ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ጾታዊ ርክብ፡ ኣልኮልላዊ መስተን ዕጸ-ፋርስን

ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ን ኣልኮላዊ መስተን

ቅድሚ ጾታዊ-ርክብ ምግባርኩም ምስታይ እውን ኣሉታዊ ጽልዋታት ኣለዎ። ብዙሕ እንተሰቲኻ እቶም ጽልዋታት እውን ብኡ መጠን እናኸበዱ ይኸዱ:

  • ነፍስኻ ብግቡእ ናይ ምቁጽጻር ክእለትኩም ትሑት ስለዝኸውን ክትገብርኡዎም ዘይትደልዩ ወይ ከኣ ዘይተሰማማዕኩምሎም ነገራት ክትገብሩ ትኽእሉ።
  • ኣብ ጥርዚ ስምዒት ክትበጽሕ ነዊሕ ግዜ ይወስደልካ ከምኡድማ ርውየተ-ወሲብካ ድኹም ይኸውን።
  • ናይ ጾታዊ-ርክብ ድሌትኩም ከምኡ ድማ ውትራንኩም እውን ክንኪ ይኽእል። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ደቂ-ኣነስትዮ እዩ ዝረአ።
  • ደቂ-ተባዕትዮ መትሎኦም ከቕንዑ ይኸብዶም። ሳሕቲ ከኣ ምቕናዕ ይኣብዮም።
  • ስግኣተ-ሓደጋስግኣተ-ሓደጋሓደ ባህ ዘየብል ነገር ናይ ምግጣም ተኽእሎ፡ ንኣብነት ሓደ ሕማም።ብዙሕ ምንባብ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ከምኡ ድማ ኤች.ኣይ.ቪኤች.ኣይ.ቪቫይረስ (ናይ ሰባት ናይ ሕማማ ምኽልኻል ዓቕሞም ዘሕጽር ቫይረስ) ንባህርያዊ ስርዓት ምክልኻል የጥቅዕ።…ብዙሕ ምንባብ ወይ ከኣ ዘይተደልየ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ እትህቡዎ ጠመተ ይንኪ። ዘይውሑስ ጾታዊ-ርክብ ክትፍጽም ትኽእል።

ጾታዊ ርክብን ዕጸ-ፋርስን

ዕጸ-ፋርስ ምውሳድ እንተላይ ነቲ ናይ ጾታዊ-ርክብ ልምድኹም ይጽልዎ እዩ። ዕጸ-ፋርስ ዝበዝሕ ግዜ ነቲ እትገብሩዎን ክትገብሩዎ እትደልዩዎን ነገራት ናይ ምቁጽጻር ክእለትኩም የትሕቶ። ንነፍስኹምን ነቲ ዘለኹምሉ ኵነታትን ናይ ምቁጽጻር ክእለትኩም ትሑት ይኸውን።

ናይ መውግኢ ኣቕሑት ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ክትጥቀሙ እንከለኹም ብኤች.ኣይ.ቪ ክትልከፉ ትኽእሉ ኢኹም። ኩሉ ግዜ ናይ በይንኹም ኣቕሓ ተጠቐሙ። ካልኦት ሰባት ክጥቀሙሉ ኣይትፍቅዱ።

ዝተጠቕምኩምሎም ናይ መውግኢ ኣቕሑት ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ኣይትጠቐሙሎም።

ኣልኮላዊ መስተ፡ ዕጸ-ፋርስን ጽግያትን

ዕጸ-ፋርሳት ብቐጻሊ እንድሕር ትጥቀሙ ወይ ከኣ ኣልኮላዊ መስተ ንነዊሕ እዋን እንድሕር ትሰትዩ ኮንኩም፡ ጽግያትኩም ክንኪ ይኽእል እዩ።

ኣልኮልላዊ መስተን ዕጸ-ፋርስን ኣብ ጽግያትጽግያትሓደ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ወሃዮ እንቋቊሖምስ ዝኣቱ የጋጥም። ዝተፋረየየ ወሃዮ እንቋቊሖ…ብዙሕ ምንባብ፡ ጥንሲን ምዕባለ ዘይተወልደ ዕሸልን ጽልዋ ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም። ንዚያዳ ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ Jellinek ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም (እዚ መርበብ ሓበሬታ ብቛንቋታት ሆላንድ፡ እንግሊሽ፡ ቱርኪን ዓረብን ዝተዳለወ እዩ)።  

ምክልኻል ኤች.ኣይ.ቪ፡ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ዘይተደልየ ጥንሲን

ኮንዶም ኤች.ኣይ.ቪ ይከላኸለልኩም ከምኡ ድማ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ናይ ምልካፍ ስግኣተ-ሓደጋ ይንክየልኩም

ባዕልኺ ዘይተደልየ ጥንሲ ንምክልኻል፡ ኮንዶምኮንዶምወዲ-ተባዕታይ ኣብ ዝቐንዐ መትሎ ዝወድዮ ረቒቕ መሸፈኒ ፕላስቲክ እዩ። እቲ ኮንዶም፡ እቲ ወዲ-ተባዕታይ…ብዙሕ ምንባብ ወይ ከኣ ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ ትኽእሊ ኢኺ።

ኮንዶም