ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ናይ ጾታዊ-ርክብ ዓይነታት ጸገማት

ብዙሓት ሰባት፡ መናእሰይ ይኹኑ ዓበይቲ፡ ኣብ መዋእል ዕድሚኦም ናይ ጾታዊ-ርክብ ጸገማት የጋጥሙዎም እዮም። እዚ ንቡር እዩ።
መብዛሕትኦም ናይ ጾታዊ-ርክብ ጸገማት ድሕሪ ሓጺር ግዜ ባዕሎም ይጠፍኡ። መብዛሕትኡ ግዜ በዞም ዝስዑቡ ምኽንያታት ይመጹ:

  • ጭንቀት;
  • ሕማምሕማምናይ ሓደ ሰብ ኣካላት፡ 'ክፍሊ ኣካላት ወይ ድማ ኣእምሮ ከም’ቲ ዘግብኦ እንተድኣ ዘይሰርሕ…ብዙሕ ምንባብ;
  • ድኻም;
  • ናይ ወሲባዊ ርክብ ጸገማት;
  • ኣብ ዕድመ ጾታዊ-ርክቦም በበይኑ ትጽቢታት ዘለዎም መጻምድቲመጻምድቲምሳኻ ኣብ ዝምድና ዘሎ ሰብ።ብዙሕ ምንባብ

ልሙዳት ናይ ጾታዊ-ርክብ ጸገማት

ልሙዳት ወሲባዊ ጸገማት እዞም ዝስዕቡ እዮም:

  • ናይ ጾታዊ-ርክብ ድሌት ዘይምህላው ወይ ከኣ ትሑት ድሌት ጾታዊ-ርክብ;
  • ሓደ ካብቶም መጻምድቲ ካብቲ ሓደ ዝበለጸ ወይከኣ ዝተሓተ ወሲባዊ ድሌት ይህልዎ;
  • ዝነቐጸ ርሕሚርሕሚኣካል ናይ ውሽጣዊ ጾታዊ ኣካልት ናይ ጓል ኣንስተይቲ። ርሕሚ ንማህጸን ምስ ግዳማዊ ኣካላት…ብዙሕ ምንባብ;
  • መትሎኻ ናይ ዘይምቕናዕ ጸገም;
  • ኣብ ጥርዚ ስምዒት ዘይምብጻሕ፡ ወይ ከኣ ኣዝዩ ቀልጢፉ ዝመጽእ ጥርዚ ስምዒት;
  • ኣብቶም ጭዋዳታት ግድግዳ ጎሎ እዝዩ ልዑል ወጥሪ;
  • መትሎመትሎናይ ወድተባዕታይ ጾታዊ ኣካል። መትሎ ንጾታዊ ርክብ (ምፍሳስ ዘርኢ) ወይ ንምሻን ይጠቅም።ብዙሕ ምንባብ ናብ ርሕሚ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ቃንዛ።

ናይ ስእለ-ጽዩፍስእለ-ጽዩፍሰባት ጾታዊ ርክብ ወይ ካልእ ጾታዊ ተግባራት እናፈጸሙ ዘርእዩ ስእልታትን ቪድዮታትን። ስእለ ጽዩፍ…ብዙሕ ምንባብ ወይ ፖርኖግራፊ ወልፊ

ገለ ሰባት ናይ ስእለ-ጽዩፍ ወልፊ ይሕዞም። ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ ጸገም የብሉን፡ ግን ኣመናን ብዙሕ ግዜን ምርኣይ ጸገም ክኸውን ይኽእል እዩ። ዘይክውንነታዊ ትጽቢት ጾታዊ-ርክብ ክፈጥረልኩም ይኽእል። ኣብ ማሕበራዊ ህይወትኩም እውን ጽልዋ ይፈጥር ወይ ከኣ ኣብ ወሲባዊ ርክብኩም ውጥረት የስዕብ።