ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ናይ ነሓስ IUD

ናይ ነሓስ IUD ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ
ናይ ነሓስ IUD T-ቅርጺ ዘለዎ ፕላስቲክ ትቦ ኮይኑ ናይ ነሓስ ፈትሊ ዝሓዘ እዩ።

ብ 2 መንገዲታት ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ይከላኸል:

  • እቲ ነሓስ እቶም ዋህዮታት ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይእዚ፡ 'ሓደ ወዲ ተባዕታይ ዘርኢ ከፍስስ ከሎ፡ ካብ መትሎኡ ዝወጽእ ሓፊስ ጻዕዳ ፈሳሲ።…ብዙሕ ምንባብ ከይንቀሳቐሱ ይዓግቶም ከም ድማ ጽግያትጽግያትሓደ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ወሃዮ እንቋቊሖምስ ዝኣቱ የጋጥም። ዝተፋረየየ ወሃዮ እንቋቊሖ…ብዙሕ ምንባብ ይከላኸል። 
  • ብተወሳኺ እቲ ነሓስ ተኸላ ዋህዮ እንቋቑሖ ይኽልክል።

ናይ ነሓስ IUD

ናይ ነሓስ IUD ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ?

ሓኪምሓኪምንሕሙማት ሰባት ከፍውስ ዝሰልጠነ ሰብ። ሓኪም መድሃኒታትክእዝዘ ይኽእል እዩ። ሓኪም ወዲ-ተባዕታይ ወይ ድማ…ብዙሕ ምንባብመሕረሲትመሕረሲትንጥንስቲ ሰበይቲ ቅድሚ፡ ኣብ ግዜን፡ ድሕርን ሕርሲ እትሕግዛ ስልጠና ዝወሰደት ሰብ። መሕረስቲ መድሃኒት…ብዙሕ ምንባብ ወይ ከኣ ናይ ማህጸንማህጸንኣብ ውሽጢ ማህጸን ናይ ጓለንተይቲ 'እቲ ዕሸል ክዓብየሉ ዝኽእል ቦታ እዩ።ብዙሕ ምንባብ ሓኪም እቲ ናይ ነሓስ IUD ናብ ማህጸን እታ ጓለንስተይቲ ኣብተን ናይ መጀመርያ 12 መዓልቲታት ዑደታ የእትዎ። ቃንዛ ክህልዎ ስለዝኽእል፡ ጸረ-ቓንዛ ክወሃበኪ ይኽእል እዩ።

እቲ ናይ ነሓስ IUD ካብ 5 ክሳዕ 10 ዓመት የገልግል። ድሕሪ እዚ ግዜ ክትካእ የድሊ።

እቲ IUD ምስ ተሰኹዐ፡ 1 ወይ ከኣ 2 ሓጸርቲ ፈትሊታት ካብ ማህጸን ወጻኢ ይተርፉ። ኣብ ውሽጢ ርሕሚርሕሚኣካል ናይ ውሽጣዊ ጾታዊ ኣካልት ናይ ጓል ኣንስተይቲ። ርሕሚ ንማህጸን ምስ ግዳማዊ ኣካላት…ብዙሕ ምንባብ ጠሊቖም ይቕመጡ፡ ኣብኡ ምህላዎም እውን ይፍለጠኪ እዩ። እዚ ማለት እቲ IUD ኣብ ቦትኡ ምህላዉ ንምርግጋጽ ኩሉ ግዜ ክትፍትሽዮ ትኽእሊ ኢኺ እዩ።

ናይ ጓለነስተይቲ ጎሎ ብደቂቕ: 1. ናይ ነሓስ IUD፡ 2. ማህጸን፡ 3. ርሕሚ፡ 4. መሃንቱስ ከምኡ ድማ 5. ሻምብቆ ሽንቲ።

ጠጠው ዝበለት ሰበይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ጾታዊ ናውቲ ኣካላት እዩ።

ኣብ ማህጸን ዝተቐመጠ ነሓስ IUD። 1 ወይ ከኣ 2 ሓጸርቲ ፈትሊታት ካብ ማህጸን ወጻኢ ይተርፉ። ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ጠሊቖም ይቕመጡ።

ኣመና ኣተኣማማኒ

ናይ ነሓስ IUD ኣመና ኣተኣማማኒ እዩ። 

ኣመና ኣተኣማማኒ

ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ጉድኣት የለን

ናይ ነሓስ IUD ሆርሞናት ዝሓዘ ኣይኮነን።

ናይ ነሓስ IUD ጽግያትኪ ከምዝንኪ ኣይገብርን። እንተድኣ ክትጠንሲ ደሊኺ፡ ነቲ IUD ትኣልዮ።

ወርሓዊ ጽግያትኪ ቁሩብ ክብድ ዝበለን ዘቐንዙን ክኸውን ይኽእል።

ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን ግን ክከላኸል ኣይኽእልን

ናይ ነሓስ IUD ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ወይ ከኣ ኤች.ኣይ.ቪ ክከላኸለልኪ ኣይክእልን። ኮንዶምኮንዶምወዲ-ተባዕታይ ኣብ ዝቐንዐ መትሎ ዝወድዮ ረቒቕ መሸፈኒ ፕላስቲክ እዩ። እቲ ኮንዶም፡ እቲ ወዲ-ተባዕታይ…ብዙሕ ምንባብ ጥራይ እዩ ክከላኸለልክን ዝኽእል።

ኮንዶም

ናይ ነሓስ IUD ዋጋ

ሓኪም ወይ ከኣ መሕረሲት ነቲ ናይ ነሓስ IUD ካብ ኣስታት €47 ክሳዕ €120 ብዝበጽሕ ዋጋ ከገብሩልኪ ይኽእሉ። ከከም ዓይነት እቲ ኣቕሓ፡ ናይ ነሓስ IUD ንምውሳድ ካብ 5 ክሳዕ 10 ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ሓኪም ወይ ከኣ ናብ መሕረሲት ትምለሲ።

ዕድሜኺ 21 ዓመት ክሳዕ ትገብሪ፡ መብዛሕትኦም ሜላታት መከላኸሊመከላኸሊስግኣት ናይ ረኽስታት፡ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ንምውጋድ ወይ ምጒዳል ዝዓለመ።ብዙሕ ምንባብ ጥንሲ ብናይ ጥዕናጥዕናኣብ ከባቢኻ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጽቡቕ ስምዒት ክስምዓካ ከሎ። ጥዕና ካብ ዘይምሕማም ንላዕሊ…ብዙሕ ምንባብ መድሕንኪ ዝሽፈኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ መጀመርያ ካብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ፖሊሲኺ ክኸፍለልኪ ዝኽእል መጠን ንላዕሊ (eigen risico) ዝኾነ ክፍሊት ክትከፍልዮ ኣለኪ። ክንደይ ዝኣክል ሽፋን ከምእትረኽቢ ንምፍላጥ ናብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ዝኣተወልኪ ብምኻድ ኣረጋግጺ። ካብ 21 ዓመት ዕድመ ንዳሓር፣ ተወሳኺ ናይ መከላኸሊ ጥንሲመከላኸሊ ጥንሲኣገባባትን ሜላታትን ምክልኻል ጥንሲ። ኮንዶምን መድሃኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣብነታት ጥንሲ ክንከላኸለሉ እንኽእል…ብዙሕ ምንባብ መድሕን እንድሕር ሃልዩኪ ጥራይ እዩ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ሽፋን ክትረኽቢ ትኽእሊ። 

ዋግኡ ክንደይ እዩ?