይ ከኣ ደገፍ እንተደሊኺ ምስ በዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ተዘራረቢ።
ክንክን ቈልዓ
ንቆልዓኺ ክንክን ጥዕናጥዕናኣብ ከባቢኻ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጽቡቕ ስምዒት ክስምዓካ ከሎ። ጥዕና ካብ ዘይምሕማም ንላዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ናይ ምግባር ሓላፊነት እቲ ማእከል ጥዕና ምምሕዳር ከተማ ይርከቦ። እታ ናይ ህጻናት ነርስ ቆልዓኺ ኣስታት 2 ሳምንታት ምስገበረ ናብ ገዛኺ መጺኣ ክትላለየኪ እያ።