ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-
ናይ ጾታዊ-ርክብ ዓይነታት ጸገማት
ብዙሓት ሰባት፡ መናእሰይ ይኹኑ ዓበይቲ፡ ኣብ መዋእል ዕድሚኦም ናይ ጾታዊ-ርክብ ጸገማት የጋጥሙዎም እዮም። እዚ ንቡር እዩ።
መብዛሕትኦም ናይ ጾታዊ-ርክብ ጸገማት ድሕሪ ሓጺር ግዜ ባዕሎም ይጠፍኡ። መብዛሕትኡ ግዜ በዞም ዝስዑቡ ምኽንያታት ይመጹ:
- ጭንቀት;
- ሕማምሕማምናይ ሓደ ሰብ ኣካላት፡ 'ክፍሊ ኣካላት ወይ ድማ ኣእምሮ ከም’ቲ ዘግብኦ እንተድኣ ዘይሰርሕ…ብዙሕ ምንባብ;
- ድኻም;
- ናይ ወሲባዊ ርክብ ጸገማት;
- ኣብ ዕድመ ጾታዊ-ርክቦም በበይኑ ትጽቢታት ዘለዎም መጻምድቲመጻምድቲምሳኻ ኣብ ዝምድና ዘሎ ሰብ።ብዙሕ ምንባብ።
ልሙዳት ናይ ጾታዊ-ርክብ ጸገማት
ልሙዳት ወሲባዊ ጸገማት እዞም ዝስዕቡ እዮም:
- ናይ ጾታዊ-ርክብ ድሌት ዘይምህላው ወይ ከኣ ትሑት ድሌት ጾታዊ-ርክብ;
- ሓደ ካብቶም መጻምድቲ ካብቲ ሓደ ዝበለጸ ወይከኣ ዝተሓተ ወሲባዊ ድሌት ይህልዎ;
- ዝነቐጸ ርሕሚርሕሚኣካል ናይ ውሽጣዊ ጾታዊ ኣካልት ናይ ጓል ኣንስተይቲ። ርሕሚ ንማህጸን ምስ ግዳማዊ ኣካላት…ብዙሕ ምንባብ;
- መትሎኻ ናይ ዘይምቕናዕ ጸገም;
- ኣብ ጥርዚ ስምዒት ዘይምብጻሕ፡ ወይ ከኣ ኣዝዩ ቀልጢፉ ዝመጽእ ጥርዚ ስምዒት;
- ኣብቶም ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ እዝዩ ልዑል ወጥሪ;
- መትሎመትሎናይ ወድተባዕታይ ጾታዊ ኣካል። መትሎ ንጾታዊ ርክብ (ምፍሳስ ዘርኢ) ወይ ንምሻን ይጠቅም።ብዙሕ ምንባብ ናብ ርሕሚ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ቃንዛ።
ናይ ስእለ-ጽዩፍስእለ-ጽዩፍሰባት ጾታዊ ርክብ ወይ ካልእ ጾታዊ ተግባራት እናፈጸሙ ዘርእዩ ስእልታትን ቪድዮታትን። ስእለ ጽዩፍ…ብዙሕ ምንባብ ወይ ፖርኖግራፊ ወልፊ
ገለ ሰባት ናይ ስእለ-ጽዩፍ ወልፊ ይሕዞም። ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ ጸገም የብሉን፡ ግን ኣመናን ብዙሕ ግዜን ምርኣይ ጸገም ክኸውን ይኽእል እዩ። ዘይክውንነታዊ ትጽቢት ጾታዊ-ርክብ ክፈጥረልኩም ይኽእል። ኣብ ማሕበራዊ ህይወትኩም እውን ጽልዋ ይፈጥር ወይ ከኣ ኣብ ወሲባዊ ርክብኩም ውጥረት የስዕብ።