ኣጥባት
ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ኣፍ-ልበን ክልተ ፈኮስቲን ከበብትን ኣጥባትኣጥባትእተን 2 ህዋሳት ኣደን ንውላዳ ድሕሪ ሕርሲ እትምግበለን። ኣጥባት ተነቀፍቲ እየን፡ ንጓል ኣንስተይቲ…ብዙሕ ምንባብ ኣለዉወን። ነፍሲ-ወከፍ ጡብ እዞም ዝስዕቡ ዝሓዘት እያ፦
ስብሒ፡ ጡባዊ ጽኪታትን ኣብቲ ውሽጢ ጡብ ዝርከቡ መትረባት ጸባን፦
- ጡባዊ ጽኪታት፦ ጸባ ጡብጸባ ጡብካብ ጡብ ጓለንስተይቲ' ዝወጽእ ጸባ። ደቂ-ኣንስትዮ ንህጻናተን ብጸባ ጡበን ክምግብኦም ይኽእላ።ብዙሕ ምንባብ ዘመንጭዉ ደቀቕቲ ኣካላት፡
- መትረባት ጸባ፦ ጸባ ናብ ጫፍ-ጡብ ዘውሕዙ ደቀቕቲ ትቦታት፡
ጫፍ-ጡብን ኣብ ደጋዊ ክፋል ጡብ ዝርከብ እግሪ ጫፍ-ጡብን፡
- ጫፍ-ጡብ፦ ኣብ ማእከል ጡብ ዝርከብ ንእሽቶ ውጥውጥ ዝበለ ኣካል፡
- እግሪ ጫፍ-ጡብ፦ ኣብ ዙርያ ጫፍ-ጡብ ዝርከብ ጽልም ዝበለ ክባዊ ኣካል።

ጠጠው ዝበለት ሰበይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ኣጡባት እዩ።

ውሽጣዊ ዝርከቡ ኣካላት ጡብ ድማ፡- 1. ጡባዊ ጽኪታት፡ 2. መትረባት ጸባ እዮም።

ግዳማዊ ክፍሊታት ጡብ፡ 3. ጫፍ-ጡብ 4. እግሪ ጫፍ-ጡብ
ናይ ኣጥባት ስራሕ
ኣጥባት 2 ስራሕ ኣለወን፡-
- ሓንቲ ኣደ፡ ንህጻና ጡብ ብምጥባው ጸባ ክትምግቦ ትኽእል እያ።
- እተን ጫፍ ናይ ኣጥባት ኣዝየን ተነካእቲ እየን። ነተን ጫፍ ናይ ኣጥባት ምትንካፍ ወይ ምድርራዝ ነታ ጓለንስተይቲ ጾታዊ ባህታ ክፈጥረላ ይኽእል እዩ። እታ ጓለንስተይቲ፡ እንተ ደኣ ስምዒታ ልዒሉ፡ ጫፍ ናይ ኣጥባት መሊሰን ይተራ። ብዘይካ’ዚ፡ እትነ ጫፍ ናይ ኣጥባት ብኻልእ ምኽንያታት እውን ክተራ ይኽእላ እየን። ንኣብነት፦ እታ ጓለንስተይቲ ቁሪ እንተተሰሚዑዋ።
ዓይነታት ኣጥባት
ናይ ኩለን ደቂ-ኣንስትዮ ኣጥባት ዝተፈላለያ እየን። ኣጡባት ኣናእሽቱ ወይ ዓበይቲ ወይ ድማ ከቢብ ወይ ሙጥሙጥ ዝበለ ክኾኑ ይኽእሉ። እንታይ ይመስሉ፡ ንዕማማቶም ኣገዳሲ ኣይኮነን።

እተፈላለዩ ኣጥባት፡ ንእሽቶይን ወጥዋጥን ኣጥባት

እተፈላለዩ ኣጥባት፡ ዓበይቲ ኣጥባት

እተፈላለዩ ኣጥባት፡ ማእከላይ ዝግዝፎም ክንዲ ፍረ ፔረ ቅርጺ ዘለዎም (ቁሩብ ሙጥሙጥ ዝበሉ) ኣጥባት

እተፈላለዩ ኣጡባት፡ ማእከላይ ዝግዝፈቶም ከበብቲ ኣጥባት
ኣጥባት ኣብ እዋን ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ
ኣብ እዋን ጥንሲ እቶም ኣጥባት ጸባ ንምምንጫው ይዳለዉ። ንሳቶም፦
- ግዝፎም እናወሰኸ ይኸይድ፡
- ኣዝዮም ተነካእቲን ገለ ግዜ’ውን ኣቐንዘውቲን ይዀኑ እሞ፡
- ውሑድ ጸባ ከውጽኡ ክጅምሩ ይኽእሉ።