ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ውሽጣዊ ጾታዊ ብልዕቲ ጓለንስተይቲ

ኣብ ውሽጢ ኣካላት ጓለንስተይቲ ዝርከቡ ብልዕቲ (ውሽጣዊ ብልዕቲ) እዚኦም እዮም፡-

  • ርሕሚርሕሚኣካል ናይ ውሽጣዊ ጾታዊ ኣካልት ናይ ጓል ኣንስተይቲ። ርሕሚ ንማህጸን ምስ ግዳማዊ ኣካላት…ብዙሕ ምንባብ
  • ክሳድ-ማህጸንማህጸንኣብ ውሽጢ ማህጸን ናይ ጓለንተይቲ 'እቲ ዕሸል ክዓብየሉ ዝኽእል ቦታ እዩ።ብዙሕ ምንባብ
  • ማህጸን፣
  • ሻምብቆ-ማህጸን፣
  • ማህደረ-እንቋቚሖ፣
  • ጉድበጉድበተኣፋፊት ኣካል ኰይና፡ ላዕለዋይ ክፋላ ኣብ መኽፈቲ ርሕሚ ብዓይኒ ዝርአ፡ ከምኡ ድማ ውሽጣዊ…ብዙሕ ምንባብ

ብተወሳኺ፡ እታ ጓለንስተይቲ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብዳ ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ ኣለዉ። እዚኣቶም ጾታዊ ብልዕቲ ኣይኮኑን፡ ግና ንጾታዊ ምቹኡነት ናይ’ታ ጓለንስተይቲን ጾታዊ ዕጋበታን ኣገደስቲ እዮም።

ጠጠው ዝበለት ሰበይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ጾታዊ ናውቲ ኣካላት እዩ።

ውሽጣዊ ጾታዊ ብልዕቲ ናይ ጓለንስተይቲ እዚኦም ዝስዕቡ እዮም፡- 1. ርሕሚ፡ 2. ክሳድ ማህጸን፡ 3. ማህጸን፡ 4. ሻምብቆ ማህጸን፡ 5. ማህደረ-እንቋቚሖ።

ርሕሚ

ርሕሚ፡ ትቦ ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ደጋዊ ኣካላት ናብ መእተዊ ማህጸን (ክሳድ ማህጸንክሳድ ማህጸንኣብ ታሕቲ ናይ ማህጸንዘሎ ጸቢብ መእተዊ፡ ማለት ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይ ርሕሚዝርከብ። ኣብ…ብዙሕ ምንባብ) ዘእቱ እዩ። ዕምቆቱ ድማ ኣስታት 10 ሴንቲ ሜትር እዩ።

ርሕሚ፡ ንሓድሕዶም ተቐራሪቦም ዝተዘርግሑ ተመጠጥቲ መናድቕ ኣለዉዋ። እቶም መናድቕ ክሽምረሩ (ነቲ ኣፍ ንኸጽብብዎዎ) ወይ ዝርግሕግሕ ክብሉ ይኽእሉ።

ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያታ እታ ጓለንስተይቲ ብርሕማ ገይራ ደምደምቀይሕ ፈሳሲ ኣገዳሲ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ኣካላትና ዘለዎ፡ ንኣብነት ናብ መላእ ኣካልት ኦክስጅን…ብዙሕ ምንባብ ተፍስስ።

ኣብ ኣፍ ደገ ርሕሚ፡ ልምሉም ሽፋን ኣካሊት ዝኾነ ኣካለ-ድንግልና ይርከብ።

ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብመትሎመትሎናይ ወድተባዕታይ ጾታዊ ኣካል። መትሎ ንጾታዊ ርክብ (ምፍሳስ ዘርኢ) ወይ ንምሻን ይጠቅም።ብዙሕ ምንባብ ወዲ-ተባዕታይ ናብ ርሕሚ ይኣቱ (ይስንጥቕ)።

ኣብ እዋን ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ፡ ህጻናት ብርሕሚ ኣቢሎም ይውለዱ።

ክሳድ ማህጸን

እቲ ክሳድ ማህጸን ካብ ርሕሚ ናብ ማህጸን ዝወስድ መገዲ እዩ።

እቲ እዋን ሕርሲሕርሲመስርሕ ሕርሲ ወይ ምውላድ ዕሸል።ብዙሕ ምንባብ፡ ክሳድ ማህጸን ዝበዝሕ ግዜ ይዕውን ይኽፈትን።

ማህጸን

ማህጸን፡ ንቑልቁል ኣፉ ናይ ዝተደፍአ ፍረ ፔረ ዝመስል ቅርጺ ኣለዎ።

ማህጸን፡ ኣብ እዋን ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ምስቲ ዕሸልዕሸልዝጸገየት እንቋቚሖ  እቲ ቀንዲ ክፋላት ናይ ህጻን እናርኣየት (ድሕሪ ናይ 3ይ ወርሒ ጥንሲ)።ብዙሕ ምንባብ ብሓንሳብ እናዓበየ ይኸይድ። ድሕሪ ሕርሲ፡ ማህጸን ናብ ንቡር ዓቐኑ ይምለስ።

ሻምብቆ ማህጸንሻምብቆ ማህጸንምስ ማህጸን ዝተራኸበ ኣካል። ሓንቲ ጓለንስተይቲ 2 ሻምብቆ ማህጸን ኣለዎ፡ 1 ኣብ ነፍሲ-ወከፍ…ብዙሕ ምንባብ

ሓንቲ ጓለንስተይቲ 2 ሻምብቆታት ማህጸን ኣለዉዋ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወገን ናይ ማህጸን ሓሓደ ይርከቡ።

ሻምቡቆ ማህጸን፡ ካብ ማህደረ-እንቋቚሖ ናብ ማህጸን ዋህዮ እንቋቑሖ ይወስድ።

ማህደረ-እንቋቚሖ

ሓንቲ ሰበይቲ 2 ማህደር እንቋቑሖ ኣለዋ። ነፍሲ-ወከፍ ማህደረ-እንቋቚሖ፡ ምስ ሻምብቆ ማህጸን ዝተራኸበ እዩ።

እቶም ማህደረ-እንቋቚሖ፡ መቐመጢ ዋህዮታት እንቋቚሖ እዮም። ሓንቲ ጓለንስተይቲ ክትውለድ እንከላ፡ ድሮ ኵሎም ዋህዮታት እንቋቚሖ እዩ ዘለዋ።

ማህደረ-እንቋቚሖ ክንዲ ፍረ ስትረውበሪ እዩ ዝኸውን።

ማህደረ-እንቋቚሖታት፡ ኣገደስቲ መፍረይቲ ሆርሞናት ጓለንስተይቲ እዮም። ንኣብነት፡ እዞም ሆርሞናት፡ ንቆርበትን ኣዕጽምቲን ዝጸልዉ ኮይኖም፡ ነቲ ኣካላት ብኸመይ ንጥንሲ ክዳለው ከምዘለዎ ይነግሩዎ። ኣብ እዋን ንጽፈተ-ጽግያትንጽፈተ-ጽግያትሓንቲ ጓለንስተይቲ ጠቕሊላ ካብ ወርሓዊ ጽግያት ደው ክትብል ከላ፡ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ከባቢ…ብዙሕ ምንባብ፡ ናይዞም ሆርሞናት ዋሕዲ፡ ሰንደልደል ምባልን ሃንደበታዊ ረስኒን ከስዕብ ይኽእል።

ጉድበ

ጉድበ፡ ኣካል ናይ ግዳማዊ ገጽታ ርሕሚ እዩ። ውትር ዝበለ ኣካል ኮይኑ፡ ካብ ውሽጢ እቲ ላዕላዋይ ጥራይ ዝርአ እዩ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ጉድበ፡ ኣብ ውሽጢ ኣካላት’ዩ ዝርከብ፡፡ እዚ ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ተነካእቲን ዕጋበት ፈጠርትን ክፍሊታት ኣካል ናይ ጓለንስተይቲ ኮይኑ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምሑጓስ ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት እዩ። ብመገዲ ምንቕቓሕ ወይ ብምርስሳን ጉድበ፡ እታ ጓለንስተይቲ ጥርዘ ስምዒትጥርዘ ስምዒትእቲ ዝለዓለ ጾታዊ ምልዕዓል። ንሱ ኣዝዩ ባህ ዘብል ስምዒት እዩ። ክሎም ጭዋዳታትካ ይጭበጡ።…ብዙሕ ምንባብ ክስምዓ ይኽእል። እዚ ንላዕለዋይ ወገን ጉድበ ብምትንካፍ ክፍጸም ይኽእል፡ እንተኾነ’ውን ብመገዲ ከናፍር ርሕሚ ይፍጸም እዩ።

1፡ ኣንፊ መትሎ ። 2፡ ውሽጣዊ ከናፍር ርሕሚ 3፡ ስምዒት ዘለዓዕሉ እኩባት ኣካሊት 4፡ ኣብ ድርኩዅት ርሕሚ ዝርከብ ስምዒት ዘለዓዕል ኣካሊት 5፡ ክፉት መትረብ ሽንቲ 6፡ ርሕሚ