ጓለንስተይቲ እትጸግየሎም መዓልቲታት
ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ ኣስታት 6 ክትጠንስሎም እትኽእሊ መዓልቲታት ኣለዉ: ኣስታት 5 መዓልቲ ቅድሚ ጽፍዮ-እንቋቑሖ ከም ኡድማ 1 መዓልቲ ድሕሪ ጽፍዮ-እንቋቑሖ። መዓስ ጥንሲ ክትሕዚ ከምእትኽእሊ ንምፍላጥ፡ ዝቕጽል ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ መዓስ ከምዝኸውን ምፍላጥ የድልየኪ። እዚ ንምግማቱ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ጽፍዮ-እንቋቑሖ ዝፍጠረሉ መዓልቲ ብኸመይ ትጽብጽብዮ
ናይ ወርሓዊ ጽግያትወርሓዊ ጽግያትኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ' ብርሕሚ ጓለንስተይቲ ደም ምፍሳስ። ወርሓዊ ጽግያት ብውሕዱ ንውሑዳት መዓልታት…ብዙሕ ምንባብ ዑደትኪ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ ዝጸንሐሉ ንውሓት መዓልቲታት ማዕረ እንተኾይኑ፡ መዓልቲ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምጽብጻብ ትኽእሊ ኢኺ። ጽፍዮ-እንቋቑሖ ካብቲ ዝቕጽል ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜ (ናይ ሓድሽ ዑደትዑደትኣብ ሞንጎ’ታ ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ ጓለንስተይቲ' ወርሓዊ ጽግያት ክሳብ’ታ ቀዳመይቲ መዓልታት ናይታ ትቕጽል…ብዙሕ ምንባብ መጀመርያ) ቅድሚ 14 መዓልቲታት እዩ ዝኽሰት።

ኣብነት 1 - ስሩዕ ዑደት 28 መዓልቲ: እቲ ጽፍዮ እንቋቑሖ ኣብ ከባቢ መበል 14 መዓልቲ ዑደትኪ ይኽሰት። ኣስታት 5 መዓልታት ቅድሚ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን 1 መዓልቲ ድሕሪ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን ኣብ ዘሎ ግዜ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብነት 2 - ስሩዕ ዑደት 23 መዓልቲ: እቲ ጽፍዮ እንቋቑሖ ኣብ ከባቢ መበል 9 መዓልቲ ዑደትኪ ይኽሰት። ኣስታት 5 መዓልታት ቅድሚ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን 1 መዓልቲ ድሕሪ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን ኣብ ዘሎ ግዜ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብነት 3 - ስሩዕ ዑደት 34 መዓልቲ: እቲ ጽፍዮ እንቋቑሖ ኣብ ከባቢ መበል 20 መዓልቲ ዑደትኪ ይኽሰት። ኣስታት 5 መዓልታት ቅድሚ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን 1 መዓልቲ ድሕሪ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን ኣብ ዘሎ ግዜ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።
ሓሙሽተ መዓልታት ቅድሚ ጽፍዮ-እንቋዉሖኺ ምኽሳቱን ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ ምኽሳቱን ኣብ ዘሎ ግዜ ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ምስ እትፍጽሚ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ክትሕዚ ትኽእሊ። ጽፍዮ-እንቋቝሖ መዓስ ከምዘጋጥም ኣቐዲምካ ክትግምቶ ኣጸጋሚ እዩ።
ምልክታት ጽፍዮ-እንቋቑሖ
ዑደትኪ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ ዘለዎ ንውሓት ግዜ ዝፈላለ እንተኾይኑ፡ ዝቕጽል ጽፍዮ-እንቋቑሖኺ መዓስ ከምዝኽሰት ክትግምቲ ኣይትኽእሊን። ኣብ እዋን ጽፍዮ-እንቋቑሖ ኣብ ኣካላትኪ ንዝፍጠሩ ምልክታት ጠመተ ግበሩሎም:
- ካብ ርሕምኺ ብዙሕ ፈሳሲ ትፍንዊ። እቲ ፈሳሲ ቁሩብ ንእንቋቑሖ ዝመስል ጻዕዳን ፍሕሶኣዊን እዩ;
- ሙቐት ኣካላትኪ ቁሩብ ይውስኽ;
- እቲ ክሳድ ማህጸንክሳድ ማህጸንኣብ ታሕቲ ናይ ማህጸንዘሎ ጸቢብ መእተዊ፡ ማለት ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይ ርሕሚዝርከብ። ኣብ…ብዙሕ ምንባብ ይብርኽን ኣብ ርሕሚርሕሚኣካል ናይ ውሽጣዊ ጾታዊ ኣካልት ናይ ጓል ኣንስተይቲ። ርሕሚ ንማህጸን ምስ ግዳማዊ ኣካላት…ብዙሕ ምንባብ ንኽፍለጠኪ ዚያዳ ኣጸጋሚ ይኸውንን። ቁሩብ ይርሕብን ይልስልስን።
ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ እዋን ጽፍዮ-እንቋቑሖ ቃንዛ ከብዲ (ናይ ጎሎጎሎክፋላት ኣካላት፡ ኣብ መንጎ ጎሎ ዘሎ እተዓጽፈ እኩብ ኣዕጽምቲ።ብዙሕ ምንባብ ቃንዛ) ይስመዐን።