ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ምምራጽ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ

ንዓኺን ንደረጃ ህይወትኪን ዝሰማመዓኪ ዝበለጸ ሜላ መከላኸሊ ጥኝሲ ትመርጺ። እትጥቀምሉ ሜላ መከላኸሊመከላኸሊስግኣት ናይ ረኽስታት፡ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ንምውጋድ ወይ ምጒዳል ዝዓለመ።ብዙሕ ምንባብ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ኣብ ጉዕዞ ህይወትኪ ክቀያየር ይኽእል እዩ። ሜላ መከላኸሊ ጥንሲመከላኸሊ ጥንሲኣገባባትን ሜላታትን ምክልኻል ጥንሲ። ኮንዶምን መድሃኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣብነታት ጥንሲ ክንከላኸለሉ እንኽእል…ብዙሕ ምንባብ ክትመርጺ እንከለኺ እንታይ ዓይነታት ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ከምዘለዉን ነንገዛእ-ርእስኺ እንታይ ዓይነት ሕቶታት ክትሓቲ ከምዘለኪን ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። እቲ ምርጫምርጫካብ ዝተፈላለዩ ምርጫታት፡ ኣየናይ እዩ እቲ ዝበለጸ ወስኑ። ንኣብነት፡ ሰባት ውላድ ክህልዎምን ከይህልዎምን…ብዙሕ ምንባብ ናትኪ እዩ። ሓኪምኪ እውን ከማርጸኪ ይኽእል እዩ።

እቲ ዝበለጸ ምሳኺ ዝሳነ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ንምምራጽ፡ ንገዛእ-ርእስኺ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ሕተቲ:

  • ዕድመይ ክንደይ እዩ?
    መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ኣዝየን ጸገይቲ እየን። ዘተኣማምን ሜላ ምምራጽ ኣገዳሲ እዩ።
  • ረሳዒት ድየ?
    ዘይስሩዕ ሰዓታት ዘለዎ ስራሕ ኣለኒ ድዩ?
    ሓርኮትኮት ዝበዝሖ ናብራ ድየ ዝመርሕ ዘለኹ?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ እንከለኺ ብተደጋጋሚ ምዝካር የድልየኪ።
  • መጻምድቲመጻምድቲምሳኻ ኣብ ዝምድና ዘሎ ሰብ።ብዙሕ ምንባብ ቀቀልጢፈ ይቐያይር ድየ?
    መጻምድቲ ቀቀልጢፍኪ ትቐያይሪ እንተኰይንኪ ብጾታዊ-ርክብ ንዝመሓላለፉ ረኽሲታትናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኺ ይውስኽ። ገዛእ-ርእስኺ ካብ ብጾታ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ተኸላኸሊ
  • ሓለሓሊፈ ድየ ጾታዊ-ርክብ ዝፍጽም?
    ኣብታ ጾታዊ-ርክብ ክትፍጽሙ እትሓስቡላ ህሞት ጥራይኮንዶምናይ ደቂ-ኣነስትዮ ኮንዶም ወይ ድማ ዲያፍራም ትጥቀሙ። ብተወሳኺ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና (morning after pill) ኣብ ገዛኺ ምቕማጥኪ ኣረጋግጺ።
  • የትክኽ ድየ? ልዕሊ ዓቐን ክብደት ኣለኒ?
    ሆርሞናት ዝሓዙ ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ፡ ሽጋራ እናትከኽኪ ወይ ከኣ ልዕሊ ዓቐን ክብደት እናሃለወኪ ክጥቀምሎም እንከለኺ ኣብ ጥዕናኺ ጸገም ናይ ምፍጣር ተኽእሎኦም ክብ ይብል።
  • ገንዘባዊ ኩነታተይ ኣጸጋሚ ድዩ?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ካልኦት ብዝሓሰረ ዋጋ ይዕደጉ።
  • ሃይማኖተይ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ዝብሎ ገለ ነገር ኣሎዶ፡ እሞኸ እዚ ንዓይ ኣገዳሲ ድዩ?
  • ብዛዕባ ዝጥቀመሉ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ንመጻምድተይ ወይ ንቤተ-ሰበይ ከፍልጥዶ ይደሊ?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብዓይኒ ኣይረኣዩን።
  • ወርሓዊ ጽግያተይ (ደምደምቀይሕ ፈሳሲ ኣገዳሲ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ኣካላትና ዘለዎ፡ ንኣብነት ናብ መላእ ኣካልት ኦክስጅን…ብዙሕ ምንባብ ምኻድ) ክቕጽል ይደሊ ድየ? ስሩዕ ዑደትዑደትኣብ ሞንጎ’ታ ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ ጓለንስተይቲ' ወርሓዊ ጽግያት ክሳብ’ታ ቀዳመይቲ መዓልታት ናይታ ትቕጽል…ብዙሕ ምንባብ ክህልወኒዶ ክፎቱ ይኽእል?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ዑደትኪ ስሩዕ ክኸውን ይሕግዙ። ካልኦት ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኣ፡ ናይ ወርሓዊ ጽግያትወርሓዊ ጽግያትኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ' ብርሕሚ ጓለንስተይቲ ደም ምፍሳስ። ወርሓዊ ጽግያት ብውሕዱ ንውሑዳት መዓልታት…ብዙሕ ምንባብ ግዜኺ ከዛብዑልኪን ድሕሪ ግዜ ከኣ ከቋርጹልኪን ይኽእሉ።
  • እቲ ሓኪምሓኪምንሕሙማት ሰባት ከፍውስ ዝሰልጠነ ሰብ። ሓኪም መድሃኒታትክእዝዘ ይኽእል እዩ። ሓኪም ወዲ-ተባዕታይ ወይ ድማ…ብዙሕ ምንባብ መከላኸሊ ጥንሲ መድሃኒተይ ወይ ከኣ መሳርሒየይ ክወግኣኒ ወይ ክስዅዓለይ እንከሎ ስኽፍ ይብለኒ ድዩ?
    ኣብ ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ሓኪም ደገፍ የድልየኪ፡ ኣብ ገሌኦም ድማ ኣየድልየክን።

ካብ ብዓል-ሞያ ጥዕና ምኽሪ ሕተቲ። ብተወሳኺ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ምስ መጻምድትኺ ተዛተዪ። ኣብ መከላኸሊ ጥንሲ ክልቲኦም መጻምድቲ ሓላፊነት ኣለዎም። ብሓባር ናብ ብዓል-ሞያ ጥዕናጥዕናኣብ ከባቢኻ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጽቡቕ ስምዒት ክስምዓካ ከሎ። ጥዕና ካብ ዘይምሕማም ንላዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።

ገለ ሜላ ንዓኺ እንተዘይሰሪሑልኪ፡ ክልእ ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ። ንኣብነት: ኣካላትኪ ጽቡቕ ይስመዓኪ እንተዘይሃልዩ፡ ጎድናዊ ሳዕቤናት እንተሃልዮምዎ፡ መጻምድትኺ እንድሕር ዘይተስማዕሚዕሉ፡ ወይ ከኣ ኣዝዩ ክባር እንተኾይኑ።