መርመራ ጥንሲ
እንተድኣ ናይ ወርሓዊ ጽግያት እዋንኪ ደንጉዩ፡ ጠኒስኪ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ። ከምዝጠነስኪ ንምፍላጥ ናይ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ምርመራ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። መመርመሪ ጥንሲ ኣብ ሱፐርማርኬት፡ እንዳ ቀማማይ ወይ ከኣ ካብ ቤት-መሸጣ መድሃኒት ክትዕድጊ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ናይ ሽንቲሽንቲሰባት ናብ ሽቓቕ ብምኻድ ኣብ ኣካላቶም ዝርከብ ርስሓት ብመንገዲ መትረብ ሽንቲ ጌሮም ዘውጽእዎ…ብዙሕ ምንባብ ምርመራ እዩ።
ናይ ሽንቲ ምርመራ
ነቲ ምርመራ ብኸምዚ ዝስዕብ ግበርዮ:
- እቲ መመርመሪ ኣብ ቁሩብ ሽንትኺ ግበርዮ።
- ነቲ መመርመሪ ንታሕቲ ገጹ ኣገድምዮ።
- ውጽኢት ንምርካብ ኣስታት 5 ደቓይቕ ተጸበዪ። ኣብቲ ስክሪን ናይቲ መመርመሪ ክወጽእ እዩ።
- እቲ ውጽት ከምዝጠነስኪ ዘርኢ እንተኾይኑ፡ ኣብቲ እትነብርሉ ቦት ምስ እትርከብ መሕረሲትመሕረሲትንጥንስቲ ሰበይቲ ቅድሚ፡ ኣብ ግዜን፡ ድሕርን ሕርሲ እትሕግዛ ስልጠና ዝወሰደት ሰብ። መሕረስቲ መድሃኒት…ብዙሕ ምንባብ ተራኸቢ።
ናይ ሽንቲ ምርመራ

ኣብ ዓይኒ-ምድሪ ኮፍ ኢላ ኢዳ ኣብ መንጎ ኣእጋራ ዝገበረት ጓለንስተይቲ። እቲ ጠመተ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣእጋራ ዘሎ ኢድ እዩ።

ብቐጥታ ኣብ ኣፍ እቲ ናይ ጥንሲ መመርመሪ ክትሸኒ ትኽእሊ ኢኺ።

ወይ ከኣ እቲ ናይ ጥንሲ መመርመሪ ቁሩብ ሽንቲ ትገብርሉሞ ኣብ ጽፉፍ መትሓዚ ጌርኪ ብጫፉ ትሕዝዮ።

ነቲ መመርመሪ ንታሕቲ ገጹ ኣገድምዮ።

ውጽኢት ንምርካብ ኣስታት 5 ደቓይቕ ተጸበዪ። ኣብቲ ስክሪን ናይቲ መመርመሪ ክወጽእ እዩ። ኣብ ክልቲኦም መሳኹቲ እቲ መመርመሪ ምልክት እንድሕር ወጽዩ ጥራይ ጥንስቲ ኣለኺ ማለት እዩ።
ናይ ጥንሲ ምልክታት
ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ገና ጥንሲ ጅምር ከብለን እንከሎ ናይ ጥንሲ ምልክታት ይረኣዩወን።
ዋጋ ናይ ጥንሲ ምርመራ
እቲ ባዕልኺ ክትዕድግዮ እትኽእሊ ናይ ጥንሲ መመርመሪ (ናይ ሽንቲ ምርመራ) ዋጋኡ ካብ € 5 ክሳዕ € 15 ይውድእ። ብዙሕ ዓይነት ንግዳዊ ሕላገት ዘለዎም መመርመሪታት ኣለዉ።
ዋጋኡ ክንደይ እዩ፧