ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ

እቲ መከላኸሊመከላኸሊስግኣት ናይ ረኽስታት፡ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ንምውጋድ ወይ ምጒዳል ዝዓለመ።ብዙሕ ምንባብ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ከኒና እውን ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ

እቲ መከላኸሊ ጥንሲመከላኸሊ ጥንሲኣገባባትን ሜላታትን ምክልኻል ጥንሲ። ኮንዶምን መድሃኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣብነታት ጥንሲ ክንከላኸለሉ እንኽእል…ብዙሕ ምንባብ ከኒና ኵሉ ግዜ 21 ከኒና ዝሓዘ ባኮ እዩ። ሓደ-ሓደ ግዜ ሓደ ባኮ ተወሳኺ ከኒናታት ክሕዝ ይኽእል እዩ። 

እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና 2 ሆርሞናት ዝሓዘ እዩ። እዞም ሆርሞናት ጽፍዮ-እንቋቑሖ ይከላኸሉ። ዋህዮታት ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕጣይ ናብ ማህጸንማህጸንኣብ ውሽጢ ማህጸን ናይ ጓለንተይቲ 'እቲ ዕሸል ክዓብየሉ ዝኽእል ቦታ እዩ።ብዙሕ ምንባብ ንኸይኣትዉ ዚያዳ ዕንቅፋት ይፈጥሩን ከምኡ ድማ ማህጸን ንተኸላ እንቋቝሖ ዘይምቹእ ይገብሩዎን።

ብተወሳኺ 1 ሆርሞንሆርሞንብኣካላትና ዝፈሪ ነገር እዩ። ሆርሞናት ንዝተፈላለየ ስራሓት ኣካላት፡ ማለት  ንኸም ፍርያምነትን ጾታውነትንኣገዳሲ እዩ።…ብዙሕ ምንባብ ዝሓዘ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና እውን ኣሎ፡ ማለት ደቂቕ-ከኒና

ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ

ኣወሳስዳ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና

እቲ 21 ከኒናታት ዝሓዘ ባኮ በዚ ዝስዕብ መንገዲ ክውሰድ ኣለዎ:

  • መዓልታዊ 1 ከኒና ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ውሰዲ። እቶም መዓልቲታት ናይ ሰሙን ኩሉ ግዜ ኣብ ዝባን እቲ ባኮ ተጻሒፎም ኣለዉ። ከኒና ምውሳድ ከምዘይረሳዕኪ ኣብኡ ርኢኺ ከተራጋግጺ ትኽእሊ።
  • ድሕሪ 21 መዓልቲ (3 ሰሙን) እቲ ባኮ ይውዳእ።
  • ኣብቶም ዝቕጽሉ 7 መዓልቲታት (1 ሰሙን)፡ ዋላ ሓንቲ ከኒና ኣይወሰድክን። ኣብዚ ሰሙን ደምደምቀይሕ ፈሳሲ ኣገዳሲ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ኣካላትና ዘለዎ፡ ንኣብነት ናብ መላእ ኣካልት ኦክስጅን…ብዙሕ ምንባብ ካብ ርሕምኺ ክፈስስ ክጅምር እዩ (ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜ)። ኣብዚ ሰሙን ክትጠንሲ እውን ኣይትኽእሊን።
  • ድሕሪ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ዋላ ሕጂ እውን መድመይቲኺ እንተዘየቋረጸ፡ ሓዲሽ ባኮ ከኒናታት ትጅምሪ።
  • ነቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ስጕምቲታት ምኽታል ቀጽሊ።

መዓልታዊ 1 ከኒና ካብቲ ባኮ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ውሰዲ።

ድሕሪ 21 መዓልቲ (3 ሰሙን) እቲ ባኮ ይውዳእ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ወርሓዊ ጽግያትኪ ይጅምር። ድሕሪ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ዋላ ሕጂ እውን መድመይቲኺ እንተዘየቋረጸ፡ ሓዲሽ ባኮ ከኒናታት ትጅምሪ።

ኣተኣማማኒ

እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ብግቡእ እንተተጠቒምክሉ ኣታኣማማኒ እዩ።

እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ውጽኢታውነቱ ይንኪ፡ እንድሕር:

  • ኩሉ ግዜ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት እንድሕር ዘይትወስድዮ ኮንኪ (ብፍላይ እቲ ከኒና ካብቲ ኩሉ ግዜ እትወስድሉ ሰዓት ልዕሊ 12 ሰዓታት ደንጒኺ እንተወሲድክዮ);
  • እቲ ከኒና ምስ ወሰድኪ ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓታት እንድሕር ኣምሊስኪ;
  • እንድሕር ውጽኣትውጽኣትቀጢን ማያዊ ቀልቀል። ተቕማጥ ምስ እትሓምም፡ ካብ ልሙድ ንላዕሊ ናብ ሽቓቕ ክትከይድ ትግደድ።ብዙሕ ምንባብ ሓሚምኪ;
  • ከም St John’s wort ዝኣመሰሉ ገለ መድሃኒታት ትወስዲ ሃሊኺ። መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ትወስዲ ምህላውኪ ንሓኪምኪ ኣፍልጢ። መድሃኒት ክእዝዘልኪ እንከሎ ነዚ ኣብ ግምት ከእትዎ እዩ።
  • ከኒና ምውሳድ ረሲዕኪ።

ጾታዊ-ርክብ ክትገብሪ እንከለኺ ጥራይ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ምጥቃም ፈጺሙ ኣተኣማማኒ ኣይኮነን።

ኣተኣማማኒ

1 ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ከኒናታት ምውሳድ እንተረሲዕኺ ኸ?

እንተድኣ ረሲዕክዮ ጥንሲ ብግቡእ ክትከላኸሊ ኣይትኽእልን ኢኺ።  

  • ናይቲ ሓድሽ ሽራጥ ናይ መጀመርያ ከኒና;
  • ኣብተን ቀዳሞት 7 መዓልታት (1 ይ ሰሙን) ክልተ ወይ ልዕሊኡ ከኒናታት ናይቲ ሽራጥ;
  • ኣብ መንጎ 7 ይ መዓልቲን መበል 14 መዓልቲን (2 ይ ሰሙን) ሰለስተ ወይ ልዕሊኡ ከኒናታት ናይቲ ሽራጥ;
  • ኣብተን መወዳእታ ናይ 7 መዓልታት ክልተ ወይ ልዕሊኡ ከኒናታት ናይቲ ሸሪጥ (3 ይ ሰሙን)።

ኣብዘን ዝሓለፋ 5 መዓልታት ሓደ ካብ’ዞም ኵነታት ምስ ኣጋጠመኪ ጾታዊ-ርክብ ፈጺምኪ ኔርኪ ዲኺ፡ እንተፈጺምኪ ጥንሲ ናይ ምሓዝ ዕድል ኣለኪ። ጥንሲ ክትሕዚ እንተዘይደሊኺ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ (morning after pill) ተጠቐሚ። 

ነቲ ከኒና እንደገና ን 7 መዓልታት ብመስርዕ ምስ ወሰድክዮ፡ እንደገና ጥንሲ ናይ ምሓዝ ዕድል ኣይህልወክን። ኣብ እዋን እዘን 7 መዓልታት ጾታዊ-ርክብ ክትፍጽሙ ምስ እትደልዩ ኮንዶምኮንዶምወዲ-ተባዕታይ ኣብ ዝቐንዐ መትሎ ዝወድዮ ረቒቕ መሸፈኒ ፕላስቲክ እዩ። እቲ ኮንዶም፡ እቲ ወዲ-ተባዕታይ…ብዙሕ ምንባብ ተጠቐሙ።  

ኣብ 3 ይ ሰሙን ሓያለ ከኒናታት ምውሳድ እንተ ረሲዕኪ፡ 2 ነገራት ክትገብሪ ትኽእሊ: 

  • ነቲ ሽራጥ ኣይትወድእዮ ከምኡ ድማ ካብ 4 ክሳብ 7 መዓልታት ከኒና ካብ ምውሳድ ናጻ እትዀንሉ ሰሙን ኣለኪ። ብድሕሪኡ ብሓድሽ ሽራጥ ትቕጽልዮ።  
  • እንተድኣ እዚ ሽራጥ እዚ ተወዲኡ ከኒና ካብ ምውሳድ ናጻ እትዀንሉ ሰሙን ኣይህልወክን።

ኣብተን ዝቕጽላ 7 መዓልቲታት ጾታዊ-ርክብ ክትፍጽሚ እንተደሊኺ ኮንዶም ተጠቐሚ።

ኣብተን ዝሓለፋ 5 መዓልቲታት ዘይውሑስ ጾታዊ-ርክብ እንድሕር ፈጺምኪ ሞ ክትጠንሲ እንድሕር ዘይትደልዪ ኮንኪ...

ALT tekst in EN

ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ (morning after pill) ብቕልጡፍ ውሰዲ።

ካልእ ኵነታት ከ?

ረሲዕክዮ ዲኺ:  

  • 1 ከኒና፡ ግን እታ ናይ መጀመርያ ከኒና ናይቲ ሽራጥ ኣይኰነትን;
  • 2 ከኒናታት ኣብ 2 ይ ሰሙን (ካብ 7 ይ መዓልቲ ክሳብ መበል 14 መዓልቲ)?

ብድሕሪኡ እዚ ዝስዕብ ይትግበር: 

  • ዋላኳ ኣብ ሓደ መዓልቲ 2 ከኒናታት ምውሳድ ማለት እንተኾነ፡ እቲ ዝረሳዕክዮ ዳሕረዋይ ከኒና ኣብቲ ዝተጻሕፈልኪ ሰዓት ብቕልጡፍ ውሰድዮ። 
  • ኣብቲ ባኮ ዝተረፉ ከኒናታት በቲ ልሙድ ሰዓት ምውሳድኪ ቀጽሊ።  
  • ካብ ዘይተደልየ ጥንሲ ተሓሊኺ ኣለኺ። 
  • ኣብተን ዝሓለፋ ሒደት መዓልቲታት ዘይውሑስ ወሲብ ፈጺምኪ እንተኔርኪ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ (morning after pill) ኣየድልየኪን።

ዋላኳ ኣብ ሓደ መዓልቲ 2 ከኒናታት ምውሳድ ማለት እንተኾነ፡ እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣብቲ ዝተፈለጠኪ ሰዓት ብቕልጡፍ ውሰድዮ።

ኣብቲ ባኮ ዝተረፉ ከኒናታት በቲ ልሙድ ሰዓት ምውሳድኪ ቀጽሊ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ሰሙናት ናይቲ ባኮ 2 ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ከኒናታት ምውሳድ እንተረሲዕኪ፡ ናይ ክንክን ብዓል-ሞያ ጥዕናጥዕናኣብ ከባቢኻ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጽቡቕ ስምዒት ክስምዓካ ከሎ። ጥዕና ካብ ዘይምሕማም ንላዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ኣዘራርቢ። 

ከኒና ምውሳድ ብተደጋጋሚ ትርስዒ እንተኾንኪ፡ ገለ መዘኻኸሪ ተጠቐሚ ወይ ከኣ ብዛዕባ ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ መከላኸሊ ጥንሲ ምስሓኪም ተዘራረቢ። 

ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ጉድኣት የለን

እቲ ከኒና ሆርሞናት ዝሓዘ እዩ። እዞም ሆርሞናት ኣብ ጥዕናኺ ጉድኣት ዘስዕቡ ኣይኮኑን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ምምራጽ ዝሓሸ እዩ። ምኽሪ ንምርካብ ንሓኪም ሕተቲ

እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ጽግያትኪ ከምዝንኪ ኣይገብርን። ክትጠንሲ እንተደሊኺ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ክኒንኣ ምውሳድ ኣቋርጺ።

እዚ ከኒና ምውሳድኪ ክብደት ኣካላትኪ ከምዝውስኽ ኣይገብርን።

እዚ ከኒና ምውሳድ ጸጉሪ ኣካላትኪ ከምዝውስኽ ኣይገብርን።

ኣብተን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ዝወሰድክለን ናይ መጀመርያ ኣዋርሕ፡ እቲ ከኒና ከም ምልስላስኣጥባት፡ ኣብ መንጎ ወርሓዊ ጽግያት ቅሩብ መድመይቲ፡ ሕማምሕማምናይ ሓደ ሰብ ኣካላት፡ 'ክፍሊ ኣካላት ወይ ድማ ኣእምሮ ከም’ቲ ዘግብኦ እንተድኣ ዘይሰርሕ…ብዙሕ ምንባብ ርእሲን ምዕውልዋልን ዝኣመሰሉ ጎድናዊ ሳዕቤናት ክፈጥር ይኽእል እዩ። እዞም ሳዕቤናት ኩሉ ግዜ ብቕጽበት እዮም ዝጠፍኡ። ክጠፍኡ እንተዘይክኢሎም፡ ንሓኪም ኣማኽሪ። እተፈላለዩ ዓይነታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታት ኣለዉ። ምስ ሓኪምሓኪምንሕሙማት ሰባት ከፍውስ ዝሰልጠነ ሰብ። ሓኪም መድሃኒታትክእዝዘ ይኽእል እዩ። ሓኪም ወዲ-ተባዕታይ ወይ ድማ…ብዙሕ ምንባብ ብምዝርራብ፡ ንዓኹም ዝበለጸ ዝሰማመዐኩም መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ወርሓዊ ጽግያትኪ ዝበዝሕ ግዜ ፈኲስን ብዙሕ ቃንዛ ዘይብሉን ይኸውን።

ኤች.ኣይ.ቪን ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክከላኸል ኣይኽእልን

እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ወይ ኤች.ኣይ.ቪ ክከላኸል ኣይክእልን። ኮንዶም ጥራይ እዩ ክከላኸለልካ ዝኽእል። 

ኮንዶም

ደቂቕ-ከኒና

ደቂቕ-ከኒና እውን ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ። ምስቲ ስሩዕ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ተመሳሳሊ እዩ ግን ባኮ ደቂቕ-ከኒናታት 21 ዘይኮኑስ 28 ከኒናታት ዝሓዘ እዩ።

እቲ ደቂቕ-ከኒና 1 ሆርሞን ዝሓዘ እዩ። እቲ ሆርሞን ጽፍዮ-እንቋቝሖ ይከላኸልን ዋህዮታት ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይእዚ፡ 'ሓደ ወዲ ተባዕታይ ዘርኢ ከፍስስ ከሎ፡ ካብ መትሎኡ ዝወጽእ ሓፊስ ጻዕዳ ፈሳሲ።…ብዙሕ ምንባብ ናብ ማህጸን ኣትዮም ምስ ዋህዮ እንቋቑሖ ከይራኸቡ ዕንቅፋት ይፈጥረሎምን። ከምኡውን እቲ ማህጸን ንተኸላ ዋህዮ እንቋቑሖ ዘይምቹእ ይገብሮ። እቲ ኣብ 2 ሆርሞናት ዝሓዘ ስሩዕ ከናኒ ዘሎ ፍልልይ ኣብቲ ደቂቕ-ከኒና ካብ ምውሳድ ከኒና ናጻ እትዀንሉ ሰሙን የብሉን ከም ድማ ወርሓዊ ደም ኣይከደክን እዩ። እቲ ደቂቕ-ከኒና ልክዕ ከምቲ ስሩዕ ከኒና ውሑስ እዩ። 

ጡብ ተጥቡዊ እንተኮይንኪ ነቲ ደቂቕ-ከኒና ክትወስድዮ ትኽእሊ ኢኺ።

መብዛሕትኡ ግዜ ደቂቕ-ከኒና ዘስዕቦም ጎድናዊ ሳዕቤናት ዘይስሩዕ ወርሓዊ ጽግያትወርሓዊ ጽግያትኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ' ብርሕሚ ጓለንስተይቲ ደም ምፍሳስ። ወርሓዊ ጽግያት ብውሕዱ ንውሑዳት መዓልታት…ብዙሕ ምንባብ ከምኡ ድማ ምቁራጽ፡ ወይ ከኣ ምንካይ ወርሓዊ ጽግያትጽግያትሓደ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ወሃዮ እንቋቊሖምስ ዝኣቱ የጋጥም። ዝተፋረየየ ወሃዮ እንቋቊሖ…ብዙሕ ምንባብ እዮም። 

ደቂቕ-ከኒና

ኣወሳስዳ ደቂቕ-ከኒና

እቲ ደቂቕ-ከኒና በዚ ዝስዕብ መንገዲ ክውሰድ ኣለዎ:

  • መዓልታዊ 1 ከኒና ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ውሰዲ;
  • ድሕሪ 28 መዓልቲ (4 ሰሙን) ሓደ ባኮ ምስ ወዳእኪ፡ ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ ሓዲሽ ጀምሪ። እቲ ደቂቕ-ከኒና ኣብ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜኺ ምውሳድ ትቕጽሊ።

እቲ ደቂቕ-ከኒና ንልዕሊ 12 ሰዓታት ረሲዕክዮ ከይወሰድኪ እንተጸኒሕኪ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ትሑት ይኸውን።

መዓልታዊ 1 ከኒና ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ውሰዲ።

ድሕሪ 28 መዓልቲ (4 ሰሙን) ሓደ ባኮ ምስ ወዳእኪ፡ ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ ሓዲሽ ጀምሪ። እቲ ደቂቕ-ከኒና ኣብ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜኺ ምውሳድ ትቕጽሊ።

ምዕዳግ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲከኒና መከላኸሊ ጥንሲጥንሲ ዝከላኸል ከኒና (ምክልኻል ጥንሲ ናይ ኣገባብ)። መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ውጽኢታዊ ዝኸውን ሓንቲ…ብዙሕ ምንባብ

መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ክትዕድጊ እንተኮንኪ ናይ ስድራቤት ሓኪምኪ፡ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ወይ ድማ መሕረሲትመሕረሲትንጥንስቲ ሰበይቲ ቅድሚ፡ ኣብ ግዜን፡ ድሕርን ሕርሲ እትሕግዛ ስልጠና ዝወሰደት ሰብ። መሕረስቲ መድሃኒት…ብዙሕ ምንባብ ክትእዝዘልኪ የድልየኪ። እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ክትዕድግዮ ኣይትኽእሊን። እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣብ ቤት-ምድሓኒት ጥራይ ኢኺ ክትዕድግዮ ትኽእሊ።

ዕድሜኺ 21 ዓመት ክሳዕ ትገብሪ፡ መብዛሕትኦም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብናይ ጥዕና መድሕንኪ ዝሽፈኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ መጀመርያ ካብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ፖሊሲኺ ክኸፍለልኪ ዝኽእል መጠን ንላዕሊ (eigen risico) ዝኾነ ክፍሊት ክትከፍልዮ ኣለኪ። ክንደይ ዝኣክል ሽፋን ከምእትረኽቢ ንምፍላጥ ናብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ዝኣተወልኪ ብምኻድ ኣረጋግጺ። ካብ 21 ዓመት ዕድመ ንዳሓር፣ ተወሳኺ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ መድሕን እንድሕር ሃልዩኪ ጥራይ እዩ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ሽፋን ክትረኽቢ ትኽእሊ።

ሓታቲት ዕቑባ ወይ ከኣ ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ እትነብሪ ሰብ ዲኺ? ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ መከላኸሊ ጥንሲ ብናጻ ኢኺ ትወስዲ።

ኣብ ኔዘርላንድስ፡ እተፈላለዩ ዓይነታትን ንግዳዊ ምልክታት ዘለዎምን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታት ኣለዉ። እዚኦም ብኣውርኡ ብዋግኦም (ከከም ዓይነት ንግዳዊ ምልክታቶም፡ ናይ ጥዕና መድሕንኪን ኣብ ፖሊሲ መድሕን ጥዕናኺ ዝተቐመጠ ንስኺ እትኸፍልዮ ብጽሒትን(eigen bijdrage) ኣብ ዓመት ካብ 12 ክሳዕ 60 ዩሮ ይኽፈሎም) ይፈላለዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ንብዓል-ሞያ ጥዕና ኣዘራርቢ።