ግብረ-ሰዶም
ገለ ሰባት ኣብ ልዕሊ ተመሳሳሊ ጾታጾታጾታ ብዛዕባ ተራን ትጽቢታትን ዝምልከት ኰይኑ፡ ንሕና ከም ሕብረተሰብ ድማ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝሓቘፍና…ብዙሕ ምንባብ ዘለዎም ሰባት ፍቕራዊ ከምኡ ድማ ጾታዊ ስምዒታት ኣለዎም። ደቂ-ተባዕትዮ ከምኡ ድማ ደቂ-ኣነስትዮ ግብረ-ሰዶማውያን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ደቂ-ተባዕትዮ ኮይኖም ምስ ካልኦት ደቂ-ተባዕትዮ ጾታዊ ስሕበት ዝሕዞሞ ሰባት ግብረ-ሰዶማውያን ወይ ከኣ ሰዶመኛታት ይበሃሉ; ደቂ-ኣነስትዮ ኮይነን ምስ ደቂ-ኣነስትዮ ጾታዊ ስሕበት ዝሕዘን ከኣ ግብረ-ሰዶማውያን ወይ ከኣ ለዝቢያን ይበሃላ። ገለ ሰባት ከኣ ምስ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣነስትዮን ጾታዊ ስሕበት ይሕዞም። እዚኦም ከኣ ሰብ ድርብ-ጾታ ይበሃሉ።
ንሓድሕዶም ጾታዊ ምስሕሓብ ዘማዕብሉ ዘለዉ 2 ደቂ-ተባዕትዮ
ሰባት ንገዛእ-ርእሶም ግብረ-ሰዶማዊ፡ ለዝብያን ድዮም ዋላስ ሰብ ድርብ-ጾታ ኢሎም ክጽውዑ ናይ ምምራጽ መሰል ኣለዎም። ንኣብነት፡ ገለ ደቂ-ተባዕትዮ ምስ ካልኦት ደቂ-ተባዕትዮ ጾታዊ-ርክብ ክፍጽሙ ይኽእሉ፡ ግን ንገዛእ-ርእሶም ግብረ-ሰዶማውያን ኢሎም ኣይጽውዑን።
ስለምንታይ እዮም ሰባት ግብረ-ሰዶማውያን ዝኾኑ?
ሰባት ስለምንታይ ምስ ሓደ ጾታ ወይ ምስቲ ካልእ፡ ወይ ከኣ ምስ ክልቲኡ ጾታታት ጾታዊ ስሕበት ከምዝህልዎም ዝተፈልጠ ነገር የለን። ይኹን እምበር፡ እዞም ዝስዕቡ ሓቂታት ንፈልጥ ኢና:
- ግብረሰዶማዊ ምዃን ምርጫምርጫካብ ዝተፈላለዩ ምርጫታት፡ ኣየናይ እዩ እቲ ዝበለጸ ወስኑ። ንኣብነት፡ ሰባት ውላድ ክህልዎምን ከይህልዎምን…ብዙሕ ምንባብ ኣይኮነን። ብተፈጥሮ ዝመጽእ እዩ።
- ግብረ-ሰዶምግብረ-ሰዶምምስ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት፡ ጾታዊ ስምዒት ምህላው እዩ፡ እዚ ማለት ደቂ-ተባዕትዮ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ኣብ ኩለን ሃገራትን ባህሊታትን ዘጋጥም እዩ። ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ ግብረ-ሰዶማውያን ኣድልዎ ምፍጻም ብሕጊ ክልኩል እዩ። ንሰባት ብምኽንያት ግብረ-ሰዶማውነቶም ዝተፈልየ ኣተሓሕዛ ምግባር፡ ምግላል ወይ ድማ ምኽልካል ብሕጊ ፈጺሙ ክልኩል እዩ።
ግብረ-ሰዶም ብዘርኢ ዝውረስ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝፍለጥ ነገር የለን። ኣተዓባብያ ሰባት ክጻወቶ ዝኽእል ግደ እውን ብንጹር ዝፍለጥ ኣይኰነን።
ግብረ-ሰዶማዊ ምዃንካ ንኻልኦት ምንጋር
ገለ ሰባት ስምዒታቶም ኣየካፍሉን፡ ካልኦት ሰባት ድማ ግብረ-ሰዶማውያን ወይ ከኣ ሰብ ድርብ-ጾታ ምዃኖም ንስድራቤቶምን ኣዕሩኽቶምን ይነግሩ። ግብረ-ሰዶማውያን ወይ ከኣ ሰብ ድርብ-ጾታ ዝዀኑ ደቂ-ተባዕትዮ ወይ ከኣ ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ዘአልዎም ሰባት ጾታዊ ስሕበት ከምዘለዎም ንምቕባል ብዙሕ ግዜ ይወስደሎም።
ግብረ-ሰዶማዊ ምዃንካ ንኻልኦት ክትነግር የብልካን። ንኻልኦት ምንጋር ውሑስ እዩ ዝብል እምነት እንድሕር ዘይብልካ፡ ክትነግር የብልካን።
ንኻልኦት ሰባት ምንጋር ሩፍታ ክፈጥር ይኽእል እዩ። ካብዚ ንላዕሊ መንነትካ ሓቢእካ ክትነብር የብልካን። መጀመርያ መንነትካ ክቕበሉ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ንእትሓስቦም ሰባት ንገር። መጀመሪያ ዝወሃቡኻ ምላሻት ኩሉ ግዜ እወታዊ ዘይክኾኑ ከምዝኽእሉ ክትግንዘብ ኣለካ።
ንኻልኦት ሰባት ምርካብ
ካልኦት ግብረ-ሰዶማውያን፡ ለዝቢያን ከም ድማ ሰብ ድርብ-ጾታ ሰባት ከምዘለዉ እትፈልጠሉ ፍሉያት ማሕበራትን ናይ መራኸቢ ቦታታትን ኣለዉ እዮም።
ግብረ-ሰዶማዊነትን ሕጊን
ኣብ ኤውሮጳ፡ ብምኽንያት ጾታዊ ባህሪጾታዊ ባህሪኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ፡ ጾታውን ስምዒታውን ስሕበት ምህላው። እዚ ኣንጻር ጾታ ዘለዎ ሰብ…ብዙሕ ምንባብ ኣድልዎኣድልዎንኣብነት ካልእ ሕብሪ ቆርበት፡ ጾታ ወይ ድማ ኣረኣእያ ጾታ ወይ ድማ HIV ስለ…ብዙሕ ምንባብ ምፍጻም ብሕጊ ክልኩል እዩ። ሰባት ብምኽንያት እቲ ብሕጊ ሓለዋ ዝግበረሉ ውልቃዊ ባህሪኦም ኣድልዎ ክፍጸሞምን ክግለሉን ወይ ድማ ክልከላ ክግበረሎም ብሕጊ ፈጺሙ ክልኩል እዩ። ግብረ-ሰዶማዊነት ወይ ከኣ ጾታ ምቕያር ብሕጊ ሓለዋ ዝግበረሎም ባህሪታት እዮም። በዚኦም ምኽንያታት ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣድልዎ ምፍጻም ክልኩል እዩ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ናይ ስራሕ መሕተቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ከምኡ ድማ ገዛ ኣብ ምክራይ።
መርዓመርዓኣብ መንጎ 2 መጻምዲ ዝግበር ጽንብልን ሕጋዊ ዝምድና ዝፈጥር ሕጋዊ ስምምዕን እዩ። እቶም…ብዙሕ ምንባብ
ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ወሲባዊ ዝምድናዝምድና2 ሰባት ኣብ ዝምድና ምስ ዝህልዉ፡ ንሳቶም ኣብ ንሓድሕዶም ምትእስሳር ኣለዎም። ንሳቶም መጻምዲ…ብዙሕ ምንባብ ክመስርቱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ክምርዓዉ ወይ ከኣ ብሕጊ ዝተመዝገበ ጾታዊ ዕርክነት ክምስርቱ ይኽእሉ እዮም።
2 ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ኣዳራሽ ከተማ እናተመርዓዉ
ወላዲ ምዃንወላዲ ምዃንኣብ መንጎ ወላድን (ኣደ ወይ ኣቦ) ቆልዓን ዘሎ ምትእስሳር። ክልቲኦም ወለዲ ነቲ ቆልዓ…ብዙሕ ምንባብ
ኣብ ኔዘርላንድስ፡ 2 ደቂ-ተባዕትዮ ወይ ከኣ 2 ደቂ-ኣንስትዮ ብሓባር ወለዲ ህጻን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ቁልዓ ክርዕሙ ወይ ከኣ ናይ ካልኦት ወለዲ ቆልዓ ኣብ ምዕባይ ክተሓጋገዙ ይኽእሉ። ማህጸንማህጸንኣብ ውሽጢ ማህጸን ናይ ጓለንተይቲ 'እቲ ዕሸል ክዓብየሉ ዝኽእል ቦታ እዩ።ብዙሕ ምንባብ ተኻሪኻ ቆልዓ ምውላድ እውን ምርጫ እዩ።
ለዝቢያን ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ቆልዑተን