ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ

ህጹጽ ኩነታትህጹጽ ኩነታትቅልጡፍ ተግባር ዝሓትት ኩነታት። ንኣብነት፥ ሓንቲ ጓለነስተይቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከይተጠቕመት ጾታዊ ርክብ እንተፈጺማ’ሞ…ብዙሕ ምንባብ

ዘይውሑስ ጾታዊ-ርክብ እንተጌርኪ፡ ዘይሓሰብክዮ ጥንሲ ናይ ምሓዝ ቅስግኣተ-ሓደጋ ይህልወኪ።
ኣብቲ ናይ ጽግያት እዋንኪ ጾታዊ-ርክብ እንተ ፈጺምኪ ከምኡ ከኣ መከላኸሊ ጥንሲ እንድሕር ዘይተጠቒምኪ፡ ወይ ከኣ እቲ መከላኸሊመከላኸሊስግኣት ናይ ረኽስታት፡ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ንምውጋድ ወይ ምጒዳል ዝዓለመ።ብዙሕ ምንባብ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ገለ ጸገም እንተጋጢሙዎ ናይ ምጥናስ ስግኣተ-ሓደጋስግኣተ-ሓደጋሓደ ባህ ዘየብል ነገር ናይ ምግጣም ተኽእሎ፡ ንኣብነት ሓደ ሕማም።ብዙሕ ምንባብ ይህልወኪ።

እንታይ ክትገብሪ ኣለኪ?

ክትጠንሲ እንድሕር ደሊኺ: ዋላ ሓደ ነገር ኣይትግበሪ።

ክትጠንሲ እንተዘይደሊኺ ድማ፡ 2 ምርጫታት ኣለዉኺ:

  1. ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲመከላኸሊ ጥንሲኣገባባትን ሜላታትን ምክልኻል ጥንሲ። ኮንዶምን መድሃኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣብነታት ጥንሲ ክንከላኸለሉ እንኽእል…ብዙሕ ምንባብ ከኒና ውሰዲ።
  2. ናብ ሓኪምሓኪምንሕሙማት ሰባት ከፍውስ ዝሰልጠነ ሰብ። ሓኪም መድሃኒታትክእዝዘ ይኽእል እዩ። ሓኪም ወዲ-ተባዕታይ ወይ ድማ…ብዙሕ ምንባብ ኬድኪ ናይ ነሓስ IUD ግበሪ።

ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና

ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና “morning-after pill” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ።

ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ድሕሪ ዘይውሑስ ጾታዊ-ርክብ ዘጋጥም ናይ ምጥናስ ስግኣተ-ሓደጋ ይንኪ። ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ንጽፍዮ እንቋቝሖ የደናጉዮ። ኣቐዲምኪ ኣብ ጽፍዮ-እንቋቑሖ በጺሕኪ እንተጸኒሕኪ ግን ክትጠንሲ ተኽእሎ ኣሎ። ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ድሕሪ ጾታዊ-ርክብ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ውሰድዮ። ብቕልጡፍ እንድሕር ወሲድክዮ፡ ናይ ዘይምጥናስ ዕድልኪ ልዕል ዝበለ ይኸውን።

2 ዓይነት ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣለዉ:

  • ክሳዕ 3 መዓልቲ ድሕሪ ዘይውሑስ ጾታዊ-ርክብ ክውሰድ ዝኽእል ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና። እተፈላለ ንግዳዊ ሕላገት ዘለዎም ዓይነታት ኣለዉ። እቲ ብብሉጽነቱ ዝተፈልጠ ኖርለቮ/Norlevo እዩ። እቲ ከኒና ብዘተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ውሰድዮ። ድሕሪ ዘይውሑስ ጾታዊ-ርክብ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክውሰድ ይምረጽ። 
  • EllaOne ዝተባህለ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና። እዚ ከኒና ድሕሪ ጾታዊ-ርክብ ክሳዕ 5 መዓልቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ክትወስድዮ ይከኣል።

ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና

ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ምንጻል ጥንሲ ማለት ኣይኮነን። ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ጽፍዮ-እንቋቑሖ የቋርጽ ወይ ከኣ የደናጉይ። ምንጻል ጥንሲ ከኣ ብጭቡጥ ዝተፈጥረ ጥንሲ እዩ ዘበርዕን።

ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ካብ ቤት-መሸጣ መድሃኒት ወይ ከኣ ካብ ድኳን መድሃኒት ክውሰድ ይከኣል እዩ።

መከላኸሊ ጥንሲ

ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ድሕሪ ምውሳድኪ ዘይውሑስ ጾታዊ-ርክብ እንተጌርኪ፡ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ። ክሳብ ዝቕጽል ወርሓዊ ጽግያትኪ ዝመጻኪ ኮንዶም ተጠቐሚ። ካልእ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ እንተጀሚርኪ እውን ኮንዶምኮንዶምወዲ-ተባዕታይ ኣብ ዝቐንዐ መትሎ ዝወድዮ ረቒቕ መሸፈኒ ፕላስቲክ እዩ። እቲ ኮንዶም፡ እቲ ወዲ-ተባዕታይ…ብዙሕ ምንባብ ክትጥቀሚ ኣለኪ። ካብ ጥንሲ ንምድሓን መከላኸሊ ጥንሲ ብስሩዕ ን 7 መዓልታት ክትጥቀሚ ኣለኪ።

EllaOne ዝተባህለ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ምስ ወሰድኪ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናርሕማዊ ዓንኬል ወይ ከኣ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር ቅድሚ ምውሳድኪ ን 5 መዓልቲ ተጸበዪ። EllaOne ምስዞም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ እንድሕር ተወሲዱ ብግቡእ ኣይሰርሕን።

እዚ ማለት እቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ካልኦት ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ዝተሓተ ኣተኣማምነት እዩ ዘለዎ ማለት እዩ። ብተደጋጋሚ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ክትወስዲ እንተደሊኺ፡ ንዓኺ ብዝበለጸ ክሰማማዓኪ ዝኽእል ካልእ መከላኸሊ ጥንሲ ከይህሉ ፈትሺ

ናይ ነሓስ IUD

ብተወሳኺ ብዛዕባ ናይ ነሓስ IUD ንምዝርራብ ናብ ሓኪምኪ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። ናይ ነሓስ IUD ንተኸላ ዝጸገየ ዋህዮ እንቋቑሖ ይከላኸል። እዚ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ኩነታት እውን ዝሰርሕ ስሩዕ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። እዚ እንድሕር ተጠቒምኪ፡ እንተወሓደ ካብ 5 ክሳብ 10 ዓመታት ካብ ጥንሲ ናጻ ትኾኒ።

ናይ ነሓስ IUD

ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲረኽሲረኽሲ፡ ሓደ ጀርሚ ናብ ሰብነት ኣትዩ ዕንወት ምስ ኣስዓበ የጋጥም። ጀርም፡ ቫይረስ፡ ባልዕ፡…ብዙሕ ምንባብ ከምዘለኪን ከምዘይብልኪን ምፍላጥ

ዘይውሑስ ጾታዊ-ርክብ እንተጌርኪ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ናይ ምትሓዝ ስግኣተ-ሓደጋ ይህልወኪ። ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት መብዛሕትኡ ግዜ ንጹር ምልክታት የብሎምን። ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ኣለኒ ዝብል ጥርጣረ እንድሕር ኣለኪ ምርመራ ግበሪ።

ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ምዕዳግ

ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣስታት € 12 – € 20 ይውድእ። EllaOne ዝተባህለ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ዋግኡ € 25 ይበጽሕ። ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መሸጣ መድሃኒት ወይ ከኣ ካብ ድኳን መድሃኒት ክትዕድጊ ትኽእሊ።

ሓኪም ነት ናይ ነሓስ IUD ንኽገብረልኪ ካብ ኣስታት € 47 ክሳዕ € 120 የኽፍለኪ። ከከም ዓይነት ንግዳዊ ሕላገቱ፡ ሓድሽ ናይ ነሓስ IUD ንምግባር ድሕሪ ካብ 5 ክሳዕ 10 ዓመት ናብ ሓኪም ክትምለሲ ኣለኪ።

 

ዋግኡ ክንደይ እዩ?

ዕድሜኺ 21 ዓመት ክሳዕ ትገብሪ፡ መብዛሕትኦም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብናይ ጥዕናጥዕናኣብ ከባቢኻ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጽቡቕ ስምዒት ክስምዓካ ከሎ። ጥዕና ካብ ዘይምሕማም ንላዕሊ…ብዙሕ ምንባብ መድሕንኪ ዝሽፈኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ መጀመርያ ካብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ፖሊሲኺ ክኸፍለልኪ ዝኽእል መጠን ንላዕሊ (eigen risico) ዝኾነ ክፍሊት ክትከፍልዮ ኣለኪ። ክንደይ ዝኣክል ሽፋን ከምእትረኽቢ ንምፍላጥ ናብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ዝኣተወልኪ ብምኻድ ኣረጋግጺ። ካብ 21 ዓመት ዕድመ ንዳሓር፣ ተወሳኺ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ መድሕን እንድሕር ሃልዩኪ ጥራይ እዩ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ሽፋን ክትረኽቢ ትኽእሊ።

ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ክፍሊት ኣይምለሱን እዮም።