መከላኸሊ ጥንሲ እንታይ እዩ፧
ውጥን ስድራቤትውጥን ስድራቤትስድራቤትካ ክትውጥን እንከለኻ፡ መዓስን ክንደይ ዝኣኽሉ ውሉድ ክህልዉኻ ከም እትደሊ ምውሳን ማለት’ዩ። ነዚ…ብዙሕ ምንባብ
መከላኸሊ ጥንሲ ንደቂ-ኣንስትዮ ካብ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ምሓዝ ይከላኸለለን።
ንስኺን መጻምድቲኽን ቆልዑት ክትወልዱ የድልየኩምዶ፡ መዓስ ክትወልዱዎም ኣለኩምን ክንደይ ክትወልዱ ኣለኩምን ክትውስኑ ትኽእሉ። እዚ ውጥን ስድራቤት ይበሃል። ጾታዊ-ርክብ ክትፍጽሙ እምበር፡ ቈልዓ ክትወልዱ መደብ እንድሕር ዘይብልኩም ኰይኑ፡ መከላኸሊመከላኸሊስግኣት ናይ ረኽስታት፡ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ንምውጋድ ወይ ምጒዳል ዝዓለመ።ብዙሕ ምንባብ ጥንሲ ብምጥቃም ጥንሲ ከተወግዱዎ ትኽእሉ ኢኹም።
መከላኸሊ ጥንሲመከላኸሊ ጥንሲኣገባባትን ሜላታትን ምክልኻል ጥንሲ። ኮንዶምን መድሃኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣብነታት ጥንሲ ክንከላኸለሉ እንኽእል…ብዙሕ ምንባብ ንጓል-ኣነስተይቲ ናይ ምጽጋይ ዓቕማ ኣይንክዮን። መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቓም ኣብ እተቋርጸሉ እዋን፡ ቈልዑ ክትወልድ ትኽእል እያ።
ምክልኻል ኤች.ኣይ.ቪን ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን
ኮንዶም ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ኰይኑ እንተላይ ብ ኤች.ኣይ.ቪ ንኸይትልከፉ ይከላኸልን ብጾታዊ-ርክብ ንዝመሓላለፉ ረኽሲታት የጕድልን።
ኮንዶም
እተፈላለዩ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ
እተፈላለየ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ኣለዉ። ንዓኺን ንመጻምድትኽን ኣየናይ ኣገባብ እዩ ዝበለጸ ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ። እቶም ሜላታት ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም፡ ንኣብነት:
- ብዋጋኦም;
- ብተረካብነቶም;
- ሜላ ኣጠቓቕማኦም።
መከላኸሊ ጥንሲ ንጥዕና ናይ ሓደ ሰብ ሕማቕ ኣይኰነን። ሓደ-ሓደ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ናይ ካልኦት ሰባት ብዝበለጸ ምስ ናይ ገለ ሰባት መነባብሮ፡ ዕድመን ኣካላዊ ኩነታትን ይሳነዩ።
መከላኸሊ ጥንሲ ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምኩምሉ እዩ ጽቡቕ ዝሰርሕ። በዚ ምኽንያት፡ ብዝበለጸ ምሳኹም ክሳነ ዝኽእል ሜላ ምምራጽ ኣድላዪ እዩ። ሓደ ሜላ እንድሕር ኣባኹም ዘይስአርሕ ኰይኑ፡ ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።
ካብ ብዓል-ሞያ ጥዕና ምኽሪ ሕተቲ። ብዓል-ሞያ ጥዕናጥዕናኣብ ከባቢኻ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጽቡቕ ስምዒት ክስምዓካ ከሎ። ጥዕና ካብ ዘይምሕማም ንላዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ዝዀነ ናትኩም ሓበሬታ ንኻልእ ሰብ ኣሕሊፉ ክህብ ኣይክእልን። ንሳቶም ናትኩም ሚስጥርነት ከኽብሩ ብሕጊ ግዴታ ኣለዎም። ብተወሳኺ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ምስ መጻምድትኹም ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ምዕዳግ መከላኸሊ ጥንሲ
ናይ ወዲ-ተባዕታይ ኮንዶምን ናይ ጓል-ኣነስተይቲ ኮንዶምን ብዘይ ናይ ሓኪምሓኪምንሕሙማት ሰባት ከፍውስ ዝሰልጠነ ሰብ። ሓኪም መድሃኒታትክእዝዘ ይኽእል እዩ። ሓኪም ወዲ-ተባዕታይ ወይ ድማ…ብዙሕ ምንባብ ትእዛዝ ካብ ቤት-መሸጣ መድሃኒት፡ ካብ ቀማማይ ወይ ከኣ ካብ ዓቢ ድኳን ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ኮንዶምኮንዶምወዲ-ተባዕታይ ኣብ ዝቐንዐ መትሎ ዝወድዮ ረቒቕ መሸፈኒ ፕላስቲክ እዩ። እቲ ኮንዶም፡ እቲ ወዲ-ተባዕታይ…ብዙሕ ምንባብ ካብ ኢንተርኔት እውን ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም፡ ንኣብነት https://www.condoomsenzo.nl/።
ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ናይ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ (morning after pill) እውን ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መድሓኒትመድሓኒትረኽሲ ወይ ሕማም መፈወሲ ዝኸውን ነገር። ንኣብነት ጸረ-ነፍሳት መድሃኒታት እዮም።ብዙሕ ምንባብ ወይ ካብ ቀማማይ ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። ብመሰረት ትእዛዝ ብዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ጥዕና፡ ንመብዛሕትኦም ካልኦት ዓይነታት መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ቤት-መሸጣ መድሃኒት ክትዕድጉዎም ትኽእሉ ኢኹም።