ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ጾታዊ ባህታ እንታይ ማለት እዩ፧

ጾታዊ ባህታ፡ ኩሉ ግዜ ጾታዊ ድሌት ክስመዓካ እንከሎ እዩ ዝጅምር። ዳርጋ መብዛሕቲኡ እዋን፡ ስምዒታት እውን የጠቓልል እዩ፦ ንኣብነት ንሓድሕድኩም ክትደራረዙ እንከለኹ፡ ጥቡቕ ፍቕሪፍቕሪምስ ካልእ ሰብ ሓያል ናይ ምትእስሳር ስምዒት፡ ኣኽብሮት፡ ፍትወትን መብጽዓን ስምዒት ምህላው። ሰባት…ብዙሕ ምንባብ ክትወሃሃቡን ወይ ሓጐስ ክስምዓኩምን ይኽእል።

ምልዓል ጾታዊ ስምዒትምልዓል ጾታዊ ስምዒትናይ ጾታዊ ርክብ ድሌት ከምዝህልወካ ዝገብር ደስ ዝብል ስምዒት። እቲ ምልዕዓል ኣብ ግዜ…ብዙሕ ምንባብ

ኣካላትኩም፡ እንተደኣ ተረሳሲኑ፡ ስምዒትኩም ክለዓዓል ይኽእል። ኣካላትኩም ብብዙሕ ጾታዊ ስምዒት ናይ ምልዓል ደረጃታት ክሓልፍ ይኽእል እዩ። ሓያል ጾታዊ ስምዒት እንተደኣ ኣጋጢሙኩም፡ ጥርዘ ስምዒት ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም። ስምዒት ንኽለዓዓል፡ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ክልታት ናይ ኣካላት ነዞም ዝስዕቡ ይፈትዉ፦

  • ክሕቈፉ፡ 
  • ክደርዙን ክድረዙን፡
  • ክስዕሙን ክሰዓሙን፡
  • ክልሕሱን ክለሓሱን…

ይደልዩ።

ስምዒት ዘለዓዕሉ ኣካላት ኣብ ብዙሓት ሰባት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  • ርሕሚን ከናፍር ርሕምን (ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ)፡
  • መትሎን ፍረነብስን (ኣብ ደቂ-ተባዕትዮ)፡
  • መቐመጫታት፡
  • መሃንቱስ
  • ኣብ ውሽጢ ኣስላፋት፡
  • ኣጥባትኣጥባትእተን 2 ህዋሳት ኣደን ንውላዳ ድሕሪ ሕርሲ እትምግበለን። ኣጥባት ተነቀፍቲ እየን፡ ንጓል ኣንስተይቲ…ብዙሕ ምንባብ (ደቂ-ኣንስትዮ)/ኣፍ-ልቢ (ደቂ-ተባዕትዮ) ከምኡ’ውን ጫፍ ኣጥባት፡
  • ኣፍ፡
  • ክሳድ፡
  • ጸጉሪ፡
  • ገጽ፡
  • ኣእዳው፡ ኣጻብዕቲ፡ ኣጻብዕቲ እግሪ፡ ከብዲ እግሪ፡
  • ቀላጽም፡ መንኩብ፡ ሕቖ፡
  • ራዖ እዝኒ፡
  • ሕምብርቲ፡ ከብዲ።

ኣካላትኩም ብዝተፈላለየ መድረኻት ምልዓል ስምዒት ክሓልፍ ይኽእል እዩ፦ 1. ጾታዊ ድሌት፡ 2. ምልዓል ጾታዊ ስምዒት፡ 3. ሓያል ጾታዊ ስምዒት እንተደኣ ኣጋጢሙኩም፡ ጥርዘ ስምዒ ትክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም። 4. ህድእ ምባል።

ፊት ወዲ-ተባዕታይ ምልክት ስምዒት ዝለዓዓለሉ ኣካላት

ሕቘ ወዲ-ተባዕታይ ምልክት ስምዒት ዝለዓዓለሉ ኣካላት

ፊት ጓለንስተይቲ ምልክት ስምዒት ዝለዓዓለሉ ኣካላት

ሕቘ ጓለንስተይቲ ምልክት ስምዒት ዝለዓዓለሉ ኣካላት

ኵሉ ግዜ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ

ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ግዜን ንነፍሲ-ወከፍ መጻምድቲን ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ምስ መጻምድኹም ብዛዕባ እቲ ክልቴኹም እትፈትዉዎ ነገራትን ብኸመይ ከም ዝፈተኹምዎን (ልስሉስ ዲዩ ተሪር፡ ቅልጡፍ ዲዩ ድንጕይ፡ ብኣእዳውኩም፡ ከንፈርኩም ዲዩ መልሓስኩም ወዘተ) ኣመልኪትኩም ተዘራረቡ።

ሰባት ጾታዊ-ርክብ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም፡ ይኹን እምበር ናይ ግድን ኣይኮነን ጾታዊ ባህታ ክህልዎም። ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ምቅርራብኩም ጥራይ ክትሕጕሱ ትኽእሉ ኢኹም፡- ብምትሕቚቛፍ፡ ብምድርራዝ፡ ብምዝርራብን ብምሕጓስን ንሓድሕድኩም ክትደጋገፉ ትኽእሉ።

ሓያል ጾታዊ ስምዒት እንተደኣ ኣጋጢሙኩም፡ ጥርዘ ስምዒት ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ግዜ፡ ጥርዘ ስምዒትጥርዘ ስምዒትእቲ ዝለዓለ ጾታዊ ምልዕዓል። ንሱ ኣዝዩ ባህ ዘብል ስምዒት እዩ። ክሎም ጭዋዳታትካ ይጭበጡ።…ብዙሕ ምንባብ ክህልወኩም ኣይክእልን እዩ። ንስኹም መጻምድኹምን ብዛዕባ’ዚ ሕጕሳት ምስ ዘይትዀኑ፡ ዘጸግም ነገር ኣይሃልኹም።

መጻምዲ ኣብ ዓራት ኰይኖም እናተዘራረቡ።