ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ንቈልዓኽን ጡብ ምጥባው

ኮፍ ኢልኪ ወይ ተገዲምኪ

ኮፍ ኢልክን ወይ ተገዲምክን ጡብ ከተጥብዋ ትኽእላ ኢኽን።

ጡብ ምጥባው ኣብነት ቊጽሪ 1፦ እታ ኣደ ኮፍ ኢላ፡ እቲ ቈልዓ ከኣ ብኣእዳዋ ሓቚፋቶ ኣላ።

ጡብ ምጥባው ኣብነት ቊጽሪ 2፡ እታ ኣደ ኮፍ ኢላ ኣላ፡ እቲ ቈልዓ ኸኣ ኣብ ጎድና ተገዲሙ ኣሎ።

ጡብ ምጥባው ኣብነት ቊጽሪ 3፡ እታ ኣደን እቲ ቈልን ተገዲሞም ኣለዉ።

ብኸመይ ጡብ ተጥብዋ

ንቈልዓኽን ከምዚ ዝስዕብ ገይርክን ኣጥብዋኦ፦

  • ነቲ ቈልዓ ናባኽን ገጹ ኣቕሪብክን ሓዝኦ።
  • ነቲ ቈልዓ ኣፍንጫኡ ማዕረ ጫፍ ጥብክን ከምዝበጽሕ ገይርኪ ሓዝኦ።
  • እቲ ቈልዓ ኣፉ ከፊቱ ነቲ ጫፍ ጡብጫፍ ጡብንእሽተይ ዕንኳር ኣብ 'ማእከል ጡብ ናይ ደቂ ሰብ እያ። ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን 2 ጫፍ…ብዙሕ ምንባብ ክጠቡ ይጅምር።
  • እቲ ጫፍ ጡብን ዓብዩ ክፋል ናይ ኣብ ዙርያ ጫፍ ጡብ ዝርከብ ጡብን፡ ኣብ ኣፉ ኣእትዩዎ ኣሎ።
  • ናይ’ቲ ቈልዓ ከናፍር ንደገ ተኸቢሶም ኣለዉ። እቲ ቈልዓ ይጦቢ።

ቈልዓኽን ከምዝጠመየ ዘርእዩ ምልክታት

ኣብ መጀመርያ፡ መብዛሕቲኦም ዕሸላት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ካብ 2 ክሳብ 3 ሰዓታት ይምገቡ፡ ጸኒሖም ከኣ ኣብ ኣስታት ካብ 4 ክሳብ 6 ሰዓታት። ይኹን እምበር፡ ኩሎም ቈልዑ ዝተፈላለዩ እዮም። ነቲ ቈልዓ ኣብ ዝሓተተክን ግዜ መግባኦ።

ቈልዓኽን እንተ ደኣ ጠምዩ፡ ካብዞም ዝስዕቡ 1 ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ምልክታት ክትርእያ ከኣላ፡

  • ኣፍን መልሓስን ምውስዋስ፡
  • ኣእዳው ምልሓስ ወይ ምጥባው፡
  • ምሽቓል ወይ ምህዋኽ፡
  • ምብካይ።

ጥዑይ ምጥባው ጸባ ጡብጸባ ጡብካብ ጡብ ጓለንስተይቲ' ዝወጽእ ጸባ። ደቂ-ኣንስትዮ ንህጻናተን ብጸባ ጡበን ክምግብኦም ይኽእላ።ብዙሕ ምንባብ

ንቈልዓኽን ጥዑይ ጸባ ጡብ ንኽተመንጭዋሉ፦

  • ሽጋራ ኣይተትክኻ፡
  • ኣልኮል ኣይትስተያ፡
  • ሓሺሽ ኣይትጠቐማ፡
  • ንበዓል ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይ ንመሕረሲት ከየማኸርክን፡ መድሃኒት ኣይትውሰዳ፡
  • ኤች.ኣይ.ቪ ምስ ዝህልወክን፡ ዝበዝሑ ሓካይም ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ክንዲ ጸባ ጡብ ተጥብዋ፡ ናይ ቈልዓ ወይ ዕሸልዕሸልዝጸገየት እንቋቚሖ  እቲ ቀንዲ ክፋላት ናይ ህጻን እናርኣየት (ድሕሪ ናይ 3ይ ወርሒ ጥንሲ)።ብዙሕ ምንባብ ጸባ ክትጥቀማ እዮም ዝመኽሩኽን። እዚ ሜላ’ዚ ተኽእሎ ምትሕልላፍ ኤች.ኣይ.ቪኤች.ኣይ.ቪቫይረስ (ናይ ሰባት ናይ ሕማማ ምኽልኻል ዓቕሞም ዘሕጽር ቫይረስ) ንባህርያዊ ስርዓት ምክልኻል የጥቅዕ።…ብዙሕ ምንባብ ዘወግድ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ሓንቲ ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዋን ቫይረስቫይረስንኣካላት ከጥቕዑ ዝኽእሉ ኣዝዮም ንኣሽቱ ፍጡራት። ኣብ ወሃዮታት ኣካላት ብቐሊሉ ክራብሑ ዝኽእሉ እዮም።…ብዙሕ ምንባብ ኣብ ውሽጣ ዝተዓብጠን ኣደ፡ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ሓኪምሓኪምንሕሙማት ሰባት ከፍውስ ዝሰልጠነ ሰብ። ሓኪም መድሃኒታትክእዝዘ ይኽእል እዩ። ሓኪም ወዲ-ተባዕታይ ወይ ድማ…ብዙሕ ምንባብ ጸባ ጡብ ከተጥቡ ትኽእል እያ። ነዚ ኣመልኪትክን፡ ምስ ሓኪምክን / ክኢላ ኤች.ኣይ.ቪ ተረዳድኣ።

ጡብ ከተጥብዋ ዘይትኽእላ እንተኾንክን፡ ካልኦት ምስ ቄልዓኽን ክትቀራረባሉ እትኽእላ ካልኦት መገዲታት ኣለዉ።

ጡብ ምጥባውን መከላኸሊመከላኸሊስግኣት ናይ ረኽስታት፡ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ንምውጋድ ወይ ምጒዳል ዝዓለመ።ብዙሕ ምንባብ ጥንሲን

ድሕሪ ሕርሲሕርሲመስርሕ ሕርሲ ወይ ምውላድ ዕሸል።ብዙሕ ምንባብ፡ ኣብ ከባቢ 3 ሰሙናት ዳግማይ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ክትሕዛ ትኽእላ ኢኽን። ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ምስ እትፍጽማ፡ ዛጊት ዋላ ጽግያትጽግያትሓደ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ወሃዮ እንቋቊሖምስ ዝኣቱ የጋጥም። ዝተፋረየየ ወሃዮ እንቋቊሖ…ብዙሕ ምንባብ ኣይሃሉኽን ክትጠንሳ ትኽእላ ኢኽን።

ጡብ ምጥባውጡብ ምጥባውሓንቲ ኣደ ንውላዳ ኣብ ክንዲ ካብ ጥርሙዝ እተስትዮ፡ ካብ ኣጥባታ ጸባ ጡብ ክትምግቦ…ብዙሕ ምንባብ፡ ሓደ ካብ ሜላታት ተፈጥሮኣዊ ውጥን ስድራቤት እዩ። ይኹን’ምበር፡ እዚ ግን ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ኩነታት ጥራይ እዩ ዝሰርሕ፦

  • እዚ ብትኽክል እንተ ደኣ ተተግቢሩ፡ እዚ ሜላ እዚ፡ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ዘለዋ 6 ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ዝሰርሕ። ድሕሪ 6 ኣዋርሕ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀማ እቲ ዝተመርጸ እዩ።
  • ንዕሸልክን ጥራይ ከተጥብዋ ትግደዳ ኢኽን። እዚ ማለት፡ እቲ ቈልዓ ጸባ ጡብ ጥራይ ይምገብ ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ቈልዓ፡ ኣብ ግዜ ቀትሪ ዝጠብየሉ፡ ካብ ውሽጢ 4 ሰዓት ኣፈላላይ ክበዝሕ የብሉን፡ ኣብ ግዜ ለይቲ ዝምገበሉ ድማ ካብ ውሽጢ 6 ሰዓት ኣፈላላይ ክነውሕ የብሉን።
  • ጸባ ጡብ ክትሓልብኦ የብልክንን። ምሕላብ ጸባ ማለት ነቲ ጡብ ብኢድካ ጸሚቕካ ወይ ፓምፕ ተጠቒምካ ጸባ ካብ ጡብ ምምጣጥ ማለት እዩ።

እዞም ረቛሒታት እንድሕር ዘይተማልኣ ኰይንክን፡ ሕክምናዊ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲመከላኸሊ ጥንሲኣገባባትን ሜላታትን ምክልኻል ጥንሲ። ኮንዶምን መድሃኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣብነታት ጥንሲ ክንከላኸለሉ እንኽእል…ብዙሕ ምንባብ ተጠቐሚ። ኣብተን ጡብ እተጥብዋለን ኣዋርሕ፡ ኮንዶም ወይ ደቃቕ-ከኒናመርፍእ መከላኸሊ ጥንሲመርፍእ መከላኸሊ ጥንሲጥንሲ ንምግታእ ሆርሞን ዝሓዘ ኣብ ቅልጽም ወይ መቐመጫ ዝውጋእ ፈሳሲ (ናይ መከላኸሊ ጥንሲሓደ…ብዙሕ ምንባብ ወይ ኣብ ቅልጽም ዝቕበር መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀማ እቲ ዝሓሸ እዩ። ድሕሪ ምሕራስክን፡ ብቐጥታ ጥንሲ ክትሕዛ ትኽእላ ኢኽን። ብዛዕባ’ዚ፡ ምስ መሕረሲትክን ወይ ሓኪምክን ተዘራረባ። መድሃኒት ክእዝዙልክን ወይ መከላኸሊ ክገብሩልክን ይኽእሉ እዮም።