ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ዳያፍራም

እቲ ዳያፍራምዳያፍራምናይ ሲሊኮን ቆብዕ፡ እንተዓበየ 8.5 ሰ.ሜ ዝግፍሑ ኰይኑ፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ቅድሚ…ብዙሕ ምንባብ ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ
እቲ ዳያፍራም ተለዋዋያይ ከፈፍ ዘለዎ ናይ ሲልከን መኽደን እዩ። ንኣፍ ማህጸንማህጸንኣብ ውሽጢ ማህጸን ናይ ጓለንተይቲ 'እቲ ዕሸል ክዓብየሉ ዝኽእል ቦታ እዩ።ብዙሕ ምንባብ (ክሳድ ማህጸንክሳድ ማህጸንኣብ ታሕቲ ናይ ማህጸንዘሎ ጸቢብ መእተዊ፡ ማለት ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይ ርሕሚዝርከብ። ኣብ…ብዙሕ ምንባብ) ብምዕጻው እቶም ዋህዮታት ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይእዚ፡ 'ሓደ ወዲ ተባዕታይ ዘርኢ ከፍስስ ከሎ፡ ካብ መትሎኡ ዝወጽእ ሓፊስ ጻዕዳ ፈሳሲ።…ብዙሕ ምንባብ ምስ ዋህዮ እንቋቑሖ ከይራኸቡ ይኽልክል።

ዳያፍራም ብዘይ ናይ ሓኪምሓኪምንሕሙማት ሰባት ከፍውስ ዝሰልጠነ ሰብ። ሓኪም መድሃኒታትክእዝዘ ይኽእል እዩ። ሓኪም ወዲ-ተባዕታይ ወይ ድማ…ብዙሕ ምንባብ ትእዛዝ ካብ ቤት-መሸጣ መድሃኒት ክትዕድጊ ትኽእሊ ኢኺ። 

Caya፡ ብ 1 ደረጃኡ ዝሓለወ ዓቐን ጥራይ ይዳለው

ንዲያፍራም ብኸመይ ትጥቀምሉ?

ቅድሚ ርሕምኽን ብመትሎ ምስንጣቑ፡ ነቲ ዲያፍራም ኣብ ውሽጢ ርሕምኽን ግበራኦ። ከምዚ ዝስዕብ ግበር፡-

  • ፍሉይ ጀል (ጸረ-ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ) ኣብ ኵሉ ወገን እቲ ዳያፍራም ግበሪ። ፍሉይ ጀል ዘይብሉ ዲያፍራም ዘተኣማምን ሜላ መከላኸሊመከላኸሊስግኣት ናይ ረኽስታት፡ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ንምውጋድ ወይ ምጒዳል ዝዓለመ።ብዙሕ ምንባብ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ እዩ።
  • እንተበዝሐ 2 ሰዓታት ቅድሚ ጾታዊ-ርክብ ምፍጻምኪ ነቲ ዳያፍራም ጸቒጥኪ ሓዝዮን ስዅዕዮን።
  • ነቲ ዳያፍራም ኣጸቢቕኪ ናብ ውሽጢ ርሕሚርሕሚኣካል ናይ ውሽጣዊ ጾታዊ ኣካልት ናይ ጓል ኣንስተይቲ። ርሕሚ ንማህጸን ምስ ግዳማዊ ኣካላት…ብዙሕ ምንባብ ብምእታው ኣብ ኣፍ ማህጸን ከምዝኸውን ግበርዮ። ልዕሊ 2 ሰዓት ቅድሚ ጺታዊ-ርክብ ምፍጻምኪ ክስኳዕ የብሉን። እቲ ጎድጓድ ወገን ናይቲ ዳያፍራም ናብቲ ማህጸን ገጽ ጌርኪ ሓዝዮ። እቲ ክሳድ ማህጸን ናይ ግድን ክሽፈን ኣለዎ።
  • እቲ ዳያፍራም ድሕሪ ምፍናው ፈሳሲ ዘርኢ ካብ 6 ክሳዕ 24 ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዜ እለይዮ። ንታሕቲን ንደገን ኣነቓንቕዮ።
  • ብውዑይ ማይ ሓጺብኪ ኣንቅጽዮ።

ናይ ጓለነስተይቲ ጎሎ ብደቂቕ: 1. ዲያፍራም፡ 2. ማህጸን፡ 3. ርሕሚ፡ 4. መሃንቱስ ከምኡ ድማ 5. ሻምብቆ ሽንቲ።

ፍሉይ ጀል (ጸረ-ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ) ኣብ ኵሉ ወገን እቲ ዳያፍራም ግበሪ። እቲ ጀል እቶም ዋህዮታት ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ከይንቀሳቐሱ ይዓግቶም።

ነቲ ዲያፍራም ብሓንሳብ ጸቒጥኪ ብምሓዝ ናብቲ ዉሽጢ ርሕሚ ኣእትዉዮ።

እቲ ጎድጓድ ወገን ናይቲ ዳያፍራም ናብቲ ማህጸን ገጽ ጌርኪ ሓዝዮ።

ነቲ ዳያፍራም ኣጸቢቕኪ ናብ ውሽጢ ርሕሚ ብምእታው ኣብ ኣፍ ማህጸን ከምዝኸውን ግበርዮ። እቲ ክሳድ ማህጸን ናይ ግድን ክሽፈን ኣለዎ።

እቲ ዳያፍራም ተሰዂዑ ኣሎ።

እቲ ዳያፍራም ኣብ እዋን ጾታዊ-ርክብ እውን ኣብ ቦትኡ ይጸንሕ። ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ንሽዱሽተ ሰዓታት ዝኣክል ኣብ ቦታኡ ክጸንሕ ትገድፍዮ።

እቲ ዳያፍራም ንታሕቲን ንላዕልን ብምንቕናቕ እለይዮ።

ብውዑይ ማይ ሓጺብኪ ኣንቅጽዮ።

ብግቡእ እንድሕር ዘይተጠቒምክሉ ኣተኣማምነቱ ይንኪ

እቲ ዳያፍራም ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምክሉ፡ ኣዝዩ ኣተኣማማኒ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲመከላኸሊ ጥንሲኣገባባትን ሜላታትን ምክልኻል ጥንሲ። ኮንዶምን መድሃኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኣብነታት ጥንሲ ክንከላኸለሉ እንኽእል…ብዙሕ ምንባብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ዳያፍራም ብዙሕ ግዜ ብመሰረት እቲ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ መንገዲ ኣብ ጥቕሚ ኣይውዕልን። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ፡ ኣተኣማምነቱ ኣዝዩ ትሑት ይኸውን።

እቲ ዳያፍራም ኣብተን ድሕሪ ሕርሲሕርሲመስርሕ ሕርሲ ወይ ምውላድ ዕሸል።ብዙሕ ምንባብ ዘለዋ ናይ መጀመርያ 6 ሰሙን ክትጥቀምሉ የብልክን። ምኽሪ ንምርካብ ንሓኪም ሕተቲ

ኣተኣማምነቱ ትሑት

ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን ግን ክከላኸል ኣይኽእልን

እቲ ዳያፍራም ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ወይ ከኣ ኤች.ኣይ.ቪ ክከላኸለልኪ ኣይክእልን። ኮንዶምኮንዶምወዲ-ተባዕታይ ኣብ ዝቐንዐ መትሎ ዝወድዮ ረቒቕ መሸፈኒ ፕላስቲክ እዩ። እቲ ኮንዶም፡ እቲ ወዲ-ተባዕታይ…ብዙሕ ምንባብ ጥራይ እዩ ክከላኸለልክን ዝኽእል።

ኮንዶም

ዳያፍራም ምዕዳግ

ዋግኡ ክንደይ እዩ?

Caya ብ 1 ደረጃኡ ዝሓለወ ዓቐን ዝዳሎ ዳያፍራም እዩ። ዋግኡ ከኣ ካብ € 30 ክሳብ € 35 ይበጽሕ። ትቦ ጸረ-ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ዋግኡ ካብ € 8 ክሳብ € 10 ይበጽሕ። ናይ ሓኪም ትእዛዝ ኣየድልየኪን እዩ።