ፍትሕ
ናይ ኔዘርላንድስ ሕጊሕጊእንታይ ክትገብር ከም ዝለካን እንታይ ክትገብር ከም ዘይብልካን ዝነግረካ መመርሒ። ነፍሲወከድ ሃገር እተፈላለየ…ብዙሕ ምንባብ
ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ሓዳርኩም ከተቋርጽዎ እንተ ደሊኹም፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከይድኩም ፍትሕፍትሕናይሓዳር ዝምድናሕጋዊ ምቊራጽ። ድሕሪ ፍትሕ፡ ካልእ ክትምርዖ ትኽእል።ብዙሕ ምንባብ ክትጠልቡ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ፍትሕ ጠለብ ንምቕራብ፡ ሓደ ወይ ክልቲኦም መጻምዲ ክውስንዎ ዝኽእሉ እዩ። ብመሰረት መስርሕ ፍትሕ፡ እቲ ዳይና ስለምንታይ ክትፋታሑ ከምዝደለኹም ኣየጻሪን እዩ። እዚ ማለት፡ እቲ ካልእ ወገን ነቲ ፍትሕ ክዓግቶ ኣይኽእልን ማለት እዩ።
ናይ ፍትሕ ሕቶኻ/ኺ ብጠበቓኺ/ኻ ናብ ቤት-ፍርዲ ብምልኣኽ ፍትሕ ትሓትት/ቲ። እቲ ጠበቓ ሕቶኺ/ኻ ናብ ቤት-ፍርዲ የቕርበልኩም። ንስኻን መጻምድኻን ብሓባር ዲኹም ናይ ፍትሕ ሕቶ ተቕርቡ ዘለኹም፧ ከምኡ እንተኾይኑ፡ 1 ጠበቓ ጥራይ እዩ ዘድልየኩም። ሓደኹም ጥራይ እንተኾንኩም ናይ ፍትሕ ሕቶ ተቕርቡ ዘለኹም ወይ ድማ ንሓድሕድኩም ክትሰማምዑ እንተዘይክኢልኩም፡ ነናይ ባዕልኹም ጠበቓ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።
እንድሕር ዘይተስማዕሚዕኹም ኣብ ቤት-ፍርዲ ቀሪብኩም ቃልኩም ክትህቡ ኢኹም። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያኦም ሓሰቦም ከቕርቡ ዝግብኦም ዕድሚኦም ካብ 12 ክሳዕ 18 ህጻናት እንተሃልዮም እውን፡ ኣብ መጋባእያ ቤት-ፍርዲ ምቕራብ ከድሊ እዩ። ጉዳይ ኣተዓባብያ እቶም ቈልዑ፡ ናይቲ መደብ ወላድነት ኣካል እዩ። ናብ ቤት-ፍርዲ ምቕራብ ዘይከድሊዶ ይኽእል፧ ኣብ ከምኡ ዓይነት ኣጋጣሚ፡ እቲ ዳይና ኣብ ሕቶኹም ተደሪኹ ውሳነ ከሕልፍ እዩ። ክልቴኹም ናይቲ ዳይና ውሳነ ብጠበቓኹም ኣቢልኩም ትቕበሉ። ነቲ ውሳነ እንድሕር ዘይትቕበልዎ ኰይንኩም፡ ናይ ይግባይ ሕቶ ምሕታት ይከኣል እዩ።
ወዲ-ተባዕታይን ጓለንስተይቲን፡ ናይ ፍትሕ ስምምዕ ንምግባር ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሳምዕ ኣለዉ።