ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ኣብ እዋን ጥንሲ ብመሕረሲት ወይ ብናይ ምህጸን ሓኪም ምርኣይ

ጥንስቲ እንተ ኾንኪ፡ ኣብ ከባቢኺ ምስ እትርከብ መሕረሲትመሕረሲትንጥንስቲ ሰበይቲ ቅድሚ፡ ኣብ ግዜን፡ ድሕርን ሕርሲ እትሕግዛ ስልጠና ዝወሰደት ሰብ። መሕረስቲ መድሃኒት…ብዙሕ ምንባብ ቆጸራ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ። እታ መሕረሲት ናይ ኦልትራሳውንድ መርመራናይ ኦልትራሳውንድ መርመራንዕሸል ኣብ መስኮት መመርመሪት ዘርኢ ምርመራ። እቲ ሓኪም ወይ ሓኪም ማህጸን ኣብ ከብድኺ…ብዙሕ ምንባብ ብምግባር ንጥንስኺ ከተረጋግጾ እያ። ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ናብ ሓኪም ማህጸንሓኪም ማህጸንኣብ ግዜ ጥንሲ፡ ምክልኻል ጥንስን ሕማም ናይ ደቀንስትዮን ዝተኣሳሰር ክኢላ 'ክንክን ጥዕና ዝኾነ…ብዙሕ ምንባብ ክትልእከኪ ወይ ሪፈር ክትብለኪ እያ።

ጥንስቲ እንተ ኾንኪ፡ እታ መሕረሲት ወይ ከኣ እቲ ናይ ማህጸንማህጸንኣብ ውሽጢ ማህጸን ናይ ጓለንተይቲ 'እቲ ዕሸል ክዓብየሉ ዝኽእል ቦታ እዩ።ብዙሕ ምንባብ ሓኪምሓኪምንሕሙማት ሰባት ከፍውስ ዝሰልጠነ ሰብ። ሓኪም መድሃኒታትክእዝዘ ይኽእል እዩ። ሓኪም ወዲ-ተባዕታይ ወይ ድማ…ብዙሕ ምንባብ ኣብ ሙሉእ ጉዕዞ ጥንስኺ ንዓኺን ነቲ ጥንሲን ክትትል ክብሩልኩም እዮም።

ጥንስኺ ንምርግጋጽ ምስ መሕረሲት ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪም ቆጸራ ሓዚ።

ቀጻሊ ምርመራታት

ኣብቲ ናይ ፈለማ ምርመራ፡ እታ መሕረሲት ወይ እቲ ናይ ማህጸን ሓኪም ነዞም ዝስዕቡ ክገብሩ እዮም:

  • ብዛዕባኺ፡ ብዛዕባ መጻምድትኺ፡ ብዛዕባ ቤተሰብኪ፡ ብዛዕባ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጥንሲታትኪ ከምኡ ከኣ ንመወዳእታ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትወርሓዊ ጽግያትኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ' ብርሕሚ ጓለንስተይቲ ደም ምፍሳስ። ወርሓዊ ጽግያት ብውሕዱ ንውሑዳት መዓልታት…ብዙሕ ምንባብ ዝረኣኽሉ ዕለት ብምሕታት ብዛዕባ ጥንስኺ ሓበሬታ ንምእካብ ክፍትን እዩ።
  • ክብደትኪን ጸቕጢ ደምኪን ክፍትሽ እዩ;
  • እቲ ዕሸልዕሸልዝጸገየት እንቋቚሖ  እቲ ቀንዲ ክፋላት ናይ ህጻን እናርኣየት (ድሕሪ ናይ 3ይ ወርሒ ጥንሲ)።ብዙሕ ምንባብ ክሮሞዞማዊ ኣበር (NIPT – ደምደምቀይሕ ፈሳሲ ኣገዳሲ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ኣካላትና ዘለዎ፡ ንኣብነት ናብ መላእ ኣካልት ኦክስጅን…ብዙሕ ምንባብ ካብ ቅልጽምኪ ተወሲዱ መጽናዕቲ ክግበረሉ እዩ) ከይህሉዎ ወይ ከኣ ካልእ ኣካላዊ ኣበራት (SEO – ናይ ኦልትራሳውንድ መርመራ) ከይህሉዎ ንምፍታሽ ብዛዕባ ተወሰኽቲ መርመራታት ሓበሬታ ክህበኪ እዩ። እቶም መጻምድቲመጻምድቲምሳኻ ኣብ ዝምድና ዘሎ ሰብ።ብዙሕ ምንባብ ነዚ መርመራታት ዝደልዩዎ እንተ ኾይኖም ባዕሎም ይውስኑ። እንተድኣ ትደልዪ ኾንኪ፡ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ጥንስቲ ኮንኪ ከምዘለኺ ንምፍላጥ እውን እታ መሕረሲት ናይ ኦልትራሳውንድ መርመራ ክትገብረልኪ ትኽእል እያ።

ድሒሮም ኣብ ዝግበሩ ምርመራታት፡ እታ መሕረሲት ወይ ከኣ እቲ ናይ ማህጸን ሓኪም ነዞም ዝስዕቡ ክገብሩ እዮም:

  • ከመይ ከምዘለኺ ክሓቱኽን ንሕቶታትኪ መልሲ ክህቡሉን
  • ክብደትኪን ጸቕጢ ደምኪን ክምርምሩኺ
  • ዕቤት ናይቲ ዕሸል ክምርምሩን ህርመት ልቡ ክሰምዑዎን
  • ብዛዕባ እቲ ጥንሲን ሕርስን ሓበሬታ ክህቡኺ

ኣብ መወዳእታ ናይ ጥንሲጥንሲሰበይቲ ቆልዓ እትጽበየሉ ግዜ። ጥንሲ ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንወሃዮ እንቋቊሖ ድቂ ምስ…ብዙሕ ምንባብ ወርሒኺ፡ ኣቋውማ ዕሸልኪ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ከመይ ከምዘሎ ይፍተሸ።

እታ መሕረሲት ወይ ከኣ እቲ ናይ ማህጸን ሓኪም ኣብ እዋን ጥንሲኺ እንተወሓደ ናይ ኣልትራሳውንድ መርመራ ክገብሩልኪ እዮም።

እታ መሕረሲት ንህርመት ልቢ እቲ ዕሸል ብቐጻሊ ትሰምዖ

ምስ መሕረሲትኪ ወይ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ

እዞም ዝስዕቡ ኣጋጣሚታት እንተተፈጢሮም ምስ መሕረሲትኪ ወይ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ክትራኸቢ (ብቕጽበት) ኣድላዪ ይኸውን:

  • ብኸብድኺ እንተወዲቕኪ;
  • ኣብ ከብድኺ ሓያል ቃንዛ እንተተሰሚዑኪ;
  • ቀጻሊ ረስኒረስኒናይ ሰብነት ልዑል ሙቐት (ልዕሊ 38°C - 100.4°F).ብዙሕ ምንባብ እንተሃልዩኪ;
  • ደም ብርሕምኺ እንተፈሲሱኪ;
  • ብዙሕ ክብደት እንተነኪኺ;
  • ኣሚንዮቲክ ፈሳሲኣሚንዮቲክ ፈሳሲንዕሸል ኣብ ውሽጢ ማህጸን እንከሎ ዝሽፍኖ ፈሳሲ። ፈሳሲ ኣሚኒዮቲክ ነቲ ዕሸል እዩ ዝከላኸለሉ።…ብዙሕ ምንባብ እንተ ፈሲሱኪ;
  • ብዙሕ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ናይ ርሕሚርሕሚኣካል ናይ ውሽጣዊ ጾታዊ ኣካልት ናይ ጓል ኣንስተይቲ። ርሕሚ ንማህጸን ምስ ግዳማዊ ኣካላት…ብዙሕ ምንባብ ፈሳሲ እንተሃልዩኪ; 
  • ድሕሪ 26 ሰሙናት እቲ ቆልዓ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ብንጹር ክስመዓኪ እንተዘይክኢሉ; 
  • ብቐጻሊ ምጭብባጣት ይስመዓኪ እንተሃልዩ። 

ብኸብድኺ እንተወዲቕኪ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ኣብ ከብድኺ ከቢድ ቃንዛ እንድሕር ዝስመዓኪ ኾይኑ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ቀጻሊ ረስኒ እንተሃልዩኪ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ካብ ርሕምኺ ደም እንድሕር ዝፈሰኪ ኽዕይኑ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ብዙሕ ክብደት እንድሕር ነኪኺ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይከኣ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ካብ ርሕሚኺ ፈሳሲ እንድሕር ዝኸደኪ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ብዙሕ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ጻዕዳ ፈሳሲ ካብ ርሕሚኺ ዝኸደኪ እንተኾይኑ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባርኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባርእዚ፡ ሓደ ሰብ ንመጻምዱ/ዳ ክጎድእ፡ ከዋርድ ወይ ሸለል ክብል ከሎ/ላ፡ ወይ ንእኡ/ንእኣ ንጾታዊ…ብዙሕ ምንባብ ኣብ እዋን ጥንሲ

“>ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር ኣብ ወሲባዊ ርክብ ኣብ መንጎ ዝርከቡ 2 ሰባት ዝፍጠር ዝኾነ ዓይነት ጎነጻዊ ተግባር እዩ። ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር ብሕጊ ክልኩል እዩ።

ኣብ እዋን ጥንሲ ዝፍጸም ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ እታ ኣደን እቲ ጥንሲን ናይ ጥዕናጥዕናኣብ ከባቢኻ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጽቡቕ ስምዒት ክስምዓካ ከሎ። ጥዕና ካብ ዘይምሕማም ንላዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ። እቶም ጸገማት ኣካላዊ ወይ ከኣ እነ-ኣእምሮኣዊ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: ጭንቀት፡ መድመይቲ፡ ልዑል ጸቕጢ ደ፡ መዓልቱ ዘየእከለ ዕሸል ምውላድ፡ ትሑት ዝኽብደቱ ዕሸል ምውላድ፡ ምኻድ ጥንሲምኻድ ጥንሲሓንቲ ጓለንስተይቲ ካብ ማህጸን ወጻኢ ክነብር ዘይክእል እኹል ዘይማዕበለ ዕሸል ምስ እትገላገል ምብርዓን…ብዙሕ ምንባብ

ኣብ እዋን ጥንሲ ካብ መጻምድቲኺ ጎነጻዊ ተግባር እንድሕር ተፈጺሙኪ ሓገዝ ንምርካብ ንመሕረሲትኪ፡ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ከምኡ ድማ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ሕተቲ።

ኣብ ህጹጽ እዋን፡ ብ 112 ደውሊ።