ኤች.ኣይ.ቪ እናሃለወኪ ጥንሲ ምሓዝ
ኤች.ኣይ.ቪኤች.ኣይ.ቪቫይረስ (ናይ ሰባት ናይ ሕማማ ምኽልኻል ዓቕሞም ዘሕጽር ቫይረስ) ንባህርያዊ ስርዓት ምክልኻል የጥቅዕ።…ብዙሕ ምንባብ ዘለዋ ጓለንስተይቲ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ጥንሲ ክትሕዝን ኤች.ኣይ.ቪ ዘይብሉ ቆልዓ ክትወልድን ትኽእል እያ።
ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ምጥናስ
ኣብ ትሕቲ እዞም ዝስዕቡ ገለ ረቛሒታት፡ ብዘይ ኮንዶም ጾታዊ-ርክብ ምስ ኤች.ኣይ.ቪ ዘይብሉ ቀዋሚ መጻምድትኺ (ቐጻሊ ወሲባዊ ርክብ) ክትፍጽሚ ትኽእሊ ኢኺ:
- እንተወሓደ ኣብተን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ ኣብ ደምኪ ዘሎ መጠን ኤች.ኣይ.ቪ (ጻዕቂ ቫይረስቫይረስንኣካላት ከጥቕዑ ዝኽእሉ ኣዝዮም ንኣሽቱ ፍጡራት። ኣብ ወሃዮታት ኣካላት ብቐሊሉ ክራብሑ ዝኽእሉ እዮም።…ብዙሕ ምንባብ) ኣሰሩ ክርከብ ዘይኽእል እንተኾይኑ። መድሃኒትኪ መዓልታዊ ብቕኑዕ ኣገባብ እንድሕር ትወስዲ ኮንኪ፡ እቲ ጻዕቂ ቫይረስ ይውሕድ። ድሕሪ ብዙሕ ኣዋርሕ፡ ናይቲ ቫይረስ ምልክታት ዝበዝሕ ግዜ ብምርመራ ክርከብ ኣይክእልን፣ ከምኡ ድማ
- ጻዕቂ ቫይረስኪ ካብ ዝምርመር 6 ወርሒ ዘይገበርኪ እንተኾንኪ፡ ከምኡ ድማ
- ንስኽን መጻምድትኽን ካልእ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ዘይብልኩም እንተኮንኩም።
ብዘይ ኮንዶምኮንዶምወዲ-ተባዕታይ ኣብ ዝቐንዐ መትሎ ዝወድዮ ረቒቕ መሸፈኒ ፕላስቲክ እዩ። እቲ ኮንዶም፡ እቲ ወዲ-ተባዕታይ…ብዙሕ ምንባብ ጾታዊ-ርክብ ክትፍጽሚ እንተ ደሊኺ ምስቲ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ ኣማኻሪኺከምኡ ከኣ ምስ መጻምድትኺ ተዘራረቢ።

ምስ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ ኣማኻሪ እትዘራረብ ጓለንስተይቲ።

መጻምድቲ ይዘራረቡ።
ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ምሓዝ ዘይከኣል እንተኾይኑ
ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ምጥናስ ዘይከኣል እንተኾይኑ፣ ካልእ ምርጫምርጫካብ ዝተፈላለዩ ምርጫታት፡ ኣየናይ እዩ እቲ ዝበለጸ ወስኑ። ንኣብነት፡ ሰባት ውላድ ክህልዎምን ከይህልዎምን…ብዙሕ ምንባብ ኣሎ:
እቲ ወዲ-ተባዕታይ ኤች.ኣይ.ቪ እንሃልዩዎ
እቲ ኤችኣይቪ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ሰብኣይ ኣሎ።
- ስፔሻሊስት ሓኪምሓኪምንሕሙማት ሰባት ከፍውስ ዝሰልጠነ ሰብ። ሓኪም መድሃኒታትክእዝዘ ይኽእል እዩ። ሓኪም ወዲ-ተባዕታይ ወይ ድማ…ብዙሕ ምንባብ ነቲ ቫይረስ ንምእላይ ነቲ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ “ክሓጽቦ” ይኽእል እዩ።
- እቲ ስፔሻሊስት ሓኪም ነቲ ዝተሓጽበ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ብስሪንጋ ጌሩ ናብ ማህጸንማህጸንኣብ ውሽጢ ማህጸን ናይ ጓለንተይቲ 'እቲ ዕሸል ክዓብየሉ ዝኽእል ቦታ እዩ።ብዙሕ ምንባብ እታ ጓለንስተይቲ የእትዎ።
እታ ጓለንስተይቲ ኤች.ኣይ.ቪ እንተሃልዩዋ
- እቲ ዋህዮ እንቋቑሖ ቫይረስ የብሉን።
- እቲ ስፔሻሊስት ሓኪም ነቲ ናይ ወዲ-ተባዕታይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ናብ ማህጸን ብስሪንጋ የእትዎ።
ጥንሲን ኤች.ኣይ.ቪን
ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዋ ጥንስቲ ጓለንስተይቲ ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርስን መድሃኒት ክትወስድ ኣለዋ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ልዕሊ 99% ህጻናት ካብ ኤች.ኣይ.ቪ ናጻ ኮይኖም ይውለዱ።
ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ክትወልዲ ትኽእሊ ምዃንኪን ዘይምዃንኪን ንምፍላጥ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ክትዛተዪ ትኽእሊ። ኣብ ገለ እዋን እቲ ቆልዓ ብመጥባሕቲ እዩ ዝውለድ።
እቲ ቆልዓ ምስ ተወልደ መድሃኒታት ይወሃቦ።
ኣብ ኔዘርላንድስ መብዛሕትኦም ሓካይም ቆልዓ ምስ ተወልደ ኣብ ክንዲ ጸባ ጡብጸባ ጡብካብ ጡብ ጓለንስተይቲ' ዝወጽእ ጸባ። ደቂ-ኣንስትዮ ንህጻናተን ብጸባ ጡበን ክምግብኦም ይኽእላ።ብዙሕ ምንባብ ኣዲኡ ዝጠቡ በይቢ ፎርሙላ ዝበሃል ጸባ ብጡጦ ክወስድ እዮም ዝመኽሩ፡ ምኽንያቱ እዚ ኤች.ኣይ.ቪ ከይሓልፎ ንዝህሉዎ ስግኣተ-ሓደጋስግኣተ-ሓደጋሓደ ባህ ዘየብል ነገር ናይ ምግጣም ተኽእሎ፡ ንኣብነት ሓደ ሕማም።ብዙሕ ምንባብ ስለዘወግድ። ይኹን’ምበር፡ ሓንቲ ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዋን ቫይረስ ኣብ ውሽጣ ዝተዓብጠን ኣደ፡ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ሓኪም ጸባ ጡብ ከተጥቡ ትኽእል እያ። ከምዚ ክትገብሪ ትሓስቢ እንተ ኮይንኪ ምስ ሓኪምኪ / ብዓል-ሞያ ኤች.ኣይ.ቪ ተማኸሪ።

ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዋ ጥንስቲ ጓለንስተይቲ ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርስን መድሃኒት ክትወስድ ኣለዋ።

እቲ ናይ ማህጸን ሓኪም እታ ጓለንስተይቲ ነቲ ቆልዓ ብዝሓሸ ውሑስ መንገዲ ብዛዕባ እትወልደሉ ኣገባብ ምስኣ ክዛተ እዩ።


እታ ኣደ ንቆልዓኣ ኣብ ክንድኡ ጡጦ ትምግቦ።