ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

መጻምድቲ ምምራጽ

ብመሰረት ሕጊሕጊእንታይ ክትገብር ከም ዝለካን እንታይ ክትገብር ከም ዘይብልካን ዝነግረካ መመርሒ። ነፍሲወከድ ሃገር እተፈላለየ…ብዙሕ ምንባብ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝነብሩ ሰባት መጻምዶም ብናጽነት ናይ ምምራጽ መሰል ኣለዎም

ሰባት መጻምዶም ክመርጹ እንከለዉ፡ ገለ ረቛሒታት ኣብ ግምት የእትዉ እዮም፣ ይኹን እምበር መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ረቛሒታት ተደሪኾም ይመርጹ ምህላዎም ኣይፍለጦምን እዩ። ገለ ሰባት ግን ነቶም ረቛሒታት ስለስተውዕልዎም፡ ነቶም ረቛሒታት ዘማልእ መጻምዲ ጥራይ እዮም ዝደልዩ። ንኣብነት፡-

  • መበቆል፡
  • ሰብኣዊ መንነት፡
  • ኣእምሮኣዊ ብልሒ፡
  • ተዋዛይነት፡
  • ኵነት ዓቕሚ ገንዘብ፡
  • ደጋዊ መልክዕ።

ንዝመረጸቶ መጻምዲ ብታሕጓስ እትሓቊፍ ጓለንስተይቲ

ዕርክነት ንምጅማር፡ ክልቲኦም ማለት እቲ ወዲን እታ ጓለን ተበግሶ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ገለ እዋናት፡ ወለዲ ወይ ኣባላት ቤተሰብ፡ ደቆም ንመን ክምርዓዉ ከምዘለዎም ይውስኑ። እዚ ዝተሰናደአ መርዓመርዓኣብ መንጎ 2 መጻምዲ ዝግበር ጽንብልን ሕጋዊ ዝምድና ዝፈጥር ሕጋዊ ስምምዕን እዩ። እቶም…ብዙሕ ምንባብ ይበሃል። መብዛሕትኢኡ ግዜ፡ እቶም ክምርዓዉ ዝሕጸዩ ዘለዉ መንእሰያት፡ ክምርዓዉ ዝደልዩ እንተኾይኖም ክውስኑ ይኽእሉ እዮም፣ ይኹን እምበር ከምዚ ዘይኮነሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ኣስገዳዲ መርዓ ብሕጊ ክልኩል እዩ