ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ጾታዊ-ርክብ እንታይ እዩ?

ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ንኹሎም ጾታዊ ስምዒትካ ከለዓዕሉ ዝኽእሉ ተግባራት ይገልጽ። ጾታዊ ርክብጾታዊ ርክብክሎም ወሲባዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩልካ ተግባራት። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ልዕሊ…ብዙሕ ምንባብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ከምኡውን ምስዕዓም፡ ምድርራዝ ከምኡ ድማ ናይ ኣፍ ጾታዊ-ርክብ የጠቓልል። ባዕልኻ ንባዕልኻ እውን ጾታዊ-ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ግብረ-ሕቡእግብረ-ሕቡእነገዛእ ሰብነትካ ብምትንኻፍ ጾታዊ ምልዕዓል ክስመዓካ ኸሎ (ዝበዝሕ ግዜ ንጾታዊ ኣካላትካ ብምብርባር)። ግብረሕቡእ…ብዙሕ ምንባብ ይበሃል።

ጾታዊ-ርክብነት ቀንዲ ክፋል ሰብኣዊ ህይወት እዩ። ንገዛእ-ርእስኻ ምግላጽ ልሙድን እወታዊን እዩ። ጾታዊ-ርክብነት ስጋዊ-ርክብ ጥራይ ዘይኮነስ ካልኦት ጉዳያት እውን የጠቓልል እዩ። ንኣብነት: ጾታዊ ባህታ ከምኡ ድማ ዕርክነት፡ ኣናቶሚያ፡ ቆልዑት ምውላድ፡ ከምኡ ድማ ንጾታዊ ባህሪ ዝምልከቱ ነውሪታትን ክብሪታትን።

ጾታዊ-ርክብ እንፍጽመሎም ምክንያታት

ጾታዊ-ርክብ እትፍጽመሎም ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ እዞም ዝስዕቡ ስለእትደሊ:

እተፈላለዩ ሜላታት ጾታዊ-ርክብ

ጾታዊ-ርክብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትፍጽም ትኽእል ኢኻ:

  • ጾታዊ-ርክብ;
  • ምድርራዝ;
  • ምትሕቑቛፍ;
  • ምስዕዓም;
  • ነቲ ኣብ ኣካላት ዝርከብ ናይ ጾታዊ-ርክብ ክፋላት ምንቕቓሕ።

ጾታዊ ርክብ ብዛዕባ ቅኑዕ ሜላታት ጥራይ ኣይኮነን። ናይቲ ካልእ ሰብ ስምዒታትን ድሌታትን ኣብ ግምት ምእታው፡ ጥቡቕ ምቅርራብ ምምዕባልን ምቹእ ሃዋህው ምፍጣርን እውን አገዳሲ እዩ።

ፈተነታት ብምግባር ንስኻን ምጻምድትኻን ዝበለጸ እትፈትውዎ እንታይ ከምዝኾነ ፍለጥ። ብዛዕባ ድሌታትኩምን ስምዒታትኩምን ምስ መጻምድትኽም ተዘራረቡ። ባዕልኻ እውን ፈተነታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ጾታዊ ርክብ ኩሉ ግዜ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናይ ሰባት ወሲባዊ ህይወት ኣብ መዋእሎም ክቀያየር ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ኣካላቶም ወይ ከኣ ጾታዊ ድሌቶም ስለዝቀያየር። እዚ ንቡር እዩ። ገለ ሰባት ንሓጺር ወይ ከኣ ንነዊሕ ጊዜ ጾታዊ-ርክብ ከይፈጸሙ ክጸንሑ ይኽእሉ።

መጻምዲ ኣብ ዓራት ኰይኖም እናተዘራረቡ።

እተፈላለዩ ዕርክነታትን ናይ ጾታዊ-ርክብ ህይወታትን

ሰባት ብዙሓት እተፈላለዩ ዓይነታት ዕርክነታት ከምኡ ድማ ናይ ጾታዊ-ርክብ ህይወታትን ኣለዉዎም። ንኣብነት: ገለ ሰባት መርዓ ቅድሚ ምግባሮም ጾታዊ-ርክብ ይፍጽሙ፡ ካልኦት ከኣ ክሳዕ ዝምርዓዉ ይጽበዩ። ገለ ሰባት 1 መጻምድቲመጻምድቲምሳኻ ኣብ ዝምድና ዘሎ ሰብ።ብዙሕ ምንባብ ጥራይ ኣለዎም፡ ካልኦት ከኣ ብዙሓት መጻምድቲ ኣለዉዎም።

ተመሳሳሊ ጾታጾታጾታ ብዛዕባ ተራን ትጽቢታትን ዝምልከት ኰይኑ፡ ንሕና ከም ሕብረተሰብ ድማ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝሓቘፍና…ብዙሕ ምንባብ ዘለዎም ሰባት እውን ነንባዕሎም ጾታዊ-ርክብ ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም (ግብረ-ሰዶማዊነት)።

ለዝቢያን መጻምድቲ ጾታዊ-ርክብ እናገበራ።

ወሲባዊ ስምምዕ

ጾታዊ-ርክብ ኣብ እትገብረሉ እዋን ኩሉ ግዜ ድሌት ክህልወካን ድልው ክትከውንን ኣለካ። ሓበራዊ ስምምዕ ክንብል እንከለና እቶም ሰባት ክልቲኦም ጾታዊ-ርክብ ንምግባር ድሌት ክህልዎም ይግባእ ማለት እዩ። ክልቲኦም ሰባት ኣብ ዝኾነ ህሞት ከቋርጹ ክውስኑ ይኽእሉ እዮም።

ዝዀነ ሰብ ጾታዊ-ርክብ ክትፍጽም ከገድደካ ኣይትፍቀድ።

ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ናይ ጾታዊ-ርክብ ምትንኻፍ ክትገብር እትኽእለሉ ዝተሓተ ሕጋዊ ዕድመ 16 ዓመት እዩ። ኣብ ልዕሊ ንኣሽቱ ሰባት ወሲባዊ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ዝሕሉ ሕጊሕጊእንታይ ክትገብር ከም ዝለካን እንታይ ክትገብር ከም ዘይብልካን ዝነግረካ መመርሒ። ነፍሲወከድ ሃገር እተፈላለየ…ብዙሕ ምንባብ ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ክልቲኦም ንኣሽቱ ሰባት እንድሕር ተሰማሚዖም እሞ ናይ ዕድመ ኣፈላላዮም ኣዝዩ ገፊሕ እንተዘይኮይኑ፡ ሳሕቲ ንመቕጻዕቲ ከቃልዖም ይኽእል። ኣብ ኔዘርላንድስ ብዘይወለንታኻ ዝግበር ጾታዊ-ርክብ ብሕጊ የቕጽዕ እዩ፡ ዋላ ሓይሊ ኣይትጠቐም። 

ጓለንስተይቲን ወዲ-ተባዕታይን ኣብ ዓራት ደቂሶም። ክልቲኦም ኣብ ንሓድሕዶም ጾታዊ-ርክብ ክፍጽሙ ተሰማሚዖም።