ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ዘይተደልየ ጥንሲ ከጋጥመኪ እንከሎ እንታይ ክትገብሪ ኣለኪ?

ክትጠንሲ ውጥን ዘይነበረኪ እንከሎ እንተ ጠኒስኪ፡ 4 ምርጫታት ኣለዉኺ። ብዛዕባ እቲ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ብዓልኪ ክትውስኒ ትኽእሊ ኢኺ።

እቲ ጥንሲ ክትቅጽልዮ እንተ ወሲንኪ፡ እዚ ዝስዕብ ክትገብሪ ትኽእሊ:

  • ምንጻል ጥንሲ:
    ጥንስቲ እንተ ኮንኪ ከም ድማ ቆልዓ ክትወልዲ ዘይትደልዪ እንተኾንኪ፡ እቲ ጥንሲ ብመስርሕ ምንጻል ጥንሲ ከተቋርጽዮ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ክሳብ 24 ሰሙን ዝገበረ ጥንሲ፡ ምንጻል ይፍቀድ እዩ። ክሳዕ 24 ሰሙናት ዝገበረ ጥንሲ ወይ ዕሸልዕሸልዝጸገየት እንቋቚሖ  እቲ ቀንዲ ክፋላት ናይ ህጻን እናርኣየት (ድሕሪ ናይ 3ይ ወርሒ ጥንሲ)።ብዙሕ ምንባብ ካብ ማህጸንማህጸንኣብ ውሽጢ ማህጸን ናይ ጓለንተይቲ 'እቲ ዕሸል ክዓብየሉ ዝኽእል ቦታ እዩ።ብዙሕ ምንባብ ወጻኢ ክነብር ስለዘይኽእል እዩ እዚ ብሕጊ ክድንገግ ክኢሉ። ኣብ ተግባር፡ ምንጻል ጥንሲ መብዛሕትኡ ግዜ ክሳዕ 22 ሰሙን ኣብ ልዕሊ ዝገበረ ጥንሲ እዩ ዝፍጸም። ምንጻል ጥንሲ ቅድሚ ምክያድኪ፡ ኣብ ውሳነ ክትበጽሒ ዝሕግዘኪ ዘተ ምስ በዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይ ከኣ ምስ ካልእ ሓኪምሓኪምንሕሙማት ሰባት ከፍውስ ዝሰልጠነ ሰብ። ሓኪም መድሃኒታትክእዝዘ ይኽእል እዩ። ሓኪም ወዲ-ተባዕታይ ወይ ድማ…ብዙሕ ምንባብ ክትገብሪ ኣለኪ።
     
  • ነቲ ዕሸል ምዕባይ:
    እቲ ጥንሲ ክቕጽል እንተወሲንኪ፡ ቅድሚን ድሕሪን ምውላድ ቆልዓኺ ብዙሕ ከተዳልውዮን ክትዳለውሉን ዝግባእ ነገራት ኣሎ። ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ምስ መሕረሲትመሕረሲትንጥንስቲ ሰበይቲ ቅድሚ፡ ኣብ ግዜን፡ ድሕርን ሕርሲ እትሕግዛ ስልጠና ዝወሰደት ሰብ። መሕረስቲ መድሃኒት…ብዙሕ ምንባብ ቆጸራ ክትገብሪ ኣለኪ።
     
  • ነቲ ዕሸል (ንግዚኡ) ናብ እንዳ መዕበያ ቈልዑ ምእታው:
    እዚ ማለት እቲ ቆልዓ (ንግዚኡ) ምስ ካልእ ስድራቤት ይነብር ማለት እዩ። ኣብ እንዳ መዕበያ ቈልዑ ምስ ኣእተኽዮ ከም ወላዲት መጠን ምስ ዕሸልኪ ክትራኸቢ ምርጫምርጫካብ ዝተፈላለዩ ምርጫታት፡ ኣየናይ እዩ እቲ ዝበለጸ ወስኑ። ንኣብነት፡ ሰባት ውላድ ክህልዎምን ከይህልዎምን…ብዙሕ ምንባብ ኣለኪ። በቲ ሕጊሕጊእንታይ ክትገብር ከም ዝለካን እንታይ ክትገብር ከም ዘይብልካን ዝነግረካ መመርሒ። ነፍሲወከድ ሃገር እተፈላለየ…ብዙሕ ምንባብ መሰረት ነቲ ቆልዓ ብዓልኪ ከተዕብይዮ ገና ሕጋዊ መሰል ኣለኪ። 
     
  • ነቲ ቖልዓ ንቖልዑ ዝርዕሙ ምሃብ:
    እዚ ማለት እቲ ቆልዓ ኩሉ ግዜ ምስ ካልእ ስድራቤት ይነብር ማለት እዩ። ኣብ ጉዳይ ርዕመት፡ እቲ ቆልዓ ብስም እቶም ርዓምቱ እዩ ዝጽዋዕ። ነቲ ቆልዓ ናይ ምዕባይ ሕጋዊ መሰልኪ ተሓዲግኪ ኣለኺ ማለት እዩ። እቶም ዝረዓሙዎ ስድራቤታት ነቲ ቘልዓ ናይ ምዕባይ ሕጋዊ መሰል ይህሉዎም። ብዛዕባ እቲ ቈልዓ ዝምልከት ኵሉ ውሳኔታት ባዕሎም ክውስኑ ይኽእሉ።

    ቆልዓኺ ንቘልዑ ዝርዕሙ ምሃብ ከተቋርጽዮ ኣብ እትሓስብሉ እዋን ዝሕግዘኪ ምኽሪ ወይ መምርሒ
    ከይደለኽዮ ዝጠነስኪ እንተ ኮይንኪ ከምኡ ከኣ ነቲ ቈልዓ ንረዓምቲ ምሃብ ከተቋርጽዮ ምስ እትሓስቢ፡ በዚ ዝስዕብ መስርሕ ክትምርሒን ክትሕገዚን ኢኺ። ኣብ እዋን ጥንስኺን ድሕሪ ቆልዓ ምውላድኪን ኣብቲ ናይ ምምራጽ መስርሕ Fiom ሓገዝ ክገብረልኪ እዩ። ምኽሪ ወይ መምርሒ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ Fiom ክትምዝገቢ ትኽእሊ ኢኺ (እዚ መርበብ ሓበሬታ ብቋንቋ ሆላንድ እዩ ግን ናብ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ክትርጎም ይኽእል እዩ)። ንርዕመት ዝምልከት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተዳለወ ብሪሹር እውን ካብ ኢንተርነት ከተውርዲ ወይ ዳውንሎድ ክትገብሪ ትኽእሊ።

ብዛዕባ ጥንስኺ እንታይ ክትገብሪ ከምእትደልዪ ንምምራጽ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተድኣ ትጠራጠሪ ኮይንኪ ኣብ ኔዘርላንድስ ምስ ፍሉይ ክእለት ዘለዎ ብዓል-ሞያ ቆጸራ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ፍሉይ ክእለት ዘለዎ ብዓል-ሞያ ምኽሪ ኣይህብን እዩ። ናብ ናይ ገዛእ-ርእስኺ ዉሳነ ንምብጻሕ ነቶም ዘለውኺ ኩሎም ሓሳባትን ስምዒታትን መሚኻ ኣብ ምውጻእ እቲ ብዓል-ሞያ ንዓኺ (ከምኡ ከኣ ንመጻምድትኺ) ክሕግዘኩም እዩ። እዚ ዓይነት ቈጸራ ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ።  

መከላኸሊመከላኸሊስግኣት ናይ ረኽስታት፡ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ንምውጋድ ወይ ምጒዳል ዝዓለመ።ብዙሕ ምንባብ ጥንሲ

ዘይተደልየ ተደጋጋሚ ጥንሲ ንምክልኻል፡ መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ ትኽእሊ ኢኺ።  እዚ ምስ ናይ ስድራቤት ሓኪም፡ መሕረሲት ወይ ከኣ ምስቲ ምንጻል ጥንሲ ዝካየደሉ ክሊኒክ ክትመያየጥሉ ትኽእሊ ኢኺ።